ስራሕ ናብ ምርካብ ዝግበር ሓገዝ ወይ ምስናይ፣
ምስ ብምትሕብባር ቭዋ አ ቬር ላ ኣምፕልዋ (voix-e vers l'Emploi) ምስ ዝበሃል ናይ ምስናይ መደብ፣
እንታይ ኢዩ?
ቭዋ አ ቬር ላ ኣምፕልዋ (voix-e vers l'emploi) ምስ ዝበሃል መደብ ስራሕ እትረኽባሉ መንገዲ እንዳጣጠሐ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ደረጃ ክእለትክን እተደንፍዓሉን እተማሓይሻሉን መደብ ኣለዎ፣
ክፍለጥ ዝግበኦ ኣገዳሲ ሓበሬታ!
ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዊ እዚ መደብ እዚ ብቐዳምነት ንደቐንስትዮ ዕድል ዝህብ መደብ እዩ።
ንመን ኢዩ ፧
ናይ ሲር (le CIR ) ዝተባህለ ኮንትራት ወይ ስምምዕ ዝፈረምኩም ክትኮኑ ይግበ ኣኩም።
ዞባ\ ዴባርትሞ
38 - Isère
2 መዓልቲ ኣብ ሰሙን
ናይ ሲር (le CIR ) ዝተባህለ ኮንትራት ወይ ስምምዕ ዝፈረምኩም ክትኮኑ ይግበ ኣኩም።
ዞባ\ ዴባርትሞ
38 - Isère
2 መዓልቲ ኣብ ሰሙን
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ደረጃ ክእለትክን ክብ ምባል።
ንስራሕ ዝጠቕምኩም ናይ ሞያ ቋንቋ ፈረንሳ ዘምህር 150 ናይ ስልጠና ሰዓታትን፣ ብዛዕባ ናይ ቴክኒክ ዓውደ ሞያ ዝምልከት ምምሃር ዘጠቓልል መደብን እዩ።
ናይ ውልቀ ሞያዊ መጻኢ መደባት ምሕንጻጽ፣
እቲ ፍርቂ ናይ ስልጠና ጊዜ ማለት እቲ ሓምሳን ኣርባዕተን ሰዓታት (54) ኣብ ምምሳርትን ምህናጽን ናይ ውልቂ ሞያዊ መጻኢ መደባትኩም ኣተኮረ መደብ እዩ።
ብቐሊሉ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል።
ብቐሊሉ ስራሕ ናይ ምርካብ እትኽእሉሉ ዝሕግዝ ናይ ስራሕ ኣደላልያ ሜላታት ክትመሃሩ ኢኹም።
ንናይ ስራሕ ልምድታትኩምን ተመኩሮታትኩምን ክብ ኣብልዎን ክብሪ ሃብዎን።
ኣብዚ መደብ ኣብ ሃገርክን ንዝነበረክን ብቕዓት ዋጋ ሂቡ ተቐባልነት ከም ዝህልዎ ይገብሮ ።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ርኸቡና፣
ብዛዕባ ናይ መጻኢ መደባትና ንምውካስን ኣብዚ መደብ ንምስታፍ ኽትምዝገቡን ምስእትደልዩ፣ በዚ ዝስዕብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻና ማለት ኢመይልና
unevoix-everslemploi-grenoble@afpa.fr ተጠቒምኩም መልእኽቲ ለኣኹልና።