ግዝያዊ መጽለሊ ንምርካብ፣
ምስ ብሳላ ረ ኢሎጅ(REiLOGE)፣
እንታይ ኢዩ?
ረ ኢሎጅ(REiLOGE) ዝተባህለ ማሕበር፣ ሙችዋሊተ ፍራንሴ (Mutualité Française) ብምትሕብባር፣ ክሊ ዕድመ( 18 ክሳብ 30 ) ዑቕባ ውሕስነት ንዝረኸቡ ስደተኛታት ግዝያዊ መጽለሊ ይህብ።
ኣገዳሲ ሓበሬታ፥ መጠናዊ ክፍሊት ስለ ዘለዎ፣ ንምዃን ወርሓዊ ኣታዊ(ሓገዝ)ወይ ድማ መሃያ ክህልወኩም ናይ ግድን እዩ።
ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፥ እቲ ደረት ናይ ምኽፋል ድማ በዚ ዝስዕብ መዐቐኒ ዝልካዕ እዩ። ንምክራይ
ኣፐኤል (APL ) ማለት ናይ ገዛ ክራይ ሓገዝ ንምርካብ፣ ስፍሓት : ሓደ (T1 25 m2) 25 ሜትሮ ካሬ ዝኾነት ንእሽተይ ክፍሊ፣ ወርሓዊ ክፍሊታ 509 € (hors APL) ኢዩሮ ክኸውን ኣለዎ፣
Colocation : ንናይ ሓባር ገዛ ብዘይ ናይ ኣፐኤል ሓገዝ 322 € par mois (hors APL).
ንመን ኢዩ ፧
ነቲ እትካረዮ ገዛኻ ክራዩ እትኸፍለሉ ኣታዊ ወይ መሃያ ምህላው፣
ዞባ\ ዴባርትሞ
38 - Isère
ን 12 ኣዋርሕ
ነቲ እትካረዮ ገዛኻ ክራዩ እትኸፍለሉ ኣታዊ ወይ መሃያ ምህላው፣
ዞባ\ ዴባርትሞ
38 - Isère
ን 12 ኣዋርሕ
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
መንበሪ ገዛ ንምህላው፣
እንተወሓደ ንሓደ ወርሒ ንበይንኻ ይኹን ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኮይንካ እትነብሮ መጸግዒ ገዛ ምርካብ፣
ኣብ ወመዳእት መንበር ገዛኹም ንኽትረኽቡ ከነሰንየኩምን ክንሕግዘኩምን ዝከኣለና ጻዕሪ ክንገብርን ።
እዚ ዕላማ ናይ እዚ መደብ እዚ፣ንተሳተፍቲ እዚ መደብ እዚ ኣብ መዛዘሚ ናይ እዚ መደብ እዚ መንበሪ ገዝኦም ከምዝረኽቡ ምግባር እዩ።
ኣብ ናይ ሓባር ዝኾኑ ባህላውን ጥዕናውን መዳያት ዝድህስሱ፣ መደባት ንምስታፍ ዘክእሉ ምሕዝነትታዊ ርክባት ምፍጣር፣
ኣብዚ መደብ እዚ ብምስታፍኩም እምበኣር፣ ኣዝየን ዝትፈላለያ ንባህላውን ጥዕናውን መዳያት ዝድህስሳን ንስደተኛታት ዝሕግዛ ውልቃውያን ማሕበራት ይኹና ኣብዚ መደብ እዚ ኣዝዩ ዓቢ ተራ ዝጻውቱን ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎምን ሰባት ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።
ናይ ማሕበራዊ ሓገዝ ብቐጻሊ ዘሰንየኹም ሓገዝቲ ሰባት ምርካብ፣
ምስ መሻርኽትና ዋዞ ብሉን(Oiseau bleu ) ኣዶማን(Adoma ) ብምት ሕብባር ኣብ ማሕበራዊ ሞያኹም ዘሰንዩኹም ሓገዝቲ ክትረክቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ቦታ፣
ብሓፈሻ ሰለስተ ናይ ሰሪሖም ገዝኦም ዝኣትዉ መንእሰያት(Foyers Jeunes Travailleurs) ተባሂለን ብዝፍለጣ ኣብ ከተማ ኢሰር( l'Isère) ዝርከብ መጸውዒኡ ናይ ሙችዋል ፍራንሴ ብምባል ዝፍለጥ መንበሪ ገዛውቲታት፣ ንተቐማጦ ዞባ ግሮኖብል (grenobloise ) ንዝነብሩ ዝምልከት እዩ።
ምዝገባ፣
ብዛዕባ መስርሕ ናይ እዚ መደብ ሓፈሻዊ ዝኾነ ኣፍልጦን ግምገማን ንኽህልወኩም ምስእትደልዩ ክትረኽብዋ ትኽእሉ ኢኹም፣
ስም ኣወሃሃዲት ናይዚ ረሎጀ ዝተባህለ መደብ ጋ ኤል ሞያርድ
Gaëlle Mollard (Coordinatrice du projet Réiloge) ትበሃል፣
ኣድራሻ ኣ ማለት ኢመይል(Email) ክትጽሕፉላን ክትረኽብዋን ትክእሉ ኢኹም፣ gmollard@mutualiteisere.org
ቁጽሪ ስልካ ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ፣ 07.63.84.98.06