ኣብ ጃርዳን (ብሓባር ኮይንካ ዝዕየ ጀርዲን ወይ ናይ ኣታኽልቲ ዝርከቦ ቦታ ምስታፍ ማለት እዩ) ኮሌክቲቭ ዝበሃል ሓባራዊ መደብ ተሳተፉ፣
ምስ ሰኩር ካቶሊክ ናይ ከተማ ቡርጎኝ፣
እንታይ ኢዩ?
ኣብ ናይ ሓባር ጃርዳን ኮሌክቲቭ (ጃርዲን) ምስታፍ ማለት ንኣካላትናን ጥዑምን ምቁርን ንጥዕናና ድማ ሃነጽቲ ዝኾኑ ፍረታት (ፍሩታታት) ካብቲ ዝተዘርኡሉን ቦቒሎም ዝተንጠልጠሉሉን ገረብን ናይ ኣዝርእቲን ቦታታት ኣብ ምእራዮም ምስታፍን፣ ብተወሳኺ ድማ ኣሪኹምን ኣኪብኩምን ምምጋብ ወይ ምብላዕ ዘጠቓለለ መደብ እዩ።
ንመን ኢዩ ፧
ዞባ\ ዴባርትሞ
21 - Côte-d'Or
ዞባ\ ዴባርትሞ
21 - Côte-d'Or
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ደስ ዝብልን ናይ ሓባር ቤተሰባዊ ናይ ፍቕርን ናይ ሰላምን ሰሓቕን ጸወታን ግዜ ምህላውን ምሕላፍን ዝሓቖፈን መደብ እዩ።
እሞ ሃየ! ነዚ ደስ ዘብል ሓባራዊ ማለት ብሓባር ኮይንካ ዝዕየ ናይ ጀርዲን ህይወት ተሳተፍዎ፣ ኣብኡ ብዛዕባ ኣዝርእቲ: ፍረታት: ኣሕምልቲ: ምስኦም ዝዛመዱ ነገራትን እኹል ኣፍልጦ ክህልወኩም እዩ። ነጻ እዋንኩም፣ ኣብ ደስ ዝብልን ምዉቕ ናይ ወለንታ ተግባራት ኣውዕልዎ።
ኣብዚ መደብ እዚ ንምስታፍ ካባኻትኩም ዝሕተት ዝኾነ ይኹን ፍሉይ ሞያ ወይ ብቕዓት ይኹን ናይ ስራሕ ተመኩሮ ኣይትሕተቱን ኢኹም።
ኣብቲ ጃርዲን፣ ሰብ ሞያ: ወይ እውን ጀመርቲ: ንኣሽቱ ምስ ዓበይቲ:ንኹሉ ክፉት እዩ።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ርኸቡና
ካብዚ እትርእይዎ ዘለኹም ስነ ካርታ ንዘለዉ ቤት ጽሕፈታት ናይ ኣባላትና ስለዝኾነ፣ ኣብታ ሓንቲ ንዓኹም ደስ ዝበለትኩምን ንዓይ እዚኣ ትቐርበንን ትሕሸንን እያ እትብልዋ ቦታ ብምሕራይ፣
ምሳታቶም ብምርኻብ ክትፈልጥዎ እትደልይዎ ሓበሬታን ናብዚ መደብ ንምስታፉ ክትገብርዎ ዝግበኣኩም ስጉምትታትን ክሕብሩኩም እዮም እሞ ንዓታቶም ካብ ምውካስ ድሕር ኣይትበሉ።