ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ሆፕ ዝተባህለ ኣብ ከተማ ኢዘር ዝርከብ ናይ ኣፍፓ ዝተባህለ መሰልጠኒ ማእከል ዝካየድ መደብ።

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ኣበይ ?
ሓደ ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎ ስልጠና ምውሳድን መንበሪ ገዛ ምርካብን፣
እንታዩ’ዩ ?
ሆፕ HOPE (Hébergement Orientation Parcours vers l'Emploi) ዝተባህለ መደብ መንበሪ ገዛ ኣብ ምርካብን፣ ናብ ሞያዊ ዓለም ኣብ ምጽምባርን ዝሰርሕ፣ ስደተኛታት ርእሶም ዝኽእሉሉን ስራሕ ክረኽቡሉ ዝሕግዝ መደብ እዩ።
እዚ መስርሕ እዚ እምበኣር ኣብ ክልተ ክፋላት ዝተኸፈሉ መደባት ዝሓቖፈ እዩ።
- ፐ ኦ አ ሰ ኤፍ ኤል አ (POEC FLE) ዝጽዋዕ ስልጠና: እዚ ስልጠና እምበኣር፣ ምድላው ኣብ ሞያዊ ዓለም ማለት ናይ ህንጻ ስራሓት እንጥቀመሎም ቋንቋታት ንምፍላጥን ኣገልግሎታቱን ኣብ ናይ ኢንዱስትሪ ወይ ፋብሪካ ሞያ ንምስልጣንን ብ ፐ ኦ አ ሰ ኤፍ ኤል አ ዝተባህለ መደብ ዝወሃብ ስልጠና፣ ማለት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰዓት ናይ ስልጠና ግዜ ክህልዎ እንከሎ ካብዚኣተን እተን ሰለስተ ሚእቲ ዝኣኽላ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ዝካየዳ እየን።
- ቀንዲ ሸቶን ዕላማን ናይ እዚ ፐ ኦ አ ሰ ኤፍ ኤል አ POEC FLE ዝተባህለ መደብ ዝወሃብ ስልጠና ከኣ፣ አቶም ተምሃሮ ወይ ሰልጠንቲ ነቲ በቲ እተን ትካላት ዝደልያኦ መለክዒ ተዓቂኑ ዝቐረበ ናብቲ ዝለዓለ ሞያዊ ብቕዓት ንምጽምባር ዘኽእልን ዘዳሉን ስልጠና እዩ።
- ኣብ መዛዘሚ ናይ እዚ ናይ እዚ ፐ ኦ አ ሰ (POEC) ዝተዳለወ ስልጠና ድማ እቶም ተመሃሮ ኣብ ሞያዊ ዓለም ዝጠቕሞም ልዑል ብቕዓት ናይ ሞያ ቋንቋ ክእለትን ተመኩሮን ከምዘጥረዩ ዘመስክርን ዘረጋግጽን ምስክር ወረቐት ክወሃቦም ኣዳልዩሎም ኣሎ።
- ሞያዊ ስልጠና : ሞያዊ ውዕል ወይ ሰደፐ ኢ (CDPI ) ዝጽዋዕ ናይ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን (450) ሰዓታት ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ዝካየድ ስልጠና ኣዳልዩ ኣሎ።
ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ ውሽጢ እዚ መደብ ተሓቑፎም እንረኽቦም ኣገልግሎታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፣
- ምስ ኣብ ምሕደራውን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንዝርከቡ ሰራሕተኛታትን ኣብነት ከም ኣብ ናይ ጥዕናን ኣብ ናይ መጎዓዝያ ኣገልግሎታት ዝኣመሰሉ ምስ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ንዘጋጥሙና ሽግራት ኣብ ምፍትሖም ሓገዝን ምስናይን ይህብ፣
- ምስ እቲ ኣብ ከባቢና ዝነብር ዘሎ ሕብረተሰብ ተወሃሂድናን ተጸምቢርናን ኢድን ጓንትን ኮይንና ብሓባር ምንባር ኣብ ዝብል ዕላማ ተመሪሕና እንነብረሉ ሂወት ንምእታዉ ዝሕግዝን ዘሳልይን መደብ እዩ። (" ብሓባር ምንባር " ...)
ንምንታይከ የዘገድስ?
ናይ ቛንቛ ፈረንሳይ ደረጃኹም ከተመሓይሹ ትኽእሉ ኢኹም።
አዚ ስልጠና ንሰብ ሞያ ዝጎድልዎም ፣ ብዙሕ ናይ ስራሕ ጠለባት ዘለዎም ዓይነታት ስራሕ ዘተኮረ አዩ።
ኣብዘን ናይ ስልጠና እዋናት እቶም ተሳተፍቲ ኣብዚ ኣፍፓ (l'AFPA ) ዝተባህለ መሰልጠኒ ማአከል እንዳነበሩ ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም።።
እቶም ተሳተፍቲ ናይ እዚ መደብ እዚ፣ እቲ በዚ መደብ እዚ ዝተዳለወሎም ስልጠና ኣጠናቒቖም ድሕሪ ምውዳኦም ድማ ኣብ ማሕበራውያን መንበሪ ገዛውቲ ዝዕድላ ማሕበራት መንበሪ ገዛ ረኺቦም ክግዕዙን ክሰፍሩን ተኽእሎታት ኣሎ እዮ።
ኣብተን ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ ናይ ምምሃርን ናይ ልምምድን እዋናት፣ ተሳተፍቲ ሰለስተ ሚእቲትን ዓሰርተን ወይ ኣርባዕተ ሚእቲ (310 et 400€) ኢዩሮ ከም መሃያ ክፍሊት ይቕበሉ።
እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ትካል ከይዶም ብተግባር ኣብ ዝግበር ናይ ስልጠና እዋን ኣብ ዝስልጥኑሉ ግዜ ድማ ኸኣ ከባቢ ሽሕን ሚእትን ኢዩሮ (1100€ ) ክፍሊት ገንዘብ ክኽፈሎም እዩ።
ከመይ ንገብሮ?
09 72 72 39 36
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ