ስራሕ ንምርካብ ዘኽእል ደገፍ ንምርካብ፣
ምስ ሎ ፓሴያ ምስ ዝበሃል መደብ( le PACEA)፣

ስራሕ ንምርካብ ዘኽእል ደገፍ ንምርካብ፣

ምስ 
ሎ ፓሴያ ምስ ዝበሃል መደብ( le PACEA)፣

መጨርሽታ ጊዜ ምሕዳስ21 juil. 2022

እንታይ ኢዩ?

ሎ ፓሴያ (Le PACEA) ብሚስዮን ሎካል (Mission Locale) ዝተባህለን ኣብ ክሊ ዓሰርተ ሽዱሽተን ስጋብ ዕስራን ሓሙሽተን ዕድመ ንዘለዎም መንእሰያት ምስ ኩነታቶም ዝኸይድን ዝሰማምዖም ዓይነት ስራሕ ኣብ ምርካብን ዝሕግዝን ዘሳልን ትካል ኮይኑ፣

ከምኡ'ውን ነዞም ኣብዚ ዝተጠቕሰ ክሊ ዕድመ እዚ ንዝርከቡ መንእሰያት ናብ ሞያዊ ሂወት ኣትዮም ወይ ተጸምቢሮም ርእሶም ዝክእሉሉ መንገድን ኩነታትን ዘጣጥሕን ኣብዚ መስርሕ እዚ ንኽዕወቱ ዘሳሊን መደብ እዩ።

ንነፍሲ ወከፍ ኣብዚ መደብ እዚ ዝሳተፍ መንእሰይ ሚስዮን ሎካል ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ ኣብ ምርካብ ብውልቃዊ ዝኾነ ኣገባብን መዳይን ሓገዝን ምስናይን ይገብረሉን፣

ናይ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ኩነታትን ድልየታትን ተራእዩን ተጸኒዑን ድማ ስጋብ ኣርባዕተ ሚእትን ቴስዓን ትሽዓተን ኢዩሮ ማለት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክሕገዝን ክወሃቦን ምዃኑ የፍልጥ (497€ እዚ ሓገዝ ክረክብ ዝግበኦ ወይ ዝምልከቶ መንእሰይ ግን ዝኾነ ይኹን ካልእ ሓገዝ ፈጺሙ ዘይወስድ ሰብ ክኸውን ይግበኦ)።

ንመን ኢዩ ፧

ቦታ ናይ ተግባር ወይ ፍጻመ

ዞባ\ ዴባርትሞ

21 - Côte-d'Or

ህዝቢ ተኮር ጉዳይ ወይ ንህዝቢ ዝምልክት፣
ኒ ኹሉ ህዝቢ
ዕድመ ይሓትት
ካብ 16 ናብ 25 ዕድመ
ግዜ

ን 12 ኣዋርሕ

ደረጃ ቃንቃ ፈረንሳይ
ኩሎም ደረጀታት
ዋጋ ክንደይ ይውድእ ?
ነጻ
ቦታ ናይ ተግባር ወይ ፍጻመ

ዞባ\ ዴባርትሞ

21 - Côte-d'Or

ህዝቢ ተኮር ጉዳይ ወይ ንህዝቢ ዝምልክት፣
ኒ ኹሉ ህዝቢ
ዕድመ ይሓትት
ካብ 16 ናብ 25 ዕድመ
ግዜ

ን 12 ኣዋርሕ

ደረጃ ቃንቃ ፈረንሳይ
ኩሎም ደረጀታት
ዋጋ ክንደይ ይውድእ ?
ነጻ

ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧

ምስ ናይዚ መደብ ዝካየደሉ ግዜ ዝኸይድ ናይ ምስናይን ሓገዝን መደብ፣

ሓደ ናይ ሚስዮን ሎካል ኣባል ድማ ርእስኹም ኣብ ምኽኣልን ስራሕ ኣብ ምርካብን ከሳልየኩምን ክሕግዘኩምን እዩ።

ቁጠባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ ተኽእሎ እውን ኣሎ።

ቁጠባዊ ኩነታትኩም ተጸኒዑ ድማ ገንዘባዊ ሓገዝ እትድገፉሉ መንገዲ ኣሎ እዩ።

ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ

ምስ ሚስዮን ሎካል (Mission locale!) ንምዝታይ ቆጸራ ውሰዱ።

ምስ ሓደ ኣማኻሪ ተራኺብኩም ንምዝታይ ቆጸራ ግበሩ።

በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 03.80.92.36.23 ብምድዋል እውን ናብታ ኣብ ከባቢኹም እትርከብን ኣዝያ ቀረባኹምን ዝኾነት ማእከል ናይ ሚስዮን ሎካል ወይ ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ክትገብሩ ከምእትኽእሉ ክንሕብረኩም ባህ ይብለና።

በዚ እትርእይዎ ዘለኩም ስነ ካርታ ተሓጊዝኩም ማለት ብሓገዝ እቲ ቀይሕ ነቑጣ ወይ ነጥቢ ተመሪሕኩም፣ ድማ እታ ኣብ ከባቢኹም እትርከብን ኣዝያ እትቐርበኩምን ማእከል ናይ ሚስዮን ሎካል ብኣካል ብምኻድ ክትውከሱና ትኽእሉ ኢኹም።

ኣዛራቢ ምርካብ :
ቅኑዕ\ ቅቡል
ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቤሬታት ረኺብኩም ዶ ?
ኣምስግኖም ነቶም ንዓኻ ኣብርክቶ ዝገበሩ ኣብ ተሳትፍኦም
1 🙏
ኣበርከቲ ዓድም
15እዛ ገጽ ጹቡቅ ጌርካ ኣጽናዓያ መታን ን ሕቶታት ምምላጽስ ክትጠቅመካ
Proposé par

Responsable

Mission locale rurale des Marches de Bourgogne
Mission locale rurale des Marches de Bourgogne

Partenaires

Mission Locale des Marches de Bourgogne
Mission Locale des Marches de Bourgogne

Responsable

Mission locale rurale des Marches de Bourgogne

Mission locale rurale des Marches de Bourgogne

Partenaires

Mission Locale des Marches de Bourgogne

Mission Locale des Marches de Bourgogne