Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምርካብ ዕድል ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ምይይጥን

ምስ ምስ Avec Solidarité Femmes 21

ኣዳላዊ Solidarité Femmes 21 ኣቐድዲሙ ዝነበረ рік тому

እዚ መደብ እምበኣር፣ ብምውህሃድ ክልተ ናይ ማሕበራዊ ሂወት ተሓጋገዝቲ ሰራሕተኛታት ማለት ኣንተርቨናን ሶሲያል፣ ( እታ ሓንቲ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ እትህብ ክትከውን እንከላ እታ ካልኣይቲ ድማ ናይ ማሕበራዊ ናብራ ሓገዝ ዝህባ ተሓጋገዝቲ ዝቖመ ኣገልግሎት እዩ)።


ኮይኑ ዕላም ኡ ድማ እተን ውጹዓት ደቀንስትዮ ነቲ ዘጋጠመን ሽግር ብዘይ ስክፍታ ማለት ምስጢረን ናብ ካልእ ሰብ ከምዘይሰግርን ኣብ ዕቁብን ውሑስን ቦታ መጽየን ይዛረባ ከምዘለዋ ኣሚነን ናብዘን ተሓጋገዝቲ ቀሪበን ወይ መጽየን ሽግረን ዝነግራሉን ሓገዝን ፍታሕን ክረኽባሉ ዝኽእላ ቦታ ምዃኑ ክርደ ኣ ዝዓለመ እዩ።

እዚ ክልተ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ኹለን ደቀንስትዮ ኣብ ሓዳር ይኹን ወይ ምስ ናይ ናብራ መጻምድተን ንዘጋጥመን ጎነጽ፥ ዓመጽ፥ ጸርፍን፣ ጾታዊ ምግሃስን፣ እዚ ዘስዓቦ ውጽ ኢት ድማ ስነ ኣእምሮኣዊን፣ ኤኮኖምያዊን ዓመጻትን መጉዳእትን፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣካላዊ ማህረምቲ ንዘጋጠመን ደቀንስትዮ ብዛዕባ ጉዳየን ክዛረባን ኣፍደገ ዝኸፍት መድረኽ ኣገልግሎትን እዩ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኩሉ ኣብዚ ትካል መጺኽን እትዛረበኦ ዘረባ ብምስጢር ተዓቂቡ እዩ ዝተርፍ።።

ኣባና ማለት ኣብዘን ጉዳያትክን ዝሰምዓ ኣባላትና መጺኽን ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍክነኦ ዝተሳቐኽናሉን ዝተጎዳእክናሉን ሂወት ብዘይ ፍርሃትን ስክፍታን ነጻ ኮይንክን ክትዛረባሉን ሓሳብክን ከተፍስሳን ክትገልጻን ትኽእላ ኢኽን።

እዚ ኣገልግሎት እዚ ዋላ ሓንቲ ምኽፋል ኣየድልን እዩ! ቀዳማይ ቃለ መሕትት ብቆጸራ ጥራይ እዩ። ደዊልኩም መልእኽቲ ክትሰዱልና ድሕር ኣይትበሉ።
ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክንድውለልኩም ኢና።

ከመይ ንገብሮ?

በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልክና 03 80 67 17 89 ክትድውላልና ትኽእላ ኢኽን።ወይ ድማ በዚ ዝስዕብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ናይ መልእኽቲ መቐበሊ ኣድራሻና ማለት ብኢመይል solidaritefemmes21@outlook.fr

16 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • marina bondarenkoተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • omar kokachተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • rheeaተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_2134382ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • abrhamተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • olenastefurakተርጓሚ/ሚት
  • solidarité femmes 21ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት

Liens utiles