ናይ ለይቲ ሓላዊ/ት ወይ ዋርድያ ንምዃን ዘኽእል ስልጠና ምውሳድ።
ምስ ብምትሕብባር ኢርተስ (IRTESS)ዝበሃል መደብ።

ናይ ለይቲ ሓላዊ/ት ወይ ዋርድያ ንምዃን ዘኽእል ስልጠና ምውሳድ።

ምስ 
ብምትሕብባር ኢርተስ (IRTESS)ዝበሃል መደብ።

መጨርሽታ ጊዜ ምሕዳስ7 mai 2021

እንታይ ኢዩ?

እዚ ስልጠና ምውሳድ እምበኣር ኣብ ዝተፈላልያ ትካላት ንዝርከቡ ህጻናት፥ ንትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት፥ ብጹሓት ዕድመን፣ ንዓበትይን፣ ኣብ ካልእ ናይ ዕድመ ኽሊ ንዝርከቡ ኣካለ ጎደሎን ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናን፥ ማሕበራዊ ጸገማት ንዘጋጠሞምን ዘለዎምን ሰባት፥ ዝከታተላ ናይ ጥዕና ትካላት ስራሕ ናይ ሓለዋ ለይቲ ማለት ዋርድያ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

ቀንዲ ዕላማ ናይዞም ኣብዚ ሓለዋ ናይ ለይቲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰባት እምበኣር፥ ድሕነት ናይቶም ኣብቲ ትካል ጥዕና ንዘለዉ ሰባት ምሕላውን ምርግጋጽን።

ንመን ኢዩ ፧

ህዝቢ ተኮር ጉዳይ ወይ ንህዝቢ ዝምልክት፣
Réfugié
ዕድመ ይሓትት
ካብ 18 ናብ 54 ዕድመ
ግዜ

ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ

ደረጃ ቃንቃ ፈረንሳይ
ኩሎም ደረጀታት
ቦታ ናይ ተግባር ወይ ፍጻመ

ዞባ\ ዴባርትሞ

21 - Côte-d'Or

ህዝቢ ተኮር ጉዳይ ወይ ንህዝቢ ዝምልክት፣
Réfugié
ዕድመ ይሓትት
ካብ 18 ናብ 54 ዕድመ
ግዜ

ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ

ደረጃ ቃንቃ ፈረንሳይ
ኩሎም ደረጀታት
ቦታ ናይ ተግባር ወይ ፍጻመ

ዞባ\ ዴባርትሞ

21 - Côte-d'Or

ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧

ኣብ ዝተፈላለየ ዕማማት ማለት ተልእኾታት ምስታፍ፣

• ድሕነት ናይቶም ተቐማጦ ናይቲ ህንጻ ምውሓስ፣

• ድቃስ ለይቲ ንዘሸገሮም ሰባት ድቃስ ንኽድቅሱ ምሕጋዞም፣

• ሽግር ሰባት ዝሰምዕን ዘረጋግኦምን ዘህድኦምን ናይ ኣገልግሎት መስመር ምርግጋጽ፣

• ሓደጋ ቅድሚ ምምጽኡ ተዳሊኻ ምጽናሕ፣

• ነቶም ርእሶም ክኢሎም ጽርየት ኣካላቶምን ጥዕናኦምን ክካታተሉን ክሕልዉን ንዘይከኣሎ ተቐማጦ እቲ ትካል ምሕጋዝን ምክንኻኖምን፣

ኣገልግሎት ድሕነት ሓለዋ ኣብ ስራሕ (SST sauveteur secouriste du travail)ንቐዳማይ ረድ ኤት ንኽትህቡ ዘኽእለኩም መሳርሒታት ብግቡእ ምዕጣቕ ( l'EPI équipier de première intervention) ዝብል ስልጠናታት ምውሳድ።

እዚ ስልጠና እዚ፣ ኣብ ሞያ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ምውሳድን፣ ብፍላይ ከኣ ሓደጋ ናይ ባርዕ ሓዊ ብዝምልከት ጉዳይ እኹል ዝኾነ ኣፍልጦ ከም ዝህልወኩም ምግባርን ማለት እዩ።

ምስ ሰባት ንዘለኩም ናይ ምርካብን ናይ ዝምድና መንገድታት ምምዕባል ምህብታሙን ምኽ ኣል።

ምስ ኩሎም ኣብቲ መእለዪ ትካል ወይ ህንጻ ንዘለዉ ተቕማጦን፣ ከምኡውን ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሰራሕተኛታት፣

ንኣብነት ከም ኣብ ዓውዲ ምሕደራን ሕክምናን ንዝነጥፉ ኣካላትን፣ ንዘለኩም መዓልታዊ ርክብን ጽቡቕ ዝምድና ምፍጣርን መንገድታት ምምዕባል ወይ ምህብታሙ ምኽኣልን ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።

ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ

እንድሕር ደኣ ነዘን ዝስዕባ ረቛሕትታት መሊስኩምወንን ኣማሊእኩምወንን...

ምስ ኩሎም ኣብቲ መእለዪ ትካል ወይ ህንጻ ምስ ዘለዉ ተቕማጦን፣ ከምኡውን ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሰራሕተኛታት፣

ንኣብነት ከም ኣብ ዓውዲ ምሕደራን ሕክምና ኣካላትን ምስ ዝነጥፉ ኣካላት ጽቡቕን ድልዱልን ዝኾነ መዓልታዊ ርክብ ክትምስርቱ እንተኽኢልኩምን እንተ ኣማዕቢልኩምዎን፣

ከምኡውን ኣብቲ ማእከል ክንክንን መእለዪ ጽጉማትን ንዘጋጥም ዝኾነ ይኹን ሕጽረት ነገራት ይኹን ዓቢ ሽግር ንምፍታሕ ናይ ምውህሃድን ምስምማዕን ብቕልጡ ናይ ምስታፍን መንፈስን ስጉምቲ ንምውሳድ እውን ቅሩብነኩምን ተርእዩ እንተድ ኣኾይንኩም፣

ኣብ መወዳእታ ካባኹም ዝድለ ነጥቢ ድማ፣ ነዚ ናይ ለይቲ ሓለዋ ስራሕ፣ ምስቲ ናይ ሰዓታት ምቅይያራቱን ከምዘለዎ ክትቅበልዎን ንዑኡ ተቐቢልኩም ንኽትሰርሑሉ ናይ ስራሕ ድሉውነትኩም ከተርእዩን ከተረጋግጹን ፍቕርን ድልየትን ተበግሶን ክህልወኩም ኣለዎ።

ብቁጽሪ ስልክናን፥ ብናይ መርበብ ሓበሬታ ናይ መልእኽቲ መል ኣኪ ኣድራሻና ማለት ኢመይል ርኸቡና፥፣

ንናይ እዚ ስልጠና ሓላፊ ቫንሰን ሾቮ(Vincent CHAUVOT) ክትረኽብዎን ክትውከስዎን ትኽእሉ ኢኹም፣

በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 03.80.72.64.67 ብምድዋል ወይ ብናይ መርበብ ሓበሬታ ናይ መልእኽቲ መልኣኺ ኣድራሻኡ ማለት ናይ ስርሑ ኣድራሻ ናይ ኢመይል vchauvot@irtess.fr መልእኽቲ ክትልእኹሉን ከተዘራርብዎን ትኽእሉ ኢኹም።

ብተወሳኺ ድማ ናይ እዚ ስልጠና ጸሓፊት ወይ መ አንገዲት ሉሲ ተሪዮ ዝተባህለት በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 03.80.72.64.55 ደዊልኩም ከተዘራርብዋን እንተደሊኹም እውን ብናይ መርበብ ሓበሬታ ናይ መልእኽቲ መልኣኺ ኣድራሻኣ ማለት ናይ ስርሓ ኣድራሻ ናይ ኢመይል ltheuriot@irtess.fr ክትውከስዋን ከተዘራርብዋን ትኽእሉ ኢኹም።

ኣዛራቢ ምርካብ :
ቅኑዕ\ ቅቡል
ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቤሬታት ረኺብኩም ዶ ?
ኣምስግኖም ነቶም ንዓኻ ኣብርክቶ ዝገበሩ ኣብ ተሳትፍኦም
1 🙏
ኣበርከቲ ዓድም
13እዛ ገጽ ጹቡቅ ጌርካ ኣጽናዓያ መታን ን ሕቶታት ምምላጽስ ክትጠቅመካ
Proposé par
IRTESS

IRTESS