ስልጠና ወይ ኮርስ ማለት ተኸታታሊ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ምውሳድ፣
ምስ ኖጀ ዳዮር ዝጽዋዕ ወይ ዝተባህለ ማሕበር፣
እንታይ ኢዩ?
ኣብ ከተማ ኖጀ ሱር ማርን ዝርከብ ሜዞ ዴ ዦን ኤ ደ ላ ኩልቱር (ኤም ጂ ሰ MJC) ትርጉሙ እቲ እትነብሩሉ ገዛውቲ ወይ ኸባቢ ናይ መንእሰያትን ባህልን መተዓኻኸብን ንጥፈታት ዝግበረሉ ማእከል ዝውሰዱ ስልጠናታት ቋንቋ ፈረንሳ፣
- ምልከት ምዝራብን ምንባብን ምጽሓፍን ዘጠቓለለ ስልጠና ወይ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ ምምሃር፣
- ብውሑዳት ጉጅለታት ተጠርኒፍካ ስምዋስውን ( ግራሜር) ምትእስ ሳርን ሓረጋዊ ዝኾኑ ጥሙራት ቃላት (ኮንጂጌዞን) ምምሃር፣
ንመን ኢዩ ፧
ዞባ\ ዴባርትሞ
94 - Val-de-Marne
ዞባ\ ዴባርትሞ
94 - Val-de-Marne
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ምልላይን ምርኻብን ምስ ሓደሽቲ ሰባት፤
እዞም ስልጠናትት ወይ ትምህርትታት ኣብ ከተማ ዝርከብ ኖጀን ሱር ማርን ሜዞ ዴ ዦነስ ማለት ናይ ከባቢኩም ናይ መንእሰያትን ባህልን መአከቢ ማእከል እዮም ዝካየዱ።
ምኽንያቱ እዚ ቦታ ኣዝዩ ህዱእ ወይ ጽምዋ ስለዝኾነ ብዙሓት ሰባት ምስ ካልኦትሰባት ክዘራረቡን መጻሕፍቲ ከንብቡን ካልእ ናይ ግሎም ስራሕ ክሰርሑን እዮም ዝመጹ።
ኣብ ከም ናይ ኣታኽልቲን ፍረታትን ግራት ወይ ጃርዲን ዕዮታትን፥ ኣብ ናይ ኮምፒተር ትምህርትን ምስታፍ፣
ከምኡውን ብተወሳኺ ኣብ ናይ ሓባር ዝኾነ ናይ ኣታኽልትን ፍረታትን ግራት ዕዮን ሙዚቃን ካልኦትን ንጥፈታት ምስታፍ ይከኣል እዩ።
ተኽእሎ ቋንቋ ፈረንሳይካ ምምዕባል፣
ስልጠናታትን ምስ ሰባት እንገብሮም ዝርርባትን፤ ክእለት ቋንቋ ፈረንሳይ ንምምሃርን ንምምዕባል ኣዝዩ ሓጋዝን ጠቓሚን እዩ።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ብቐጥታ ናብ ኤም ዠ ሰ ብ ኣካል ብምኻድ ወይ ድማ ስልኪ ብምድዋል ዘድልዩኒ ሓበሬታታት ክሓትት ይኽእል እየ።
- ወትሩ ሰሉስን ዓርብን ናይ ምሸት ካብ ሰዓት 6 ብቐጥታ ብኣካል ናብ ኣብ ከተማ ኖጀን ሱር ማርን ዝርከብ ማሕበር ኤም ዢ ሰ ምኻድ ይከኣል እዩ።
- በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 01 48 73 37 67 ናብ ኤም ዢ ሰ ወይ ናብ ማሕበር ኖጀንት ዳዮር በዚ ቁጽሪ ስልኪ 06 47 61 85 41 ወይ 06 84 39 31 80 ደዊልኩም ሓበሬታ ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኩም።