ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ሚስዮን ሎካል (les Missions locales) ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኮኑ መንእሰያት ጉዳይ ዝከታተሉ መንግስታዊ ኣካላት፣
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ኣበይ ?
ስራሕ ወይ ስልጠና ንምርካብ፣
እንታዩ’ዩ ?
እቲ ሚስዮን ሎካል Missions locales, እንታይ እዩ ምስ እንብል
- ሓደ ን መገዲ ምድላይ ስራሕ ዘቕንዐ ኣሰናይነት ዝህብ ተቕዋም
- ስልጠና ንምውሳድ ዘኽእል መገዲ ሓባሪ
- ን መዓልታዊ ህይወትኩም ምውህሃድ ወይ ኢንተግሬት ዝሕግዝ ኣካል
ከምኡ እውን ፣ ሚስዮን ሎካል መ ካልኦት ተሓባአርቲ ኣካላት ኣብ መላእ ፈረንሳ ብርህጽ ኣብ ኣከባቢኹም ሓደ ኣሎ !
ኣበይ ከም ዝርከብ ንምሕባር ኣብዚ ጠውቑ
ንምንታይከ የዘገድስ?
ኣብ ሚስዮን ሎካል ሓያሎ ዕዮ ወይ ናይ ስራሕ ዕድላት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ምኽሪን ሓበሬታን እውን ትረኽቡ ትኽእሉ: እቶም ኣማኸርቲ ዘዐውተኩም እዩ ዝብልዎ ናይ ስራሕ ሂወትኩም ዝርዝር ሓበሬታ ወይ ታሪኽ ማለት ሲቪ ተባሂሉ ዝፍለጥ (CV) ክጽሕፉልኩምን ስራሕ ኣብ ምርካብ ድማ ክተሓባበሩኹምን ተሓጋገዝቲ ማለት ኣሰነይቲ ከ ኣባሊጋ ኾይኖም ክሕግዙኹም እዮም።
እንተደኣ ዝኾነ ሕቶ ሃልይኩም እቲ ትኽኽለኛ ዝኾነ ምስ
ተላብኩም ዝኸይድ ዝምእምእ መልሲ ንምርካብ ምስ እትደልዩ ተወከሱ
- ብሳላ እቶም ሞያውያን፣ ዘድምዕ ሓበሬታ ምሃብን እቶም ትካላት ናይ ምጽምባር መንገዲ ከጣጥሑልኩም እዮም።
- ነዚ ስልጠናን ፣ ምስ ክፍሊቱን ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፍት በሪ እውን እዩ
ስራሕ ንኸይንረክብ ዝዕንቅጹና ነገራት ክኽሰቱ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ ሚስዮን-ሎካል ንመንእሰያት ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወቶም የሳልዮምን ይሕግዞምን።
- መምርሒ ፍቓድ መኪና ኣብ ምርካብ
- መንበሪ ገዛ ኣብ ምርካብ
- ኣብ ምሕካም
- ብዛዕባ ናይ ወረቐትኩም ጉዳያትኩም ንምስላጥ ኣብ ቅድሚ መንግስታዊ ኣካላት ዘቕርብ ጉዳይ ምስ ዝ ህሉ ክሕግዘኩም፣
ሚስዮን ሎካል ንዘለኩም ሕቶታት ንምምላስ ንነዊሕ ግዜ ከይተጸበኹም ብቕልጡፍ ቅኑዕ ዝኾነ ምሕሪ ክህበኩም ድልዉ እዩ።
ከመይ ንገብሮ?
ሚስዮን ሎካል ወለንተኛታትን ሲቪላውያን ማሕበራት እውን ኣገልግሎቱ ተአንግድ እያ። ብከምኡ ድማ መንእሰያት ከመይ ኣቢሎም ወለንታዊ ግልጋሎት ከም ዝህቡን መንገዲ ይኸፍተሎምን ይመርሖምን።
እቶም ብሚስዮን ሎካል ዝስነዩ መንእሰያት፣ ወለንተኛታት ብምዃን፣ ኣብታ ማሕበርን ኣብ መሻርኽታን ናይ ወለንተኛ ኣገልግሎት ክህቡ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
15 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ