ስራሕ ወይ ስልጠና ንምርካብ፣
ምስ ሚስዮን ሎካል (les Missions locales) ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኮኑ መንእሰያት ጉዳይ ዝከታተሉ መንግስታዊ ኣካላት፣
እንታይ ኢዩ?
እቲ ሚስዮን ሎካል Missions locales, እንታይ እዩ ምስ እንብል
- ሓደ ን መገዲ ምድላይ ስራሕ ዘቕንዐ ኣሰናይነት ዝህብ ተቕዋም
- ስልጠና ንምውሳድ ዘኽእል መገዲ ሓባሪ
- ን መዓልታዊ ህይወትኩም ምውህሃድ ወይ ኢንተግሬት ዝሕግዝ ኣካል
ከምኡ እውን ፣ ሚስዮን ሎካል መ ካልኦት ተሓባአርቲ ኣካላት ኣብ መላእ ፈረንሳ ብርህጽ ኣብ ኣከባቢኹም ሓደ ኣሎ !
ኣበይ ከም ዝርከብ ንምሕባር ኣብዚ ጠውቑ
ንመን ኢዩ ፧
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ዝኾነ ነገር ምስ ዘድልየኩም፣
ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ
ዝኾነ ነገር ምስ ዘድልየኩም፣
ስለምንታይ እዩ እዚ ጉዳይ ኣገዳሲ ኾይኑ፧
ስራሕ ንምርካብ ዘሰንየኩም ዝሕግዘኩም ኣካል ኣለኩም።
ኣብ ሚስዮን ሎካል ሓያሎ ዕዮ ወይ ናይ ስራሕ ዕድላት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ምኽሪን ሓበሬታን እውን ትረኽቡ ትኽእሉ: እቶም ኣማኸርቲ ዘዐውተኩም እዩ ዝብልዎ ናይ ስራሕ ሂወትኩም ዝርዝር ሓበሬታ ወይ ታሪኽ ማለት ሲቪ ተባሂሉ ዝፍለጥ (CV) ክጽሕፉልኩምን ስራሕ ኣብ ምርካብ ድማ ክተሓባበሩኹምን ተሓጋገዝቲ ማለት ኣሰነይቲ ከ ኣባሊጋ ኾይኖም ክሕግዙኹም እዮም።
ብሓሳብን በተግባርን ቅኑዕ ዝኾነ ምኽርን ምርሒትን ይህቡኹም።
እንተደኣ ዝኾነ ሕቶ ሃልይኩም እቲ ትኽኽለኛ ዝኾነ ምስ
ተላብኩም ዝኸይድ ዝምእምእ መልሲ ንምርካብ ምስ እትደልዩ ተወከሱ
- ብሳላ እቶም ሞያውያን፣ ዘድምዕ ሓበሬታ ምሃብን እቶም ትካላት ናይ ምጽምባር መንገዲ ከጣጥሑልኩም እዮም።
- ነዚ ስልጠናን ፣ ምስ ክፍሊቱን ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፍት በሪ እውን እዩ
ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም ኣዝዩ ብሉጽን ሓገዝ ምርካብ:
ስራሕ ንኸይንረክብ ዝዕንቅጹና ነገራት ክኽሰቱ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ ሚስዮን-ሎካል ንመንእሰያት ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወቶም የሳልዮምን ይሕግዞምን።
- መምርሒ ፍቓድ መኪና ኣብ ምርካብ
- መንበሪ ገዛ ኣብ ምርካብ
- ኣብ ምሕካም
- ብዛዕባ ናይ ወረቐትኩም ጉዳያትኩም ንምስላጥ ኣብ ቅድሚ መንግስታዊ ኣካላት ዘቕርብ ጉዳይ ምስ ዝ ህሉ ክሕግዘኩም፣
ሚስዮን ሎካል ንዘለኩም ሕቶታት ንምምላስ ንነዊሕ ግዜ ከይተጸበኹም ብቕልጡፍ ቅኑዕ ዝኾነ ምሕሪ ክህበኩም ድልዉ እዩ።
ብ ኸመይ ኣብርክቶይ ይሳተፍ
ምስ ሲቪላውያን ማሕበራት(ሲቪካዊ መገዲ)፣
ሚስዮን ሎካል ወለንተኛታትን ሲቪላውያን ማሕበራት እውን ኣገልግሎቱ ተአንግድ እያ። ብከምኡ ድማ መንእሰያት ከመይ ኣቢሎም ወለንታዊ ግልጋሎት ከም ዝህቡን መንገዲ ይኸፍተሎምን ይመርሖምን።
ወለንተኛታት ብምዃን፣
እቶም ብሚስዮን ሎካል ዝስነዩ መንእሰያት፣ ወለንተኛታት ብምዃን፣ ኣብታ ማሕበርን ኣብ መሻርኽታን ናይ ወለንተኛ ኣገልግሎት ክህቡ ይኽእሉ እዮም።