Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምልቃሕ ገንዘብ ምእንቲ ንመውጻኢ ፍቓድ መምርሒ መኪና ዝኸውን

ምስ ምስ Avec Permis à 1€ par jour

ኣዳላዊ Délégation interministérielle pour l'accueil et l'intégration des réfugiés ኣቐድዲሙ ዝነበረ 6 місяців тому

እዚ ን ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 25 ዓመት ንዘለዉ መንእሰያት፣ ንፍቓድ ምዝዋር መኪና (ፍቓድ B መኪና፣ A1 ቀለልቲ ሞተር ብሽክለታታት ወይ A2 ስኩተር) ምእንቲ ንኽኸፍሉ ዝሕግዝ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ።

ካብ ሓንቲ መሻርክቲ ባንኪ ልቃሕ ካብ 600 ክሳብ 1200€ ዩሮ ምርካብ ፣ እዚ ገንዘብ ወላ ሓንቲ ወለድ ኣይሓስብን ኢዩ ፣

ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ምስ ትዛዘመ ወርሓዊ ዝክፈል ገንዘብ ኮይኑ ኣብ ወርሒ 30€ እናከፈልኩም ዕዳኩም ትውድኡ ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

እቲ ናይ ባንክ ሕሳብ ነቲ ስልጠና ዝኸውን ገንዘብ ብቐጥታ ናብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ይልእኾ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ተመዝጊብካ ምዝዋር መኪና ክትመሃር ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ክፍለጥ ዘለዎ
እዚ ምግባር እንተደኣ ንመጀመርያኹም ኮይኑ ፍቓድ ምውጻእ ሕተቱ ፡ እቲ ባንክ 600€፡ 800€፡ 1000€ ወይ 1200 € ከለቅሕ ይኽእል ፣እንተደእ እቲ ፍቓድ እንተ ቅቡል ዘይኮይኑ ግን ከኣ ዳግማይ ክትወስዱዎ እንተደሊኹም፡ እቲ ባንክ እንተበዝሐ €300 ከለቅሕ ይኽእል። ብዝኾነ እቲ ልቓሕ ካብ ጠቕላላ ዋጋ እቲ ፍቓድ ርኸብዎ ኣይትርከብዎ ክቕየር ኣይኽእልን።

እንተደኣ ስራሕ ንምርካብ ፍቓድ መዘወሪ መኪና እንተድኣ ኣድልዩኩም፡ እዚ ድማ መመልከቲኹም ምልኣኽ ክትጅምሩ የኽእለኩም

እምበኣርከስ ለቃሕኩም ሳላ እቲ ኣብ ወርሒ 30€ ዝምለስ ገንዘብ፡ ባጀትኩም ክትውድቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ከመይ ንገብሮ?

ነዚ ንምግባር ዝሕግዝኹም መሻርኽቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ንምርካብ ከኣሉ፤

  • ነዚ መስርሕ ተመልከቱ ኣብቲ መስኮት "permit at 1€ per day" ዝብል ኣርማ እንተሃልዩ ኣረጋግጹ።
  • ብምቕጻል ኣብቲ sur ce site (ኣድራሻኹም ብምጽሓፍ ኣእትዉ ).

ንልምምድ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ዝኸውን ግምት ብቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና እዩ ዝግበር፣ እዚ ድማ ከከምቲ ንፈተና ፍቓድ መኪና ንምድላው ዘድሊ ሰዓታት ምዝዋር መኪና እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ!
እቲ ትምህርቲ ምስ ምስተወድአ ተወሳኺ ናይ ምዝዋር ሰዓታት ክትገብር እንተድኣ ኣድልዩ፡ ባዕልኹም ኢኹም እትኸፍልዎ ።

ዝርዝር ናይ መሻርኽቲ ባንክታት ኣብዚ ኣሎ ።

ፋይል ብኸምዚ ዝስዕብ ከተዳሉ ኣለካ፤

  • ኣብ ወርሒ €30 ምምላስ ከም እትኽእሉ ንምርግጋጽ ናይ ኣታዊ መርትዖ ምቕራብ ከኣሉ
  • ንነብስኻ ክትመልስ እንተዘይክኢልኩም ካብ ወለዲ ወይ ካብ ፈለጥቲ ተቐማጢ ገንዘብ ዋሕስ ርከቡ።

ነቲ ናይ ባንክ ልቓሕ ምስ ወለድኻ ወይ ምስ ናይ ደገ ሰብ ምፍራም ይከኣል እዩ። ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ነቲ ብኣግኡ ምምሃር ምዝዋር መኪና (AAC) ዝገብሩ፡ እቶም ወለዲ እዮም ነቲ ገንዘብ ክልቃሕ ከም ዘለዎም ርዱእ እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ
እቲ ለቓሕ ሓንሳብ ምስ ተዋህበን ድሕሪ እቲ ልሙድ ናይ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ግዜ ንምውጻእን፡ መጠን ናይቲ ልቓሕ ብባንክ ናብቲ መሻርኽቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ይኽፈል።
እቲ ባንክ ነቲ ገንዘብ ከለቅሓካ እንተዘይተሰማሚዑ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ነቲ ዋጋን ነቲ ናይ ስልጠና ውዕል ንምስራዝ ይኽኣል እዩ።

25 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • a mugnierምምሕዳር
  • claudia mምምሕዳር
  • andressa bittencourtምምሕዳር
  • nourምምሕዳር
  • utilisateur_42995259ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • alaa1988ተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_55142919ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • utilisateur_39243168ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • taher-azimiተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • nalothmanተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_57010478ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • delphgatተርጓሚ/ሚት
  • aman expertተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_93887086ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • erikaተርጓሚ/ሚት
  • matthieu porteተርጓሚ/ሚት
  • marianne georgesተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት

Liens utiles