ምክትታል CMPP ንሓደ ቆልዓ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ምርካብን
ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 10 moisማእከላት ሕክምናዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ትምህርታውን ክንክን (CMPP) ማእከላት ጥዕና ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን ካብ 0 ክሳብ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም።
ኣብቲ ቦታ፡ መድሃኒት ምውሳድን ንናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ፡ ናይ ህጻናት ስነ-ኣእምሮ ሓኪም፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምንቅስቓስ ሓኪም፡ ናይ ምዝራብ ሓኪምን መምህርን ብነጻ ምውካስን ይከኣል።
CMPP ንጸገም ዘለዎም ህጻናት መፍትሒ ንምርካብ ይሕግዙ፤
- ስነ-ኣእምሮኣዊ (ዓቢ ጓሂ፡ ጭንቀት፡ ወልፊ ስክሪን ወይ ሓሽሽ፡ ጸገም ድቃስ፡ ሕልሚ ቀትሪ፡ ስንባደ ወዘተ ሽግር ምስ ዝህልዎም)
- ትምህርታዊ (ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ጸገማት፡ ናይ ምዝራብ፡ ምንባብ፡ ምጽሓፍ ወዘተ ጸገማት)
- ወይ ማሕበራዊ (ምስ ስድራቤት ወይ ኣዕሩኽ ኣጸጋሚ ዝምድናታት፡ በይንኻን ዝጠፍኦም ስምዒት፡ ዓመጽ ዝመልኦ ባህርያት ምስ ዘርእዩንወዘተ)።
እቶም CMPP ምሉእ ሕክምናዊ ክትትል ይህቡ: መርመራ (እዚ ማለት እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ማለት እዩ)፣ ክንክንን ሕክምናን።
ሕክምና ብመድሕን ጥዕና ይምለስ: እዋናዊ ቪታለ ካርድ እንተሃልዩካ ኣይትኸፍልን ኢኻ።
ንዓበይቲ (ካብ 16 ዓመት ጀሚሮም) ዝኸውን CMP እውን ኣለዉ፦ ኣብ Réfugiés.info
Les CMP ን CMPP ሲኤምፒን ሲኤምፒፒን ንኹሉ ክፉት እዩ። ትኽ ኢልኩም ናብኡ ክትከይድ ምኻይ ይከኣም፣ ንሓኪም ሓፈሻዊ ሕክምና ከይተወከስኩም።
Les CMP ን CMPP ሲኤምፒን ሲኤምፒፒን ንኹሉ ክፉት እዩ። ትኽ ኢልኩም ናብኡ ክትከይድ ምኻይ ይከኣም፣ ንሓኪም ሓፈሻዊ ሕክምና ከይተወከስኩም።
ኣገዳሲ ሓበሬታ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ሓሳባት፡ ስምዒታት፡ ጸቕጢ፡ ምስ ካልኦት ዝምድናታት፡ ተግባራትን ውሳነታትን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ጽልዋ ኣለዎ። ጽቡቕ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ምህላው ማለት ስምዒታዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ሚዛን ምህላው ማለት እዩ።
ሃገር ገዲፍካ ኣብ ፈረንሳ ሓድሽ ህይወት ምጅማር ማለት ምትዕጽጻፍ፡ ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር፡ ሓድሽ ባህሊ ምርዳእ፡ ምስ ሓደስቲ ሰባት ምርኻብ፡ ልምዲ ምቕያር ማለት እዩ። ንሓደ ቆልዓ፡ ወለዲ ብዛዕባ ወረቓቕቲ፡ ስድራቤት ኣብ ካልእ ሃገር፡ ኣድላይነት ገንዘብ ውጥረት ክህልዎም ምርኣይ እውን ማለት እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ስለ ዝኾነ ንመን ሓገዝ ከም እትሓትት ኣይትፈልጥን ኢኻ።
ስለዚ ንሰብ ሞያ ጸገማት ህጻናት ምግላጽ፡ ብዛዕባ እቲ ጸገማት ንሓኪምካ ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ምዝራብን ኣብ CMPP ቆጸራ ምውሳድን ኣገዳሲ እዩ።
እዚ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻን ናይ ስድራቤትካን ንምሕብሓብ፡ ከምኡ’ውን ጽቡቕ ክስምዓካ ኣድላዪ እዩ።

ከመይ ንገብሮ?
ብድሕሪኡ’ከ ?
15 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
a mugnier
claudia m
nour alhindiተርጓሚ/ሚት
diplosamተርጓሚ/ሚት
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
marianneukraineተርጓሚ/ሚት
shayanroushanተርጓሚ/ሚት
olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት