ኣገደቲ ሓበሬታ
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ኣበይ ?
ምክትታል CMPP ንሓደ ቆልዓ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ምርካብን
እንታዩ’ዩ ?
ማእከላት ሕክምናዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ትምህርታውን ክንክን (CMPP) ማእከላት ጥዕና ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን ካብ 0 ክሳብ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም።
ኣብቲ ቦታ፡ መድሃኒት ምውሳድን ንናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ፡ ናይ ህጻናት ስነ-ኣእምሮ ሓኪም፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምንቅስቓስ ሓኪም፡ ናይ ምዝራብ ሓኪምን መምህርን ብነጻ ምውካስን ይከኣል።
CMPP ንጸገም ዘለዎም ህጻናት መፍትሒ ንምርካብ ይሕግዙ፤
- ስነ-ኣእምሮኣዊ (ዓቢ ጓሂ፡ ጭንቀት፡ ወልፊ ስክሪን ወይ ሓሽሽ፡ ጸገም ድቃስ፡ ሕልሚ ቀትሪ፡ ስንባደ ወዘተ ሽግር ምስ ዝህልዎም)
- ትምህርታዊ (ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ጸገማት፡ ናይ ምዝራብ፡ ምንባብ፡ ምጽሓፍ ወዘተ ጸገማት)
- ወይ ማሕበራዊ (ምስ ስድራቤት ወይ ኣዕሩኽ ኣጸጋሚ ዝምድናታት፡ በይንኻን ዝጠፍኦም ስምዒት፡ ዓመጽ ዝመልኦ ባህርያት ምስ ዘርእዩንወዘተ)።
እቶም CMPP ምሉእ ሕክምናዊ ክትትል ይህቡ: መርመራ (እዚ ማለት እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ማለት እዩ)፣ ክንክንን ሕክምናን።
ሕክምና ብመድሕን ጥዕና ይምለስ: እዋናዊ ቪታለ ካርድ እንተሃልዩካ ኣይትኸፍልን ኢኻ።
Les CMP ን CMPP ሲኤምፒን ሲኤምፒፒን ንኹሉ ክፉት እዩ። ትኽ ኢልኩም ናብኡ ክትከይድ ምኻይ ይከኣም፣ ንሓኪም ሓፈሻዊ ሕክምና ከይተወከስኩም።
ሃገር ገዲፍካ ኣብ ፈረንሳ ሓድሽ ህይወት ምጅማር ማለት ምትዕጽጻፍ፡ ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር፡ ሓድሽ ባህሊ ምርዳእ፡ ምስ ሓደስቲ ሰባት ምርኻብ፡ ልምዲ ምቕያር ማለት እዩ። ንሓደ ቆልዓ፡ ወለዲ ብዛዕባ ወረቓቕቲ፡ ስድራቤት ኣብ ካልእ ሃገር፡ ኣድላይነት ገንዘብ ውጥረት ክህልዎም ምርኣይ እውን ማለት እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ስለ ዝኾነ ንመን ሓገዝ ከም እትሓትት ኣይትፈልጥን ኢኻ።
ስለዚ ንሰብ ሞያ ጸገማት ህጻናት ምግላጽ፡ ብዛዕባ እቲ ጸገማት ንሓኪምካ ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ምዝራብን ኣብ CMPP ቆጸራ ምውሳድን ኣገዳሲ እዩ።
እዚ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻን ናይ ስድራቤትካን ንምሕብሓብ፡ ከምኡ’ውን ጽቡቕ ክስምዓካ ኣድላዪ እዩ።
ከመይ ንገብሮ?
ኣብ ፈረንሳ ናይ ኩለን ሲኤምፒፒ ኣድራሻታት ዝሓዘ ዝርዝር የለን። ce site እዚ መርበብ ሓበሬታ ግን ኣብ ከባቢ ከተማኹም ዘለዋ ማእከላት ኣበይ ከምዘለዋ ክትፈልጥ የኽእለካ።
ኣብ ጥቓኹም ክፍል ክትጥውቕ ትኽእል ኢኻ፣ ድሕሪኡ ኣብታ ናብ ገዛኩም እትቐርብ ከተማ፣ ወይ ስራሕ፣ ወይ ቤት ትምህርቲ እቲ ቆልዓ።
እቶም CMPP ብኣከባቢኹም ቅዩዳት ኣይኮኑን ኣይኮኑን፣ እዚ ማለት ዝደለኹሞ ማእከል ክትመርጽ ትኽእሉ ኢኹም።
ቆጸራ ንምሓዝ ንምርካብ ደውሉ
ድሕሪ ምዝገባ፡ ሓደ ካብቶም ናይቲ ማእከል ሓካይም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክረኽበኩም እዩ። እዚ ምምኽኻር እዚ ናይ መጀመርታ መርመራ ምግባርን ድሌታት እቲ መንእሰይ ንምግምጋምን ዘኽእል እዩ። ጽማቕ ናይዚ ምምኽኻር ኣብ እዋን ሓድሽ ምምኽኻር ክካየድ እዩ፣ ዝበለጸ ዝሰማማዕ ዓይነት ሓገዝ ንምምራጽ።
1. ናብዚ ቆጸራ እዚ፡ እዞም ሰነዳት ሒዝኩም ክትመጹ ኣለኩም፤
- ናይ መንበሪ ካርድካ
- votre carte ናይ mutuelle, እንተሃልዩኩም
- ናትካ ቪታለ ካርድ (እቲ ህጻን እንተተተሓሒዙ)፣ ወይ ናይ ውልቃዊ ቪታለ ካርዶም፣ ወይ ምስክር ወረቐት መሰላት መድሕን ጥዕና
ቪታለ ካርድ እንተዘይብልኩም፡ ነዚ Réfugiés.info ወረቐት ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም ፡ ቪታለ ካርድ ይሃልኹም fiche Réfugiés.info : Avoir une carte Vitale.
2. እዚ ቆጸራ ኣስታት 1 ሰዓት ዝጸንሕ ኮይኑ ብሓንቲ ነርስ ዝዳሎ ኮይኑ :
- ዝርዝር ሓበሬታኻ ኣቐምጦ
- ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ገዛን ንዘጋጥሙ ጸገማት ንምርዳእ ሕቶታት ይሓተካ፣ ነቲ ቆልዓ እንታይ ከም ዘድልዮ ድማ ፍለጥ።
3. ድሕሪኡ፡ እታ ነርስ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ቆጸራታት ምስ :
- ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ህጻናት ወይ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ (ሰብ ሞያ ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት)
- ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ፍሉይ መምህር
- ካልኦት ሰብ ሞያ: ስፒች ቴራፒስት: ሳይኮሞተር ቴራፒስት ወዘተ።
ከከም ኩነታትን ድሌታትን ናይቲ መንእሰይ፡CMPP ሲኤምፒፒ፤
- መድሃኒታት
- ናይ ህጻናት ስነ-ኣእምሮኣዊ ምኽሪ (ህጻናትን መንእሰያትን)
- ናይ ስነ-ልቦና ምኽሪ
- ናይ ጉጅለ ወይ ውልቃዊ ፍወሳ
- ፍሉይ ናይ ስነ-ልቦና ትምህርቲ ብፈረንሳ ወይ ሒሳብ
- ፍወሳ ዘረባ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምንቅስቓስ ክእለት ወዘተ (ቋንቋ፡ ምንቅስቓስ፡ ባህሪ፡ ዝምድናታት፡ ስምዒታት)።
ብድሕሪኡ ነቲ ምምኽኻር ንሓያሎ ሰሙናት ወይ ንሓያሎ ኣዋርሕ ምቕጻል ይከኣል።
ሰብ ሞያ CMPP ምስ ስድራቤት ስሩዕ ኣኼባታት ብምውዳብ ብዛዕባ ፍልቀት ኩነታት እቲ ህጻን ይዛተዩ።
ግዜን ናህርን ንውሓት ግዜን ናይቲ ክፍለ ግዜ ምሳኻ እዩ ዝውሰን።
ብድሕሪኡ’ከ ?
እንተደኣ እቲ ቆልዓ ድሕሪ ወርሓዊ ጽግያት ዝሓሸ ስምዒት እንተተሰሚዕዎ፡ ነቲ ሕክምና ክቕይሮ ወይ ደው ከብሎ ይኽእል፡ ብስምምዕ ናይቶም ዝድግፍዎ ሰብ ሞያ።
እቲ ህጻን ዝሓሸ ስምዒት እንተዘይተሰሚዕዎ፡ ወይ እቲ ኩነታት እናኸበደ ይኸይድ ከምዘሎ እንተርኢኹም፡ ንሰብ ሞያ CMPP ወይ ንሓፈሻዊ ሓኪምኩም ካልእ መፍትሒታት ክረኽቡ ካብ ምሕባር ድሕር ኣይትበሉ። ካልኦት ክኢላታት ክትሪኢ ክመኽሩኻ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ