ኣገደቲ ሓበሬታ
ኣዳላዊ
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ኣበይ ?
ምስራሕ ከም መምህር ብምዃን ምስራሕ ኣብ ፈረንሳ ንኽትክእሉ
እንታዩ’ዩ ?
ፈለማ ሞያ መምህርና ማለት ፍልጠትን ኣገባብ ምኽንያትን ናብ ተማሃሮ ናይ ምትሕልላፍ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ማለት ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ ።
እምበኣርከስ በዚ ድማ ኣብ ፈረንሳ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ትምህርቲ ዝተወደበ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ
- መባእታ ትምህርቲ (መባእታ ደረጃ ትምህርቲ)፣ ምስ መዋእለ ህጻናት (3 ዓመት) ድሕሪኡ ድማ መባእታ ቤት ትምህርቲ (5 ዓመት)። መምህር መባእታ ቤት ትምህርቲ ብሓፈሻ ካብ 2 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እዩ ክኸውን እንከሎ፣
- ስዒቡ ድማ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ( ኣዚ ደረጃ እዚ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ) ምስ ማእከላይ ደረጃ (4 ዓመት) ድሕሪኡ ካልኣይ ደረጃ (3 ዓመት)። ምስትምሃር ከም መምህር ካልኣይ ደረጃ ብሓፈሻ ምስ ካብ 11 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘጠቓልለለ ኮይኑ።
- ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ፣ ምስ፤
-ደረጃ ዩኒቨርሲቲታት፣
- ዩኒቨርሲቲ ኢንስቲትዩታት ቴክኖሎጂ (IUT) ንሓጸርቲ ሞያዊ ስልጠና ኮርሳት፣
- ከምኡ ፍሉያት ኣብያተ ትምህርቲ፣
- እቶም grandes école (ኣዝዮም ምሩጻት très sélectives ) ድሕሪ 2 ዓመት መሰናድኦ ክፍልታት (CPGE) baccalauréat... ወይ ድሕሪ ባካሎሬት ተማሃሮኦም ዝቖጽሩ...ወዘተ
ከምቲ ዝተባህለ እምበኣርከስ ኣብ ብደረጃ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ሞያ መምህርነት ዝምራሕ እዩ . እዚ ማለት ፍሉያት ቅድመ ኩነታት ይምልከት ። ስለዚ ሞያ መምህርነት ንምልምማድ ብዙሓት ኣገባባት ኣለዉ። እዞም ዝስዕቡ ኣብ ምምስራት (መንግስታዊ/ናይ ግሊ ወይ ደረጃ (ቀዋሚ/ወግዓዊ ) ናይቲ መምህር ይምርኮሱ።
ኣብ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ፈረንሳ ኣብ መንጎ መንግስታዊ ትካላትን ናይ ብሕቲ ትካላትን ፍልልይ ክግበር ከም ዘለዎ ፍለጡ
- ህዝባዊ ትካላት:Les établissements publics : l ኣሰራርሓአንን ኣወዳድባአንን ሓላፍነት ሚኒስትሪ ሃገራዊ ትምህርቲ እዩ።
- ናይ ብሕቲ ትካላት፦ Les établissements publics : lመብዛሕትአን ናይ ብሕቲ ትካላት ምስ መንግስቲ ውዕል ብምፍላራ ፣ እዚ ድማ መደባት ህዝባዊ ትምህርቲ ይግደዳ። እዞም “ናይ ውዕል ትካላት” መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላት ካቶሊካውያን ዲኖሚናላዊ እቶም፣ እንተኾነ ግን ናይ ካልኦት ዲኖሚንያታት ወይ ዘይዲኖሚናላዊ ኣብያተ ትምህርቲ (ክልተ ቋንቋታት ዘስተምህሩ፣ ኣህጉራውያን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሓድሽ ስነ-ምምሃር ዘለወን ኣብያተ ትምህርቲ ወዘተ ክኸውን ይኻል ) ብውዕል ኣብ ናይ ብሕቲ ትካል ዝሰርሑ መምህራን እውን ኣብ ሃገራዊ ትምህርቲ ይምርኮሱ፣ ግን ከኣ ተመሳሳሊ ሕጋዊ ስርዓት ኣይግዝኡን እዮም።
እምበእርከስ ኣብ ህዝባዊ ትምህርቲ ይኹን ኣብ ውልቃዊ ትምህርቲ ብናይ ማሕበር ውዕል ምስ መንግስቲ ክልተ ዓይነት ደረጃ እውን ክንፈሊ ኣለና።
- እቲ ቀዳማይ ደረጃ፡ ናይ “ ምሉእ መምህር ” “enseignant non titulaire”ድሕሪ ውድድር ፈተና ክኸውን እንከሎ። ውሕስነት ቀዋሚ ስራሕ ይህብ። ኣብ መንግስታዊ ትካል፡ ብተግባር ዝሰርሕ መምህር “ ሃገራዊ ኣገልጋሊ ” ዝበሃል እዩ።
- እቲ ካልኣይ ደረጃ፡ “ ዘይተዓጻጸፈ መምህር ”“enseignant non titulaire” ኣብ ውዕል ዝምርኮስ ኮይኑ፡ ካብቲ ናይ ስራሕ መምህር ብቐሊሉ ዝረኽቦ እዩ። ዝያዳ ተዓጻጻፍነት እውን ይህብ፡ ግን ከኣ ዝያዳ ዘይተረጋገጸ ስራሕ ኮይኑ ይቕጽል። ኣብ መንግስታዊ ትካል " ውዕላዊ "contractuel" " ክበሃል ከሎ ኣብ ናይ ብሕቲ ትካል ድማ " ተካኢ"suppléant". " ይበሃል ።
ከመይ ንገብሮ?
እዚ ብደረጃ መባእታን ካልኣይን ደረጃ መምህር ንምዃን ዝተፈላለየ ኣገባባት ዝሕበር ኮይኑ ።
- ብቕልጡፍ ክትምህር እንተደሊኹም፡ ንውሱን ግዜ ዝጸንሕ ውዕል ከምዚ ዝስዕብ ክትፍርሙ ትኽእሉ ኢኹም፤
- ተወዳዳሪ ፈተና ብምሕላፍካ ቀዋሚ ናይ ምምሃር ደረጃ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
ምፍላጥ እዚ ሓበሬታ እዚ[ሓበሬታ ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝመጽእ እዩ]
ብድሕሪኡ’ከ ?
እንተደኣ ኣብ ፈረንሳ መምህር ምዃንክክም ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ንዝመሃሩ ተማሃሮ ሓላፍነት ክትወስድ ኢኺም። ስለዚ ትልሚ ትምህርቲ ከተዳሉ፡ ዘድሊ ፍልጠትን ክእለትን ክትምህር፡ ምድላው ፈተናታት ምውህሃድ ምዕባለ ተመሃሮ ክትግምግምን ክትገብሩ ትግደዱ ምኹናኩም ብግቡእ ምፍላጥ የድሊ።
እዚ ኣብ ሞያዊ ሞያኦም ክስጉሙ ዝደልዩ መምህራን ተወሳኺ ስልጠና እንተሃልይዎም ይኹን ብዘይ ተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ዓውዲ ትምህርቲ ካልኦት ሞያታት ክረኽቡ ይኽእሉ። ንኣብነት ፥
- ምዃን መምህር ኣብ UPE2A ((Unité Pédagogiqueፔዳጎጂካዊ ኣሃዱ ንሓደስቲ ኣሎፎን ተማሃሮ)
- ምዃን ኣመሓዳሪ ቤት ትምህርቲ፣
- ከምኡውን ተቖጻጻሪ ኣካዳሚ፣
- ብተወሳኺ ኣተሓባባሪ ትምህርቲ ወይ ኣሰልጣኒ ከይተረፈ።
ኣብ እቲ ዙርያ ዘለዉ ካልኦት ምስ መንእሰያት ዝሰርሑ ሞያታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ተበጻሒ እዮም። ንኣብነት፡ ATSEM (ፍሉይ ግዝኣታዊ ወኪል ንቤት ትምህርቲ መዋእለ ህጻናት) ወይ ኣመሓዳሪ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
ብሓፈሻ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ እውን ተመራማሪ ክትከውን ትኽእሉ ኢኹም።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ