Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲዜጋታት ፈረንሳ, ስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ

ዋጋ

ብነጻ

ኩነታት

ናይ ባንክ ሕሳብ ምህላው

ምህላው ናይ ጋዝን ኤሌክትሪክን ውዕል

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 6 mois

እንታዩ’ዩ ?

ኣብ መንበሪኻ ዘሎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ ክትጥቀመሉ ምእንቲ ውዕል ምህላው ኣድላዪ እዩ።

እቲ ውዕል ዝፈቅድ፤

  • ገዛኻ ምስ መርበብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ ንምትእስሳር፣
  • ንኣጠቓቕማ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ ዝኸውን ክፍሊት ንምድላው።
ኣገዳሲ!
ምፍላጡ ኣገዳሲ! : ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ድማ ሓድሽ ውዕል ምፍራም የድሊ። ድሕሪኡ ነቲ ዝሓለፈ ውዕልካ ደው ከተብሎ ("ኣቋሪጽካ") ሓድሽ ውዕል ክትመርጽ ኣለካ።

ሓያሎ ኩባንያታት ውዕል ይህባ። “ “fournisseursኣቕረብቲ ” ይበሃሉ። ንመብራህቲ፡ ጋዝ ወይ ንኽልቲኡ ዝተፈላለየ ቅድመ-ኩነት የቕርቡ።

ኣገዳሲ
ሓደ ሓደ ግዜ ምውዓይ ጋዝ “ሓባራዊ” እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ነቲ ጋዝ ኣብቲ ናይ መንበሪ ክፍሊት ትኸፍሎ። ስለዚ ብስምካ ናይ ጋዝ ውዕል ምህላው ጠቓሚ ኣይኮነን።

ሃልኪ ኤሌክትሪክ/ጋዝካ ኣብ ብዝተተኽለ “ “compteur”, ቆጻሪ ” ይዕቀን።

ውዕል ንምፍራም እቶም ስጉምትታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

  • ኣቕራብን ቅድመ-ምድላውን ምምራጽ፣
  • ነቲ መዐቀኒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ ብስምካ ንምእታው ምስቲ ኣቕራቢ ርክብ ግበር፣ ውዕል ክትከፍት ከም እትደሊ ምሕባር፣
  • ነቲ ብኣቕራቢ ዝተላእከ ውዕል ፈሪሙ ንመተሓላለፊ ወይ ንኮሚሽን ቆጸራ ይሕዝ (ኣድላዪ እንተኾይኑ)።

ከመይ ንገብሮ?

ካብ ሓደ ኣቕራቢ ቅድመ-ምድላው ንምምራጽ፡ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ሽምግልና ጸዓት ክትውከሱ ትኽእሉ https://www.energie-info.fr/

እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ዝሓሰረ ንምርካብ ንዝቐርቡ ቅድመ-ምድላዋት ከተነጻጽሩ የቕርበልኩም።

እቲ ፋክቱር 2 ክፋላት ኣለዎ፤

  • ውሱን ምዝገባ: ዋጋኡ ኣብቲ ሓይሊ ይምርኮስ፣
  • ሃልኪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝካ: ዋጋኡ ኣብቲ ዝሃልኽ ብዝሒ ይምርኮስ።

ኣብ ምውድዳር ቅድመ-ምድላዋት፡ ድሕሪኡ ሓይልን ዝተገመተ ሃልኪን ከተእቱ ኣለካ።

ኣገዳሲ!
ክንደይ ሓይሊ ከም ዘድልየካ እንተዘይፈሊጥካ ወይ ሃልኪኻ እንተዘይፈሊጥካ፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ስሚዩሽን ክትፍጽም የቕርበልካ። ነዚ ንምግባር ድማ ብዛዕባ መንበሪኻ (ዓቐኑ፡ መሳርሒታቱ) ዝተፈላለየ ሓበሬታ ክትህብ ከድልየካ እዩ።

ክንደይ ሓይሊ ከም ዘድልየካ እንተዘይፈሊጥካ ወይ ሃልኪኻ እንተዘይፈሊጥካ፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ስሚዩሽን ክትፍጽም የቕርበልካ። ነዚ ንምግባር ድማ ብዛዕባ መንበሪኻ (ዓቐኑ፡ መሳርሒታቱ) ዝተፈላለየ ሓበሬታ ክትህብ ከድልየካ እዩ።

ብድሕሪኡ እቲ ኣነጻጻሪ ነቶም ዘለዉ ቅድመ-ምድላዋት ምስ ግምት ወጻኢታትን ዝርዝር ናይቲ ውዕላት ብኸመይ ከም ዝሰርሑን የርእየካ።

ምፍላጡ ዘገድስ!

ኣገዳሲ!
ምፍላጡ ዘገድስ : እቲ መርበብ ሓበሬታ ንኤሌክትሪክ ዝኸውን “ሊንኪ ሜተር” ወይ ንጋዝ ዝኸውን “ጋዝፓር ሜተር” እንተሃልዩካ ክሓተካ ይኽእል እዩ። እዚኦም ብዛዕባ ሃልኪኻ ብኣውቶማቲክ ሓበሬታ ዘመሓላልፉ ሓደስቲ ቆጻሪታት እዮም። መለክዒ ሓይሊ ኤሌክትሪክካ ቀጠልያ እንተኾይኑ “Linky meter” እዩ። መዐቀኒ ጋዝካ ብጫ እንተኾይኑ “መዐቀኒ ጋዝፓር” እዩ።

ንጋዝን ኤሌክትሪክን ሓደ ዓይነት ኣቕራቢ ወይ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣቕረብቲ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ምፍላጡ ዘገድስ!

ምፍላጡ ዘገድስ!
ገለ ቅድመ-ምድላዋት ካብ “መሰረት” ወይ “ጽዑቕ ሰዓታት / ካብ ጽዑቕ ሰዓታት ወጻኢ” ክትመርጽ የኽእሉኻ፤
- base: ዋጋ ናይቲ እትጥቀመሉ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ ምሉእ መዓልቲ ቀዋሚ ኮይኑ ይቕጽል።
- ጽዑቕ ሰዓታት / ካብ ጽዑቕ ሰዓታት ወጻኢ: ዋጋ ኣብቲ ናይ ሃልኪ ሰዓት ይምርኮስ። ንግሆን ምሸትን ዋጋ ዝለዓለ እዩ። ኣብ ፍርቂ ለይቲ ድማ ርካሽ ይኸውን።

ነቲ ዝመረጽካዮ ኣቕራቢ ብተሌፎን ወይ ብኢንተርነት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ንምድላው ዘድልየካ ሓበሬታ ኣብዚ ኣሎ፤

  • ልክዕ ኣድራሻ ናይቲ መንበሪ ገዛ፡ ደርብን ቁጽሪ ማዕጾን ምዃኑ’ዩ።
  • እንተሃልዩካ: ስም ናይቲ ዝሓለፈ ተቐማጢ ወይ ቁጽሪ ቆጻሪ (ንዋና ናይቲ መንበሪ ገዛ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ)፣
  • ውዕል ክትጅምረሉ እትደሊ ዕለት፡ ከምኡ’ውን ናብቲ መንበሪ ገዛ ዝኣተኻሉ ዕለት።
  • ኣብቲ ቆጸራ ዘሎ ቁጽርታት፣ .
  • ናይ ባንክ ዝርዝር ሓበሬታኻ (IBAN)።

እቲ ኣቕራቢ ውዕል ሰሪሑ ክትፍርሞ ይሓተካ (ኣብ ኢንተርነት ወይ ብፖስታ)።


ኣገዳሲ
: እቲ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወይ ናይ ጋዝ ሕሳብ መብዛሕትኡ ግዜ ከም “መርትዖ ኣድራሻ” ንምምሕዳራዊ ኣገባባትካ ይሕተት። ስምካን ምናልባት እውን ስም መጻምድትኻ ኣብቲ ውዕል ብጽቡቕ ከይጽሓፍ ክትጥንቀቕ ኣለካ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብቲ መዕረፊኹም ምብጻሕኩም ምስቲ ኣቕራቢ ክትራኸቡ ኣለኩም። እዚ ድማ ቅድሚ ምምጻእካ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ ከይቁረጽ ይኽእል።

ሓያሎ ኩነታት ክለዓሉ ይኽእሉ እዮም፤

  • ገዛኻ ምስ መርበብ ጋዝ ወይ ኤሌክትሪክ ተተሓሒዙ ዘይፈልጥ እንተኾይኑ፡ ምትእትታው ቴክኒሻን ኣድላዪ እዩ። እቲ ኣቕራቢ ቆጸራ ክህበካ እዩ። ነዚ ምትእትታው ክትከፍል ክትግደድ ኢኻ።
  • ቅድሚ ምምጻእካ እቲ መንበሪ ባዶ ስለ ዝነበረ ቆጻሪኻ “ተቖሪጹ” እንተኾይኑ፡ ምትእትታው ቴክኒሻን ኣድላዪ እዩ። እቲ ኣቕራቢ ቆጸራ ክህበካ እዩ። ነዚ ምትእትታው ክትከፍል ክትግደድ ኢኻ ቆጻሪኻ ኣብ ኣገልግሎት እንተሃልዩ ካብዚ ንላዕሊ ዝገብሮ ነገር ኣይክህሉን እዩ። እቲ ሓድሽ ውዕል ምቛም ብነጻ እዩ።

ኣገዳሲ!
ንመተሓላለፊ ወይ ንኮሚሽን ምስ ቴክኒሻን ቆጸራ እንተሃልዩካ ኣብቲ ቦታ ክትህሉ ኣለካ። እንተዘይኮይኑ እቲ ቴክኒሻን ጣልቃ ክኣቱ ስለዘይክእል ንመገሻኡ ክትከፍል ክትግደድ ኢኻ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ኣቕራቢኻ ክትከፍሎ ዘለካ ፋክቱራት (ብኤሌክትሮኒካዊ ወይ ብፖስታ) ብቐጻሊ ክሰደልካ እዩ (ብዝውውር፡ ካብ ሕሳብካ ወይ ባንክ ካርድካ ቀጥታዊ ምኽፋል)።

ብዙሕ ከይከፍል፡ ኣብ ቆጻሪ፡ ኣብ ሕሳብካን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣቕራቢኻን ሃልኪኻ ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ።

ምፍላጡ ኣገዳሲ!


ኣገዳሲ!
ኣብ ምኽፋል ሕሳብ ጸዓት ኣባይቲ ዝግበር ሓገዝ ከምዘሎ ክፍለጥ ይግባእ። " ናይ ጸዓት ቫውቸር " ብመሰረት ዝተወሰኑ ቅድመ ኩነት ሃብቲ ይወሃብ። ብቑዕ እንተኾይንካ፡ ናይ ጸዓት ቫውቸርካ ብኣውቶማቲክ፡ ብስምካ፡ ብፖስታ ናብ ገዛኻ ክትቅበል ኢኻ (ኣብቲ ናይ መወዳእታ ንበዓል መዚ ግብሪ ዝሃብካዮ ኣድራሻ ይለኣኸልካ)። ነዚ ሓገዝ ብቑዕ ምዃንኩም ንምፍላጥ ce simulateur en ligne officiel ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

Le site internet du médiateur de

: ኣብ ምኽፋል ሕሳብ ጸዓት ኣባይቲ ዝግበር ሓገዝ ከምዘሎ ክፍለጥ ይግባእ። " ናይ ጸዓት ቫውቸር " ብመሰረት ዝተወሰኑ ቅድመ ኩነት ሃብቲ ይወሃብ። ብቑዕ እንተኾይንካ፡ ናይ ጸዓት ቫውቸርካ ብኣውቶማቲክ፡ ብስምካ፡ ብፖስታ ናብ ገዛኻ ክትቅበል ኢኻ (ኣብቲ ናይ መወዳእታ ንበዓል መዚ ግብሪ ዝሃብካዮ ኣድራሻ ይለኣኸልካ)። ነዚ ሓገዝ ብቑዕ ምዃንኩም ንምፍላጥ ce simulateur en ligne officiel ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ሽምግልና ጸዓት ( https://www.energie-info.fr/ ) ብዛዕባ ውዕላትን ፋክቱራትን፡ ብዛዕባ ምቑጣብ ጸዓትን ምስ ኣቕራቢ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝካ ጸገም ምስ ዘጋጥም ክትወስዶም ዘለካ ስጉምትታትን ዝምልከት ግብራዊ ሓበሬታታት የቕርብ።

መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሕሳብካ ንውዕልካ ንምምሕዳር ክትረኽቦ እትኽእል ቁጽሪ ተሌፎንን ምስ ዝበላሾ ካልእ ክትረኽቦ እትኽእልን ቁጽሪ ተሌፎን የጠቓልል።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ ምስ ዝቋረጽ፡ እቲ ጸገም ንመዕረፊኻ ወይ ንመላእ ህንጻ ወይ ኣውራጃ ጥራይ ዝምልከት ድዩ ኣይኮነን ድሮ ክትምርምር ትኽእል ኢኻ።

ኣቕራቢ ክትቅይር እንተደሊኻ ምስቲ ሓድሽ ኣቕራቢ ጥራይ ርኸብ። ምስቲ ዝሓለፈ ኣቕራቢ ዝገበርካዮ ውዕል ደው ዘብሎ ንሱ እዩ።

ኣገዳሲ!
ኩባንያታት ንሰባት ብተሌፎን፡ ብኢንተርነት ወይ ደወል ማዕጾኦም ብምድዋል ሓድሽ ናይ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ ውዕል ክሸጡሎም ከም ዝረኽብዎም ኣስተውዕሉ። ኩሉ ግዜ ቅድሚ ሓድሽ ውዕል ምፍራምካ ግዜ ወሲድካ ኣነጻጽር።

ውዕልካ በብዓመቱ ብኣውቶማቲክ ይሕደስ። ዝኾነ ፍሉይ ስጉምቲ ክትወስድ ኣየድልየካን እዩ።


ኣገዳሲ!
ኣብ ዝኾነ እዋን ናይ ዓመት ውዕልካ ከተቋርጽ ትኽእል ኢኻ። ዘይከም ናይ መድሕን ውዕላት፡ ናይ ኤሌክትሪክ ወይ ጋዝ ውዕላት ዘይቀያዲ እዩ!
ኣብ ላዕሊ ገጽ

11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
noornoorተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
mariammariamተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
alexisalexisተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት