Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምኻድ ናብ ብህጹጽ ሓገዝ ናይ ሕክምና

ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ 2 роки тому

ኣብ ፈረንሳ 650 ፣ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ሓገዝ ወሃብቲ ወኪላት፣ ኣብ ሆስፒታላትን ክልኒካትን ኣለዋ ። ኣገልግሎተን ድማ ብፍላይ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ዘለዎም ሰባት ዝተሓዝአ እዩ።

ኣገዳሲ !
ምፍላጡ ኣገዳሲሓበሬታ :እቶም ናይ ህጹጽ ሓገዝ መውሃቢ ነቑጣታት መብዛሕትኡ እዋን "ጻዕቂ ባት " ስለዘለወን ናብኡ ዘኽይድ ህጹጽ ሕክምናዊ ኩነታት ምስ ዘይክሰት ዘይምኻድ ይምረጽ። ስለዚ ናብ ህጹጽ ሓደጋ ንምኻድ ይግበኣኩም ዶ ወይስ ኣይፋሉን ንምፍላጥ ኣብ ዝስዕብ ኩነት ተመልከቱ (ብፍላይ ኣብ ሓበሬታ ቁጽሪ 1).

i ምፍላጡ ኣገዳሲሓበሬታ :እቶም ናይ ህጹጽ ሓገዝ መውሃቢ ነቑጣታት መብዛሕትኡ እዋን "ጻዕቂ ባት " ስለዘለወን ናብኡ ዘኽይድ ህጹጽ ሕክምናዊ ኩነታት ምስ ዘይክሰት ዘይምኻድ ይምረጽ። ስለዚ ናብ ህጹጽ ሓደጋ ንምኻድ ይግበኣኩም ዶ ወይስ ኣይፋሉን ንምፍላጥ ኣብ ዝስዕብ ኩነት ተመልከቱ (ብፍላይ ኣብ ሓበሬታ ቁጽሪ 1).

ከመይ ንገብሮ?

ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ን ኣብ ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ዝተሓዝአ እዩ

⇒ ንኣብነት፣ ህጹጽሕክምናዊ ሓገዝ ንኽትሓቱ ዘኽእሉ ምልክታት እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከእሉ

  • ብርቱዕ ቃንዛ ኣብ የማናይ ኣፍ-ልቢ
  • ብርቱዕ ኦሞሮድዮ፣ ደም ዝተሓወሶ ውጽኣት
  • ምጥፋእ ሃለዋት
  • ኣዝዩ ብርቱዕ ረስኒ / ምጉዳል ምስ ዝኣቢ
  • ምጽጻል ሓዊ ፣ ኤለክሪክ ምሓዝ
  • ዕውልውል ምባልን ፣ ነውጺን ወይ ዘይርዱእ ኩናት ኣእምሮ ምስ ዝኽሰት
  • ናይ ምስትንፋስ ጸገም። ናይ ምዝራብም ንኻድን ጸገም ምስ ዝኽሰት
  • ዝኾነ ዓይነት ናይ መኪና ሓደጋ (ወላ ብዘይ ቃንዛ)
  • ኣብ ኣካላትኩም ዝኣተወ ነገር ምውጻእ ምስ ዝኣቢ
  • ኬሚካላዊ ሓደጋ፣ ምምራዝ ወይ ምስማም
  • ብ መውደቕቲ ዘጋጥም ማህሰይቲ ዓጽሚ ዓጽሚ
  • ካብ ኣለርጅ ዝብገስ ቅጽበታዊ ሕበጥ ኣካላት
  • ፍሉይ ቃንዛ ኣብ (ርእሲ፣ ወይ ከብዲ ወዘተ ምዝ ዘጋጥም)
  • ፈተነ ነብሰ-ቅትለትን ወዘተን ...
ኣገዳሲ !
እዚ ተርታ ናይ ሓደጋታት ኣብዚ ዝውደእ ኣይኮነን፣ ስለዚ ዝኾነ ዘይልሙድ ጥዕናዊ ኩነታት ምስ ዘጋጥመኩም፣ ከሻሽለኩም ባህትያዊ እዩ።

⇒ እቲ ዘጋጠመ ሕማም፣ እንተደኣ ክሳዕ ክንድቲ ህጹጽ ዘይኮነ ማለት ን ጽባሒቱ ናብ ሓኪም ክትከድልሉ እትኽሉ ኩነታት ምሕማም ወይ እውን (ቀዳመ ሰንበት ክሳብ ዝሓልፍ ክትጽመሙ) ዘኽእለኩም እንተኾይኑ፣ ካብ ናይ ህጹጽ ሕምናይ ምሕታት፣ ከምቲ ልሙድ ማ ሓኪም ቆጸራ ክትወስዱ ይምከር።

ንኣብነት :

  • ንነዊሕ መዓልታት ዝመላለስ ወይ ዝጸንሕ ቃንዛ ምስ ዝህልወኩም s
  • ናይ ሕክምና ሰርቲፊኬት ወይ እውን ምሕዳስ መዐደግ መድሃኒት ወረቐት ምስ ደድልየኩም
  • ክታበት
  • ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምንዋሕ ..

⇒ እንተደኣ ኣብ ናብ ኣገለግሎት ህጹጽ ክትከዱ ይግበኣኩምን ኣይግበኣኩምን ምዃኑ ንምፍላጥ ደሊኹም

- እንተደኣ ኣብ ኣዋን ሰኑየ-ሰሉስ ኣሞ ኸኣኣ ቐትሪ ኮይኑ ኮይኑ፣ እሞ ሓኪም እንተደኣ ን ሓ ኪምኩም፣ ብምድዋል ወይ ብኻልእ መገዲ ምኽሪ ሕተቱ።

- ኣንተደኣ ከም ሓኪምኩም ክሕብረኩም ዘይክኢሉ፣ ፣ እንተደኣ ኣብ ፈረንሳ ኴንኩም ናብ ቁጽ 15 (Samu) ኣብ ኤውሮጵ ምስ እትህልዉ ድማ 112 (ህጹጽ ሓደጋ ናይ ኤውሮጳ) ደውሉ፣ ብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ወይ እውን ብኻልእ ቋንቋታት እንታይ ከም ዝገብረኩም ዘሎ ሓብሩ።

  • እንተደኣ ናብ ነቑጣ ህጹጽ ሓደጋ ክትከዱ ኮይኑ ዝግበኣኩም
  • ወይስ ናብ ሓኩም ኢኹም ክትከዱ ዘለኩም
  • ወይውን ኣብ ዘለኹሞ ገዛ፣ ኣገልግሎት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኴንኩም ክሕብርኹም እዮም

- l ምሸት ወይ'ውን ቀዳመ-ሰንበት ምስ ዝኸውን፣ ከከም ኣኸባቢኹም፣ ከከም ናትይ ጥዕና ኩነታትኩምን፣ ንዝከኣል እንተኾይኑ ተረኛ ሓኻይም ከተዘራርቡ ትትኽእሉ ኢኹም፣

  • ተረኛታታ ሓኻይም ሓበሬታ (ብፍላይ ድማ ናይ ዓበይቲ ከተማታት ) ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ. Cliquez ici pour découvrir les maisons médicales à Paris. እቲ ኣገልግሎት ብዘይ ቆጸራ እዩ።
  • SOS ሓኻይም (እንተድደኣ ብህጹጽ ሓኪም ክትርእዩ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ፣) እሞ ኣብ ፓሪስን ኣብ ኣከባቢኣ ዘለዋ ደፓርትመንት ማለት : 92, ou 93, ou 94, ኴንኩም እትነብሩ ብ ቁጽሪ ቴለፎም፣ 01 47 07 77 77 ብምድዋል ናይ ገዛ ኣገልግሎት ርኸቡ።

ናይ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ነቑጣታት ፣ ኣበየ ሆስፒላትን ክልኒካትን ክፉት እዩ።

ኣብ ኣከባቢኹም ዘሎ ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብዚ ኢንተርኔት ሳይት ጠውቑ sur ce site, ኣብ የማንይ ሸነኽ ናይቲ ሓበሬታ

ናይ ሓፈሻዊ ሕማትን ፔሻሊስት እውን ክትረኽቡ ትኽእሉ

  • ብህጹጽ ህጻናት ሓኻይም (ሕሙማት ወይ ናይ ሓደጋ ግዳያት ህጻናት )
  • ህጹጽ ሓገዝ ናይ ደቀንስትዮ obstétricales (ነፍሰጾራት ፣ ቃንዛ መደመይቲ ወይ እውን ዘይንቡር ሕርሲ ምስ ዝመጸን )
  • ናይ ስኒ ቃንዛ (ኣዝዩ ፍሉይ ቃንዛ ስኒን ኩርምቲን )
  • ህጹጽ ሓገዝ ናይ ophtalmologiques (ናይ ዓይኒ ), cardiologiques (ናይ ልቢ ), psychiatriques (ስትረስ ወይ ጸቕጢ ), dermatologiques ( ናይ ቆርበት ) …
i ኣገዳሲ !
ሓበሬታ :እዞም ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ፣ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እዮም ዝርከቡ

'ክትማልእዎም ዘለኩም ነገራት

  • ካርድ ቪታልን ከምኡ እውን ኣተስታስዮን 'ወይ ድማ ሰርቲፊኬት ናይ 'ሲኤም ዩ'
  • እንተደኣ ካርድ ናይ' ሚችዋል' እንተሃልይኩም
  • ታሴራኹም
  • ቴለፎንን ምስ ቻርጀሩ
  • ሪጋ ንምጽባት ዝሕግዘኩም ነገራት ( ንኣብነት እንተደኣ ትኽእሉ ኴንኩም ፣ መጽሓፍ )
  • ናይ መኸፈሊ ዘኽእለኩም መሳላጥያ (ናይ ባንኪ ካርድ ፣ ጥረ ገንዘብ ፣ ወይ ቼክ። )

ኣድላዪ ዝኾነ ክዳን (ካቦት ፣ ጃኬት ጎልፎ ካወዘተ…) ከምኡ እውን ናይ ውሽጢ ኣልባሳት.

ብመኪና ናብ ሆስፒታንል፣ ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ምስ እትኸዱ ናብ ዝተመደበልኩም ናይ ፓርኪን ቦታ ኪዱ።


i ኣገዳሲ ሓበሬታ፣
እንተደኣ ክትዝውሩ ዘይትኽሉ ኴንኩም ወይ እውን ንበይንኹም እንተለኹም።፣ ናይ ምስናይ ሓገዝ ሕተቱ፣ (ኣዕሩኽ ፣ ቤተሰብ ፣ጎረቤት፣ ዝኾነ ወለንተኛ…) ወላ እኳ ኩነታትኩም ናብ ነቑጣ ህጹጽ ሓገዝ ዘብጽሓኩም እንተመሰለኩም፣ ድሕሪኡ ኩናታት ጥዕናኹም ከየፍቅደልኩም ይኽእል እዩ። ስለዚ ጥንቁቓት ኩኑ። እንተድኣ ቃንዛ ሃልይኩም ኣይትዘውሩ ፣ ን በይንኹም ምዃን እውን ኣወግዱ!

ዝተፈለለዩ መቐበሊታት እኳ እንተለዉ፣ ኣብ ዝበዝሐ እዋን ግን ኩነታቶም ሓደ እዩ

  • ናይምምሕዳር መቐበሊ፣ : መዝገበ ናይ መንነትን ብ መሰረት ካርድ ወይ ታሴራ
  • ን ሓፈሻዊ ኩናታትኩም “ሓበሬታኹም ን ተሓጋገቲ ሃቡ ” : ከከም ኩናታትኩም ነርትሳት ክቕበልኹም እዮም (ንኣብነት : ናይ ፈለማ ኩነታትኩም ንምፍላጥ ከም እኒ፣ ), ዋዒ ፣ ጸቕጢ ደም ህርመት ልቢን ካልእን ንምዕቃን…) ኩነታትኩም ንምግምን ፣ ህጹጽነት ናይ ድሕነትኩምን ይከታተሉን፣ እንታይ ከም ዝግበረልኩምን ይውስኑንን፣ ኣብኡ ዝኾነ ሕቶታት ንምሕታት ኣይትሰከፉ።

i ኣገዳሲ ሓበሬታ :ዘድልየኩም ነገራት ዘሰንይኹም ሰባት ግደፍዎ። (ቴለፎንኩም ምስ ቻርጀራ ግን ምሳኹም ትጽናሕ !)

ናብ መጸበዪ ቦታ ምስ ተመራሕኩም።ነትዝወሃበኩም መምርሒታት ሓልውዎም፣ ብፍላይ ብዛዕባ ምብላዕን ምስታይን ፣ ከምኡ እውን ፣ ኣወሳስዳ መድሃኒትን ወዘተን

እቲ ናይ ምጽባይ እዋን ከከም ግዚኡ ይፈላለ እዩ።

  • እቲ ኩነታት ጥዕናኹም ኣብ ደሓን ኩናታ ወይ ህጹጽ እዩ ይፈላለ እዩ። (እንተደኣ ሓደ ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ሕሙም/ ሕምምቲ መጺኦም፣ ምጽባይኩም ይደናጎ ይኽእል እዩ። )
  • እቶም ዝሕክምኹም ሓኻይም ኩናት ናይ መርመራን እውን ረቛሒታት እዮም …

መብዛሕትኡ እዋን (ትሕቲ ሓደ ሰዓት ) ወይ ካብኡ ዝነውሕ (ሓያሎ ሰዓታት ). ክኸውን ይኽእል እዩ ስለዚ ብዓቅሊ ተጸበዩ። .

ኣብ መወዳእታስ ክትጽውዑ ኢኹም .

ከከም ናይ ሕማማኩም ኩናታት ፣ናይ ተጠቃምነት መሰልኩምን

  • ብ ህጹጽ ሓድጋ ኣብ እትመጽእሉ፣ ሓኪም ስፔሻሊስት እዩ ዝርእየኩም (ኣብ ገለ እዋን እዩ እቲ፣ ጀነራሊስት ዝቕበለኩም እዩ )
  • መርመራታት (sስካን ራድዩ፣ ,ናይ ደም መርመራ ወዘተ…)

እንተደኣ , ኣብቲ መጸበዪ ቦታ ኣብታ ብ “box” እትፍለጥ ኣቲኹም ደቂስኩም ከተዕርፉ ትኽእሉ ኢኹም። (ንኡሽቶ ዓራት ኣለዎ )ኣብ ኡ ግምብው በሉ

እንተደኣእቲ ምንዋሕ ዝድንጒ መሲሉ ፣ መግቢ ክዕደለኩም ይኽእል እዩ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ናይ ምኻድ ፍቓድ ብ ሓኪም እዩ ዝወሃበኩም

ከከም ኩናታትኩም

  • ኣብ እቲ ዓራት ኴንኩም፣ :እንተደኣ መርመራ ኣድልዩ፣ ኣብቲ ቦታ ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ኩነታትትት እቲ ዘሰንየኩምን ወይ እትኣምንዎ ሰብ ዝኾነ ክገብረልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹል
  • ኣብ ገዛኹም : እንተደኣ ናብ ሆስፒታል ምምጻእ ኣድላዪ ዘይኮይኑ። ከተዕርፉን መድሃኒት ምእዛዝን ጥራይ ዝግበኣኩም ኮይኑ፣ ኩሉ ናይ ሕክምናውዊን ምምሕዳራዊን ነገራት ምስ ን ሓኪምኩም ዝወሃብ ደብዳቤ ኣሰንዩ ክገድፈኩም እዩ። (እንተደኣ ሓኪም ሃልይኩም ኮይኑ).

እንተደኣ እቲ ሕክምናኹም ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋ ጥራይ ተወዲኡ እሞ ንገዛ ተፋኒኹም 19,61€. ናይ መርኣዪ ትኸፍሉ፣ “ ናይ ህጹጽ እዋን ሕሙምም ” (FPU) እዚ ክፍሊት እዚ ከከም ኩነታትኩም ፣ ካብኡ ዝተሓተ ትኸፍሉ ወይ እውን ብነጻ፣ ክትከዱ ይፍቀደኩም ይኸውን፣ ስለዚ ንምጽራይ ኣብዚ ተወከሱ (les différents cas sont précisés ici).

ትከፍልሉ ኣገባባት :

  • ብቐጥታ ናይ ኣብኡ ዘለዉ ሰራሕተኛታትክትከስልዎ ዘለኩም ዓቐን ምስ ተነገረኩም
  • ሕነትኩምን ይከታተሉን፣ እንታይ ከም ዝግበረልኩምን ይውስኑንን፣ ኣብኡ ዝኾነ ሕቶታት ንምሕታት ኣይትሰከፉ።
ኣገዳሲ ሓበሬታ!
እቲ ቲኬት ሓዝዎ። 'ብ ኣሹናስኩም ' ፣ ንኽምለሰኩም ምእንቲ ከም መረጋገጺ ሓዝዎ.

15 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • youተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • walachተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_18360315ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • irinkaተርጓሚ/ሚት
  • alexisተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • anastasiaተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት

Liens utiles