Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምኻድ ናብ ብህጹጽ ሓገዝ ናይ ሕክምና

ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 17 jours

እብ እዋን ሓደጋ፣ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝሕግዙ ትካላት ጥዕና ን 24ሰዓታት 24 (ቀትሪን ለይቲን ክፉታት እዮም)እተን ወሃብቲ ኣገልግሎት ድማ ን እዋን ህጹጽ ሓደጋ . ዝተሓዝኣ እየን

ኣብ ፈረንሳ 700 ኣብ ሆስፒታላትን ክልኒካትን ኣለዋ ። ኣገልግሎተን ድማ ብፍላይ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ዘለዎም ሰባት ዝተሓዝአ እዩ።

ኣገዳሲ !
ኣገዳሲሓበሬታ መብዛሕትኡ ግዜ ክፍልታት ህጹጽ ረድኤት ካብ መጠን ንላዕሊ ጽዑቓት እየን: ብዙሓት ሰባት ብዘይ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ህጹጽ ኩነታት (ሓደጋ ሞት ወይ ከቢድ ሕማም) ናብኡ ይኸዱ።
እዚ ድማ ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜን ውሑዳት ሓካይም ንኽህልዉን ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣለዎ።

ከመይ ንገብሮ?

ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ምኻድ ኣየድልን እንተኾይኑ
ጸገም ጥዕናኻ ንጽባሒቱ (ወይ ሶኒ፡ ሰሙን መወዳእታ እንተኾይኑ) ናይ ሓኪም ቆጸራ ክትጽበ ትኽእል ኢኹም፡ ንኣብነት፤

  • ንሓያሎ መዓልታት ዝተጾረ ቃንዛ
  • ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐት ምስየድሊ
  • ትእዛዝ ሓኪም ምሕዳስ ምስ የድሊ
  • ሓደ ክታበት ምኽታብ ምስ ዘድሊ
  • ናይ ሕማም ዕረፍቲ ንኽናዋሕ ወይ ምሕታት ምሕታት ምስ ዘድሊ
  • ራጂ፡ ሲቲ ስካን ምግባር ምስ እትደልዩ፡
  • መርመራ ደም፣ክትጋብሩ ምስ እትደልዩ
  • መርመራ ናይ ጥንሲ ንምግባር ወዘተ ፣ ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት ሕክምና ምምጻእ ኣይግባእን...

ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ክትከይድ ይግባእ እንተኾይ

ከቢድ ጸገም ተኸሲቱ፣ ን ኣብነት ብቕጽበት ሓኪም የድልየኩም ንኣብነት፤

  • ብርቱዕ ቃንዛ ኣብ የማናይ ኣፍ-ልቢ
  • ብዙሕ ደም ዘለዎ ሓደጋ መቑሰልቲ
  • ኣብ ኣካላኩም ብዝኾነ ነገር እንተተትሽጊሩ፣ ንኣንብነት ብምሽራግ መግቢ፣ ወይ እውን ቆልዑ ዘይከውን ነተግ እንተውሒጦም ክኸውን ይኽእል
  • ብርቱዕ ኦሞሮድዮ፣ ደም ዝተሓወሶ ውጽኣት ከም፣ ወይ እውን ቀልቀል ምውጻእ ብሰንኪ (ኦሞሮድዩ) ምስ እትሽገሩ
  • እንተደኣ እግርኹም ወይ፣ ኢድኩም ኮነ ርእስኹም ከተንቀሳቕስ ኣይትኽእልን ኣብይኩም፣ ምስ (ምልባስ) ምስ ዘይትኽእሉ ወዘተ።
  • ኣዝዩ ብርቱዕ ረስኒ / ምጉዳል ምስ ዝኣቢ
  • ዝጎድእን ዝሕበጥን ሕብሪ ዝቕይርን ዓቢ ቃጸሎ
  • ምጽጻል ሓዊ ፣ ኤለክሪክ ምሓዝ
  • ምጥፋእ ሃለዋት (ሰንደልደል ምባል)
  • እንተደኣ ኣካላትኩም ብዘይ ቁጽጽርኩም ይንቀሳቐስ ሃልዩ ፣ ምናልባት ጭዋዳታትካ ይተርሩ (ይውጠሩን እንተሃልዮም)
  • ናይ ምስትንፋስ ጸገም። ናይ ምዝራብም ንኻድን ጸገም ምስ ዝኽሰት
  • ዕውልውል ምባልን ፣ ነውጺን ወይ ዘይርዱእ ኩናት ኣእምሮ ምስ ዝኽሰት
  • ናይ ምስትንፋስ ጸገም። ናይ ምዝራብም ንኻድን ጸገም ምስ ዝኽሰት
  • ሓደጋ ጽርግያ ብእግሪ፡ ብሞተር ብሽክለታ ወይ ብስኩተር፡ ብኪክ ስኩተር፡ ኣብ ብሽክለታ፡ ኣብ መኪና (ዋላ እንተዘይተጎዳእኩም)
  • ብዙሕ ግዜ ተምላስ ኣለካ (መግቢ መርዘን ወይ መድሃኒት መርዘን)።
  • ወዲቕካ ቅልጽምካ ወይ እግርኻ ተሰቢሩ (መንቃዕቲ)
  • ብሰንኪ ኣለርጂ ኣብ ገጽ ዝፍጠር ሕበጥ
  • ከቢድ ሕማም ርእሲ ወይ ቃንዛ ከብዲ (ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ብርቱዕ ቃንዛ ፍሉይ ቃንዛ ኣብ (ርእሲ፣ ወይ ከብዲ ወዘተ ምዝ ዘጋጥም)
  • ፈተነ ነብሰ-ቅትለትን (ፈተነ ነብሰ ቅትለት suicide) ...

ኣብ ጥርጣረ እንተሃልዩኩም


ብዛዕባ ካልእ ዘይተለምደ ናይ ጥዕና ጸገም እንተድኣ ስክፍታ እንተሃልዩካ፡ ቅድሚ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ምኻድካ፤

  • እንተደኣኣ ሕማምኩም ኣብ እዋን ሰሙንን ኣብ መዓልትን ኮይኑ ንሓኪምኩም ተራኸቡ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ርኸብ.médecin traitant ወይ ድማ ..médecin traitant ብቴሌኮንስልቴሽን Doctolib ኣጋልግሎት ርኸቡ
  •  እንትደኣ ስሩዕ ሓኪም እንተዘይተረኺቡ፡ ካልእ ሓኪም እንተዘይረኺብኩም፡ ወይ ምሸት ወይ ሰሙን መወዳእታ እንተኾይኑ፡ ን SOS médecins ብኢንተርነት ወይ ብተሌፎን ብ 01 47 07 77 77 (ክፍልታት 75, 92, 93, 94) ወይ 3624 (ኩሉ ፈረንሳ) ምድዋል ይከኣል (€0.15/ደቒቕ + ወጻኢታት ጻውዒት) ብምኽፋል ተወከሱ። በዚ ኣገባብ እዚ ድማ፣ ኣብ ማእከል ወይ ኣብ ገዛኻ ናይ ሕክምና ቆጸራ ክትሓትት ትኽእሉ ኢኹም፣ ወይ ድማ ብቴሌኮምከተሽን ክትሓትት ትኽእል ኢኹም።
  • ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናይ መዓልቲ ይኹን ለይቲ፡ ብቕልጡፍ ምስ በዓል ሞያ ንምዝርራብ፡ ብስልኪ ደውሉ
  • ብ ቁጽሪ 15 (Samu ሳሙ ዝበሃል)
    • ወይ ብቁጽሪ 18 (pompiers ናይ መጥፋእቲ ሓዊ) እንተደኣ ብ ቋንቋ ፈረንሳ ክትረዳድኡ እትኽሉ ኲይንኩም
    • ቁጽሪ 114 (ናይ ሓደጋ ቁጽሪ ን ጽሙምንን፣ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም፣
    • ወይ ብ ቁጽሪ 112 (ናይ ሓደጋ ጻውዒት ኣብ መላእ ኤውሮፓ) እንተደኣ እኝግሊዝኛ ትዛረቡ ኮይንኩም
እዚ ናይ ሓደጋ ቁጽሪ numéros d’urgenceዝህብዎ ኣገልግሎት ነጻ ኮይኑ ን 24 ሰዓታት ካብ 24 ከምኡውን 7 መዓልታ 7 (ብምሉእ ክፉታት እዮም).

ኣብ እዋን ምድዋል፣ ብዝኾነ ጸገም ብዝርዝር ክትገልጾ ፈትኑ (ብልክዕ ኣበይ ከም ዘሕመኩም ዘሎ፡ ንኽንደይ ግዜ፡ መበገሲ መጉዳእቲ ወይ ሓደጋ...) እቲ በዓል ሞያ ድማ ክነግረኩም ይኽእል እዩ፤ብ ኸምዚ ድማ፣

  • ኣብ እቲ ቴለፎን ክሕበረኩም እዩ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ክትከይድ እንተድኣ ኣድልዩ
  • ኣብ እዋን ጻውዒት ዝርከብ ሓኪም ክትከይድ እንተድኣ ኣድልዩኩም
  • ሓኪም ብቐጥታ ናብ ገዛኹም ክመጽእ እንተኽኢሉ (ገዛ ምብጻሕ እንተተሓኩምኩም)
  • ከምኡውን ኣምቡላንስ ወይ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ገዛኻ ክወስደኩም እንተኮይኖም ክትፈልጡ ይሕግዝ።

በዓል ሞያ ክንክን ጥዕና ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤትክትከዱ ሓቢርኩም እንተኢሉካ፡ ኣድራሻ ናይ ሓደ ሆስፒታል ይህቡኹም እዮም ።

ኣድራሻ ናይ ሓደ ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ንምርካብ፤

1. ናብ www.sante.fr ወብሳይት ዘሎ ሓበሬታ ተወኪስኩም ኪዱ

2. ኣብኡ "Précisez un lieu"" ዝብል ቦታ (ኣብ ላዕሊ) ስም ከተማኻ ኣእትዉ

3. ሽዑ ኣብቲ ስክሪን ኣብቲ ቀጠልያ መጉልሒ ብርጭቆ ብምጥዋቕ ምድላይ ንጅምር

4. ምረጹ ካብቲ ዝርዝር ወይ ኣብ ካርታ ሆስፒታል ።

ዝተፈላለዩ ክፍልታት ህጹጽ ረድኤት እውን ኣለዉ፤

ፍሉያት ህጹጽ ኣገልግሎታት እውን ኣለዉ፤

  • ህጹጽ ሕክምና ህጻናት pédiatriques (ንሕሙማት ዕሸላትን ህጻናትን ወይ ድማ ብሓደጋ ንዝተጎድኡ)
  • ህጹጽ ናይ ማህጸንን gynécologiques ወይ obstétricales (ንነፍሰጾር ደቂ ኣንስትዮ)
  • ህጹጽ ሕክምና dentaires ስኒ (ንኣስናን)
  • ህጹጽ ሕክምና ophtalmologiques ዓይኒ (ንዓይኒ)
  • ህጹጽ ናይ ልቢcardiologiques (ንልቢ)
  • ናይ ስነ-ኣእምሮ ህጹጽ ኩነታት psychiatriques (ንስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት)
  • ህጹጽ ሕክምና ቆርበትdermatologiques (ንቆርበት)
  • ማእከላት ምቁጽጻር መርዚ centres anti-poison ( (መርዛም ነገር እንተተበሊዑ)።
ምፍላጡ ዘገድስ እዞም ስፔሻሊስት ኣገልግሎታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ይርከቡ፤ ነቲ ኣድራሻ ንሓኪምካ ወይ ንበዓል ሞያ ክንክን ጥዕና ሕተቶ።


እቲ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጎኒ ሆስፒታል ወይ ክሊኒክ ዝርከብ ፍሉይ ህንጻ ኮይኑ፡ ብ“ህጹጽ“URGENCES”.” ምልክታት ይልለ።

  • ካርድ ቪታል carte Vitale ከምኡ እውን ኣተስታስዮንattestation d’assurance maladie 'ወይ ድማ ሰርቲፊኬት ናይ 'ሲኤም ዩ'
  • እንተደኣ ካርድ ናይ' ሚችዋል carte de mutuelle si v' እንተሃልይኩም
  • መንነትወረቐትኩም ታሴራኹም (récépissé, carte de séjour…)
  • ቴለፎንኩም ምስ ቻርጀሩ
  • ናይ ባንክ ካርድካ ወይ ጥረ ገንዘብ
    ሕማም (ሕማም ልቢ፡ ሕማም ሽኮር፡ ልዑል ጸቕጢ ደም...) እንተሃልዩኩም መድሃኒታትኩም
  • ክዳውንቲ (ካቦት፡ ማልያ፡ ካምቻ)ን ውሽጣዊ ክዳንን ክትቅይሮዎ ምናልባት እንተሓዲርኩም ።
  • ኣድለቲ ነገራት መጻወቲ፡ ዳያፐር፡ ጥርሙዝ... ምስ ቆልዓ እንተሃሊኩም።

ኣገዳሲ ሓበሬታ፣
እንተደኣ ሓሚምኩም ፣ በይንኻ መኪና ክትዝውር ወይ ብእግሪ ክትከይድ እንተዘይክኢልኩም፡ ሓደ ሰብ ከሰንየኩም (ዓርኪ መሓዛ ፡ ኣባል ስድራቤት፡ ጎረቤት ወዘተ) ሕተቱ።
ኣብ ገዛኻ ቆልዑ እንተሃልዮምኹም፣ ቅድሚ ምኻድካ ምስ እትኣምኖም ሰብ ግደፎዎም ። ኣብ እዋን ከቢድ ቃልዛ በይንኹም ኣይትጽንሑ፣ ከቢድ ቃንዛ እንተሃልዩካ ድማ ኣይትንቀሳቐሱ።

ዝተፈለለዩ ዓይነታት መቐበሊታት እኳ እንተለዉ፣ ኣብ ዝበዝሐ እዋን ግን ኩነታቶም ሓደ እዩ

  • ናይ ምምሕዳር መቐበሊ፣ : መዝገበ ናይ መንነትን ብ መሰረት ካርድ carte Vitale (እንተሃልይዉኩም)
  • ን ሓፈሻዊ ኩናታትኩም “ሓብሩ” : ከከም ኩናታትኩም ነርትሳት ክቕበልኹም እዮም (ንኣብነት : ናይ ፈለማ ኩነታትኩም ንምፍላጥ ከም እኒ፣ ) ዋዒ ፣ ጸቕጢ ደም ህርመት ልቢን ካልእን ንምዕቃን…) ኩነታትኩም ንምግምን ፣ ህጹጽነት ናይ ድሕነትኩምን ይከታተሉን፣ እንታይ ከም ዝግበረልኩምን ይውስኑንን፣ ኣብኡ ዝኾነ ሕቶታት ንምሕታት ኣይትሰከፉ።

ኣገዳሲ ሓበሬታ :ዘድልየኩም ነገራት ዘሰንይኹም ሰባት ግደፍዎ።(ክዳውንትኹም ቦርሳ ሞርሳ ) ቴለፎንኩም ምስ ቻርጀራ ግን ምሳኹም ትጽናሕ

ናብ መጸበዪ ቦታ ምስ ተመራሕኩም። ንዝወሃበኩም መምርሒታት ሓልውዎም፣ ብፍላይ ብዛዕባ ምብላዕን ምስታይን ፣ ከምኡ እውን ፣ ኣወሳስዳ መድሃኒትን ወዘተን፣ ከምኡውን ማርክ ምግባር ብግቡእ ተጠቐምሉ

እቲ ናይ ምጽባይ እዋን ከከም ግዚኡ ይፈላለ እዩ።

  • እቲ ኩነታት ጥዕናኹም ኣብ ደሓን ኩነታት ወይ ህጹጽ እዩ ይፈላለ እዩ።
  • እንተደኣ ሓደ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ሕሙማት መጺኦም፣ ምጽባይኩም ይደናጎ ይኽእል እዩ።
  • እቶም ዝሕክምኹም ሓኻይም ኩነታትት ናይ መርመራን እውን ካልኦት እውን ናይ ምድንጓይ ረቛሒታት እዮም …
ምፍላጡ ዘገድስ መብዛሕትኡ እዋን (ትሕቲ ሓደ ሰዓት ) ወይ ካብኡ ዝነውሕ (ሓያሎ ሰዓታት ). ክኸውን ይኽእል እዩ ስለዚ ብዓቅሊ ተጸበዩ። .

ትዕግስቲን ክትገብርን ህድእ ኢልኩም ክትጽበዩ ኣለኩም።

ተራኹም ምስ በጽሐ፡ ነርስ ወይ ሓኪም ናብቲ ክፍሊ ሕክምና ክጽውዓኩል ይኽእል እዩ።

ከከም ናይ ሕማማኩም ኩናታት ፣ናይ ተጠቃምነት መሰልኩምን

  • ብ ህጹጽ ሓድጋ ኣብ እትመጽእሉ፣ ሓኪም ስፔሻሊስት እዩ ዝርእየኩም (ኣብ ገለ እዋን እዩ እቲ፣ ጀነራሊስት ዝቕበለኩም እዩ )
  • መርመራታት (ስካን ራድዩ፣ ናይ ደም መርመራ ወዘተ…)

እንተደኣ , ኣብቲ መጸበዪ ቦታ ኣብታ ብ “box” እትፍለጥ ኣቲኹም ደቂስኩም ከተዕርፉ ትኽእሉ ኢኹም። (ንኡሽቶ ዓራት ኣለዎ )ኣብኡ ግምብው ቢልኩም ጽንሑ

እንተደኣ እቲ ምንዋሕ ዝድንጒ መሲሉ ፣ መግቢ ክዕደለኩም ይኽእል እዩ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ናይ ምኻድ ፍቓድ ብ ሓኪም እዩ ዝወሃበኩምautorisation de sortie".ድማ ይበሃል ከከም ኩናታትኩም ይፈላለ

  • ኣብ እቲ ዓራት ኴንኩም፣ :እንተደኣ መርመራ ኣድልዩ፣ ኣብቲ ቦታ ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ኩነታትትት እቲ ዘሰንየኩምን ወይ እትኣምንዎ ሰብ ዝኾነ ክገብረልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹል
  • ኣብ ገዛኹም : እንተደኣ ናብ ሆስፒታል ምምጻእ ኣድላዪ ዘይኮይኑ። ከተዕርፉን መድሃኒት ምእዛዝን ጥራይ ዝግበኣኩም ኮይኑ፣ ኩሉ ናይ ሕክምናውዊን ምምሕዳራዊን ነገራት ምስ ን ሓኪምኩም ዝወሃብ ደብዳቤ ኣሰንዩ ክገድፈኩም እዩ médecin traitant ). (እንተደኣ ሓኪም ሃልይኩም ኮይኑ).

እንተደኣ እቲ ሕክምናኹም ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋ ጥራይ ተወዲኡ እሞ ንገዛ ተፋኒኹም 23 . ናይ መርኣዪ ትኸፍሉ፣ “ ናይ ህጹጽ እዋን ሕሙምም ” (FPU) እዚ ክፍሊት እዚ ከከም ኩነታትኩም ፣ ካብኡ ዝተሓተ ትኸፍሉ ወይ እውን ብነጻ፣ ክትከዱ ይፍቀደኩም ይኸውን፣ ስለዚ ንምጽራይ ኣብዚ ተወከሱ (les différents cas sont précisés ici).

ትከፍልሉ ኣገባባት :

  • ብቐጥታ ናይ ኣብኡ ዘለዉ ሰራሕተኛታትክትከስልዎ ዘለኩም ዓቐን ምስ ተነገረኩም
  • ሕነትኩምን ይከታተሉን፣ እንታይ ከም ዝግበረልኩምን ይውስኑንን፣ ኣብኡ ዝኾነ ሕቶታት ንምሕታት ኣይትሰከፉ።

.ትዕግስቲ ክትገብርን ህድእ ኢልካ ክትጽበን ኣለካ። ተራኻ ምስ በጽሐ፡ ነርስ ወይ ሓኪም ናብቲ ክፍሊ ሕክምና ክጽውዓካ እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ ነቲ ፋክቱር ብግቡእ ክትዕቕብዎ ክትሕዞ ኣለኩም፣ እንተሃልዩካ ካብ ወሃቢ መድሕን ጥዕናኻ ምምላስ ገንዘብ ክትሓቱ።

እዚ ስልጠና ኣዚ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሜኻ ናይ ጥዕና ህጹጽ ኩነታት እንተሃልይዎ ፡ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ሜላታት ክትመሃር ይከኣል እዩ : ሓደ ህጻን ምትንፋስ እንተ ኣቋሪጹ እንታይ ክትገብር ኣለካ፡ ንሓደ ወቕዒ ልቢ ዘለዎ ዓቢ ሰብ ከመይ ጌርኩም ከም እትህግዙ ምፍላጥ ይሕግዝ...

እዚ ድማ ኣምቡላንስ ወይ መጥፋእቲ ሓዊ ክሳብ ዝመጽእ ኣብ ዝጽበየሉ እዋን ህይወት ንምድሓን ይሕግዝ።

ንገለ ሰዓታት ዝጸንሕ ግብራዊ ስልጠና ኮይኑ፡ ምስ ሰብ ሞያን ናይ ሓቂ ህይወት ስናርዮታትን እዩ። ዋግኡ ካብ €20 ጀሚሩ ኣቐዲምካ ክትሕዝ ኣለካ።

ኩሉ ኣብዚ t ici (ሲቪል ሓለዋ) ወይ ኣብኡ (ቀይሕ መስቀል) ብምጥዋቕ እዩ ዝግለጽ ።

እዚም ቁጽሪ ቴለፎናት ሓገዝቲ እዮም ፣ እንተደኣ ናይ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ጸገም ኣጋጢምኩም ፡ ዝሰምዑኹምን መፍትሒ ንምርካብ ዝሕግዙኻን ሰብ ሞያ ዘለዎም ቁጽሪ ተሌፎን ኣለዉ፤

3 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት

Liens utiles