Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲሓተትቲ ዑቕባ, ስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት, ዜጋታት ፈረንሳ

ዋጋ

ብነጻ

ምምርማር ናይ ሕማም ኮረና ንምግባር

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 22 jours

እንታዩ’ዩ ?

እንተተጸሊእኩም ኣሎ፣ ግን ከኣ ኮቪድ-19 ኣለኩም ዶ የብልኩም ኣይፈለጥኩምን ዘለኹም? ስለዚ: መርመራ ክትገብሩ እዩ ይግብኣኩም!

ናይ Covid-19 መርመራ፣ ን ኹሉ ሰብ ክገብሮ ዘለዎ እዩ ብፍላይ ግን እዞም ዝስዕቡ ምኽንያት ድማ ብርግጽ ፈተና ክግበር ኣለዎ። ንኣብነት

  • ምስ ኮቪድ ዝሓመሙ ሰባት ተጸምቢርኩም እንተኔርኩም ርክብ ምስ ዝነብረኩም
  • ናይቲ ሕማም ምልክታት ከም እኒ እ ልሙዳት ምልክታት ማለት: ረስኒ:ሰዓል: ድኻም: ምጥፋእ ሽታን ጣዕሚን : ቃንዛ ጎሮሮ: ሕማም ርእሲሲ: ግርጥማት: ውጽኣት ወዘተ...
  • ኮረና ከም ዘይብልኩም፣ ዘመልክት ምስክር ንኽህልወኩም ናብ ዝጠልባ ሃገራት ክትገሹ ምስ ትሓስቡ።
  • ኣብ ሆስፒታል ዘደቅስ፣ወይ እውን መጥባሕቲን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ነገራት ጥዕና ጠቀስ ኩነታትእንተለኩም ኮይኑ፣ ወዘተ
እቶም መርመራታት ብ“መስመር ናሶፋሪንጅያል” (ብኣፍንጫ ዝሓልፍ) ወይ ኣብ ዝተወሰኑ ኣጋጣሚታት ብ“ምራቕ” (ኣብ ኣፍ) ይፍጸሙ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት መርመራታት መርመራ ኣለዉ፤
  • le test PCR.ርእሰ-ፈተነ፣ .
  • እቲ ናይ ኣንቲጀን መርመራ፣ .
  • እቲ ናይ ፒሲኣር መርመራ።
ኣገዳሲ!
መጠንቀቕታ፡
እንተደኣ ከቢድ ምልክታት (ሕጽረት ትንፋስ፡ ጸገም ምስትንፋስ፡ ቃንዛ ኣፍልቢ) እንተሃልዩካ፡ መርመራ ኣይትድለ! ብቕልጡፍ ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት (15 ወይ 18 ደውሉ)።

ከመይ ንገብሮ?

1 ይ ኣማራጺ : l’auto-test 'ኦቶ ተስት'

ኦቶ ተስት፣ ማለት ማዕልኻ እትገብሮ ፈተና፣ -(ብኣፍንጫ ዝኣቱ) ኣብ ፋርማሲ ዝግዛእ ኮይኑ (ኣብ መንጎ 3€ ን 5€ ማእከላይ ገምጋም 3,35 € እቲ ክፍሊት ድማ ብ ፣ ሰኩሪቲይ ሶሻል Sécurité Sociale ኣይክፈልን እዩ። ብዘይካ ኣብ ገለ ገለ ኩነታት፣ እቲ ኩነታት ንምርኣይ ኣብዚ ንጠውቕ , sauf dans quelques cas particuliers

እዚ ዓይነት ውጽኢት፣ ቅልጡፍን ህጹጽን ድማ እዩ። ግን ከኣ ውጽኢቱ ምስ ካልኦት ክነጻጸር እንከሎ፣ ድኹም ኮይኑ፣ ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ክረጋገጽ ይከኣል። 'ኦቶ ቴስት'፣ ባዓልኻ ዝግበር መርመራ ኮይኑ፣ ምስክር ወረቐት ድማ ኣየጨብጥን።

2ይ ኣማራጺ antigénique' ኣንቲጀኒክ'

እዚ ብ ኣፍንጫ ዝግበር (ኣፍንጫዊ ) መርመራ፣ ብ ሰብ ሞያ ሕክምና ማለት (ፋርማስያን; ሓካይል; ነርሳት: ደንቲስትን …ወዘተ) ኣብ ሓደ ካቢነ ናይ፣ ማእከል መርመራ፣, ፋርማሲ ፣ ኣብ ሕክምናን ወይ ኣብ ገዛ ክግበር ይከኣል። ውጽኢቱ ድማ ኣብ 15 ደቓይቕ ምርካብ ይከኣል። ብ ኣሹራንስ ማላዲ ድማ ይኽፈል እቲ ኩነታት እዚ ዝስዕብ ምስ ዝኸውን ።

- ዝተኸተበ ሰብ ፣ንናይ ክታበት ሰርቲፊኬ ወረቐት፣ ናይ ትሕቲ 6 ናይ ወርሒ ከቕርብ ምስ ዝኽእል።

ካልእ ምኽንያት፣ ነቲ መርመራ ብ ኣሹራንስ ማላዲ ንምኽፋልል ዝግባእ እንተኾይኑ ንምፍላጥ እንተደኣ ፣ ብ ኣሹራንስ ማለዲ ዘይተኸፊኡልኩም ድማ፣ 20€ እዩ ክፍሊቱ

3ይ ኣማራጺ : መርመራ PCR 'ፒ.ሲ.ኤኽ'

እዚ ዓይነት መርመራ፣ ብ ኣፍንጫ ዝወሃብ ኮይኑ፣ ብ ሰብ ሞያ ጥዕና ጥራይ እዩ ዝግበር፣ ውጽኢቱ ድማ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታታ ዝንጸር መርመራ እዩ። PCR እቲ ጭቡጥ ውጽኢት( ኮቪድ ደልታ ፣ኦሚክሮን ካልኦት ዓ …) ብንጹር ዘርኢ

ክፍሊት ናይ፣ ኣንቲጀኒክ፣ ብ ኣፍንጫ ዝግበር፣ እንተደኣ ብ ኣሹራንስ ማላዲ ዘይተከፊሉ ዋጋ መርመራ፣ ኣርባዓታት ይሮ ክትከፍሉ ኢኹም (43.89 € ብ መሰረት መጋቢት 2022 ዝተደንገገ).

መርመራ ናይ PCR ብሓፈሻ ን ኣፍንጫ ዝውሰድ ኮይኑ ሓደ ሃደ እዋን ብ ጥፍጣፍ ውሰድደሉ ኣጋጣሚ ኣሎ፣ እንተደኣ እቲ ናይ ኣፍንጫ ዘይከኣል ኮይኑ። : ንኣብነት እቲ ቆልዓ ኣዝዩ ንኡስ ኩይኑ/ኮይና። ክፍሊት ናይ ፒሲኢር፣ እንተደኣ ብ ኣሹራንስ ማላዲ ዘይተኸፊልልኩምን፣ እትኸፍልዎ ዋጋ፣ (40.05 € እዩ። ብ 2022 ዝተደንገገ መሰረት).

መርመራ ምራቕ ፒሲኣርtest PCR salivaire. ምግባር እውን ይከኣል እዩ። ብበዓል ሞያ ክንክን ጥዕና ዝካየድ ኮይኑ፡ ናይ ናሶፋሪንጅያ ስዋብ ምውሳድ ኣጸጋሚ ወይ ዘይከኣል ኣብ ዝኾነሉ እዋን (ንኣብነት ንኣዝዮም ንኣሽቱ ህጻናት) ይምከር።

ኦቶ ተስት autotest ንምግባር : ናብ ሓደ ፋርማሲ ብምኻድ ፣ ሓደ ኣብ ገዛ ባዕልኹም እትገብርዎ መመርመሪ ግዝኡ፣ ብዛዕባ ኣጠቓቕምኡ ዝምልከት፣ ብስእሊ ዝተሰነየ ፣ ንኹሉ ተጣቃሚ ብዝጥዕም ኣገባብ ፣ብብዙሕ ቋንቋታት ሐበሬታ ተጻሒፉ ኣሎ።

መርመራ ናይ 'ኣንቲጀን' ከምኡ'ውን 'ፒሲ ኤኽ'PCR ናይ ኣፍንጫ ወይ ናይ ኣፍ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ብዙሕ ኣማራጺታት ኣለኩም:

> ኣብ ጥቓኹም ዝርከቡ መመርመሪ ነቑጣታት ዝርዝር ርኸቡ፣ ንኣብነት ኣብዚ ሳይት እዚ ብምኻድ።.Sante.fr. ኣስተውዕሉ! ኣብ ገሊኤን መመምርመሪ ነቑጣታት ቅድሚ ምኻድኩም፣ ብዝተፈላላየ መልክዕ ምስኦም ርክብ ክትገብሩ ይምረጽ።

> ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ቆጸራ ሓዙ : ከም እኒ ፋርማሲ :ሕክምና: … እቲ ቆጸራ፣ ብ ቴለፎን ወይ ብ ኢንተርኔት ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ( ንኣብነት እቲ ፣ ዝርዝራት ኣብ እዚ ፕላት-ፎርም ኣለኩም Doctolib ).

ንዝኾነ ከተረጋግጽዎ እትደልዩ ሓበሬታ እንተሎ፣ ንሓኪምኩም ወይ'ውን ፣ ን ኣብ እከባቢኹም ዝርከብ ሰብ ካብ ምሕታት ንድሕሪት ኣይትበሉ።

ኣብ ኣዋን መርመራ፣ ምስ ማስክን፣ ካርድ ቪታልን ንኹነታት መሰልኩም ዝገልጽ ሕክምናንዊ መሰነይታን ወረቐትን ሒዝኩም ምጹ፣ነቲ መርመራ ዘይትኸፍልሉ እንተዄንኩም።

እንተደኣ እቲ ምልክታት እንተተሻቒልኩምን ዘይሓሸኩምን፡ ንሓኪምካ ደዊልኩም ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ቀዳማይ ኣማራጺ : ድሕሪ መርመራ 'ናይ ኦቶ ቴስት'

  • እቲ ውጽኢት ነጋቲቭ እንተኮይኑ፣ እሞ ምልክታት እንተሃልይኩም ፣ ኩነታትኩም ብጥንቃቐ ተኸታተሉ ፣ እንተድኣ ተጠራጢርኩም ፣ ካልኣይ መርመራ ድሕሪ ገለ መዓልታት ግበሩ።
  • ውጽኢትኩም ነጋቲፍ ወይ ኣሉታ እንተ ኾይኑ፣ ካልእ መርመራ ናይ 'ኣንቲጀኒክ' antigénique ወይ 'ፒሲኤኽ' PCR ብምግባር፣ ን ኣስራሒኹም ዝኸውን ፣ ዝተረጋገጸ፣ መሰንይታ ወረቐት ብዛዕባ ምሕማምኩም ኣቕርቡ።

ካልኣይ ኣማራጺ መርመራ ናይ 'ኣንቲጀኒክን' antigénique ወይ 'ፒሲኢኽ' PCR

ሰብቲ ሞያ ፣ ውጽኢትኩም ብ QR ኮድ :ዘለዎ ሰርቲፊኬት ይህብኹም።

- ኣብ ወረቐት ዝተሓትመሽዑ ሽዑ፣ (እዚ መስርሕ'ዚ ዝተመርጸሉ እንተደኣ ፣ ቁጽሪ ቴለፎን ወይ'ውን ኢመይል ዘይብልኩም ምስ እትኾኑ'ዩ። )

- እንተድኣ'ቲ SIDEP.ናይ ኢንተርኔት ሳይት፣ ዳውንሎድ እንተኴርኩሞ ብ ኣኣብ ቴለፎንኩም፣ SMS ይዝመጸኩም ፣መልእኽቲ ብምጥዋቕ፣ ዘሎ ሊንክ ተሰኒኹም፣ ብምኻድ ካብኡ እትረኽብዎ ሓበሬታ ብምምላእ። ነቲ ሰርትፍኬት ብመልክዕ PDF. ክትሕዝዎ ትኽእሉ ኢኹም።

እንተደኣ ውጽኢት 'ነጋቲፍ' ወይ ኣሉታ ኮይኑ፣ ዘለውኹም ምልክታት ተኸታተልዎ ምቕጻሎምን ዘይምቕጻሎም ኣስተውዕሉ።

እንተደኣ ውጽኢት ፖስቲቭ ወይ ኣወንታ ኮይኑ፣ እንተይ ክትገብሩ ከም ዝግባእ ፣ ነዚ ዝስዕብ መስርዓት ተዓዘቡ።

እንተደኣ እቲ ምልክታት እንተተሻቒልኩምን ዘይሓሸኩምን፡ ንሓኪምካ ደዊልኩም ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ላዕሊ ገጽ

14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
anastasia dudkoanastasia dudkoተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
mariammariamተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
gitorogitoroተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
ok.dudula@gmail.comok.dudula@gmail.comተርጓሚ/ሚት
bioprofesseurbioprofesseurተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት