Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምልጋስ ደምን መስርሑን

Comité de la Démarche Accessibleኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 3 mois

እዚ ተግባር ማለት ፣ደም ምሃብ ኣብ ፈረንሳ ንሓያሎ ኣሽሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንምሕካም ዘኽእል ወለንታዊን ግብረ ሰናይን ተግባር እዩ። ድሌታት መዓልታዊ ኮይኑ ዓመት ዓመት ይውስኽ። ደም ምሃብ ን ወሃቢ ዘስዕበሉ ሕማቕ ሳዕቤን የለን። ስለዚ ንገለ ሕማማት ንምፍዋስ ደም ምልጋስ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ደም ምልጋስ ንህጹጽ ረድኤት፡ መጥባሕቲ ዝገብሩ ሰባት፡ ሕማማት ደም፡ መንሽሮ ወዘተ ንምሕጋዝ ጠቓሚ እዩ።

መብዛሕትኦም ጥዑያት ሰባት ደም ክልግሱ ይኽእሉ፣ ምስ ኩነታት (ስጉምቲ 1 ርአ)። ደም ምልጋስ ኣብ ሓጺር ግዜ ንብዙሓት ሰባት ክሕግዝ ዝኽእል ብወለንታውን ገባሪ ሰናይ ተግባር እዩ። 

L'Établissement français du sang (l’EFS) ኣብ መላእ ፈረንሳ ኣብ ምሉእ ዓመት ናይ ደም ምልውዋጥ ዘሎ ተኽእሎታት የርኢ ። ምእካብ ወይ ቀዋሚ (ሆስፒታላት፡ ማእከላት ወፈያ) ወይ ተንቀሳቓሲ (ጋንታታት EFS ናብ ከተማታት፡ ትካላት ንግዲ ወዘተ ይገብራ)።

ምፍላጥ ዘድሊ
ኣብ መርበብ ሓበሬታን ኣብ እዋን ቆጸራን ንዝቐርቡ ሕቶታት ንምርዳእ እንተወሓደ ደረጃ B2 ቋንቋ ፈረንሳ ምርዳእ የድሊ

ከመይ ንገብሮ?

እንተደኣ ኩነታትኩም ምስ ወፈያ ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ንምፍላጥ፡ ነቲ ብኢንተርነት ዝቐርብ መሕተቲ ንምምላስ ኣብዚ ጠውቕ። cliquez ici ነቲ መሕተቲ ብኢንተርነት ንምምላስ።

ዕድመ፣ ክብደት ሰብነት፣ ሕማማትን ናይ ጥዕና ጸገማትን፣ ኣነባብራ፣ ዝተጓዓዝካለን ሃገራት ምፍታሽ የድሊ። ነዞም ዝስዕቡ ምሳሌታት ተወከሱ situations médicales ኣየናይ ዓይነት ደም ምስ ኣየናይ ከም ዝሰማማዕ 

  • መድሃኒት ጸረ-ነፍሳት ምውሳድ (ንትሕቲ 14 መዓልታት ዝቕጽል ወይ ደው ዝበለ ምስ ዝኸውን )።
  • ረኽሲ ወይ ሰዓል ልዕሊ 38°C ትሕቲ 2 ሰሙን ምስ ዝሓልፍ ።
  • ካብ እትኽተቡ ትሕቲ 4 ሰሙን ምስ ዝኸውን ።
  • ንጡፋት ብደም ዝመሓላለፉ ረኽስታት (ሲፊሊስ፡ ረኽሲ ኤችኣይቪ ወዘተ)

ደም ክትልግሱ ከም እትኽእሉ ርግጸኛታት እንተኾይንኩም ግድን፤

  • ኣብዚ ኢንተርኔት ሳይት ምእታው site internet
  • ኣብ ማእከል ኣብ ዘሎ ናይ ምድላይ መስመር ጠውቕ
  • ከተማኻ ወይ ፖስታ ኮድካ ጽሓፍ
  • ኣብእቲ "PRENDRE RENDEZ-VOUS"ዝብል ጠውቑ
  • ስዒብኩም ድማ ኣብ “don de sang” ጠውቑ
  • ዕለትን ቦታን ምረጹ
  • ኣብዚ ጠውዑ "PRENDRE RENDEZ-VOUS".
ነቲ መዐቀኒታት እንተ ኣማሊእኩሞ፡ ካርታ ይመጽእ እዩ። ድሕሪኡ ኣብ ፖስት ኮድኩም ተመርኲስኩም ናይ ምእካብ ቦታኻ ክትመርጽ ትኽእሉ ኢኹም።
ምፍላጡ ዘገድስ ኣብ ፈረንሳ ልዕሊ 100 መእከቢ ነቑጣታት ኣለዉ።

ነቲ ቆጸራ ንምርግጋጽ፡ ናትካ ክትጽሕፍ ኣለካ፤

  • ብኢመይል
  • ቁጽሪ ቴለፎን
  • ስም
  • ስምኣቦ
  • ዕለተ ልደት
  • ትካልወይ ቤት ትምህርቲ ወይ ገዛውቲ(ከተማ)፣ ምምዝጋብ ግዴታ ኣይኮነን።

  1. እንግዶትን ምዝገባን።

ቅድሚ ቆጸራ ማይ ምብላዕን ምስታይን ይምከር፡ ስብሕን ኣልኮላዊ መስተ ካብ ምውሳድ ግን ምቑጣብ።ኣብቲ ናይ ቆጸራ ግዜ፡ ጉጅለ

EFS ብሓጎስ ክቕበለካ፡ መንነትኩም (ፓስፖርት፡ መንበሪ ፍቓድ ወዘተ) ክምርምር እዩ፡ ፋይልኩም ክምዝግብ፡ ክትመልኦ ድማ መሕተቲ ጽሑፍ ክህበኩም እዩ። እቶም ሕቶታት ምስቲ ኣብ ደረጃ 1 ዘሎ ናይ ኦንላይን መሕተቲ ጽሑፍ ሓደ እዮም።

ኣዝዩ ዘገድስ ሓበሬታ
ሕቶታት ብቕንዕና ምምላስ ኣገዳሲ እዩ።
ንምርዳእ ወይ ንምምላስ እንተተጸጊምኩም፡ ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ሰብ ሞያሞያ EFS ሓገዝ ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም።

2.ቅድሚ ወፈያ ምግባር ሕክምናዊ ቃለ መሕትት ምግባር።

ሓኪም ምስጢራዊ ቃለ መሕትት ምሳኻ ክራኸብ እዩ: ኩሉ ሓበሬታ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎኡን እዩ ዝጸንሕ።
ነቲ ዝመልእካዮ መሕተቲ ጽሑፍ ብምግምጋም፡ ኩነታትኩም ደም ክትልግስ ከም ዘኽእለኩም ንምርግጋጽ ሕቶታት ክሓተተኩም እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ ዕላማ ናይቲ መሕተቲን ሕክምናዊ ቃለ መሕትትን ንዓኹም ይኹን ነቲ ደምኩም ዝቕበል ሰብ ሓደጋ ጥዕና ከምዘየለ ንምፍላጥ ዝዓለመ እዩ።

3. ምሃብ

ነዚ ንምስላጥ ሓደ ወይ ሓንቲ ነርስ ብምባል ነቲ ስጉምትታት ክትገልጸልኩም እያ። ከከም መስርሕ ኣስታት 10 ደቓይቕ ይጸንሕ። ጽሩይ፡ ንሓደ ግዜ ጥራይ ዝጥቀሙ መሳርሒታት ተጠቒሞም ደምካ ክስሕቡን ኣብ ደምኩም ዘሎ መጠን ሓጺን ክዕቅኑን እውን እዮም።

4. ዕረፍቲን ሽኮራዊ ነገር ምውሳድ። ድሕሪ ወፈያኹም፡ ጉጅለ EFS ባትሪኹም ንምምላእ ምቁር መግቢ (ኬክ፡ ጽማቝ ኣራንሺ ወዘተ) ከቕርበልኩም እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ምስቶም ሰብ ሞያን ካልኦት ወፈያ ዝገበሩ ሰባትን ክትዕልል ዕድል ክህልወኩምን እዩ።
ቅድሚ ምኻድኩም ቁሩብ ክትጽበዩን ድሕሪ እቲ ወፈያ ምኽያዱ ከተዕርፉን ይምከር።

ኣዝዩ ዘገድስ ሓበሬታ
ደም ምልጋስ ብድምር ብማእከላይ ገምጋም 1 ሰዓት ይወስድ። ኣብ ውሽጢ 1 ሰዓት 3 ህይወት ከተድሕኑ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታትኩም ኣገዳሲ ሓበሬታ ምሃብ እንተረሲዕካ ወይ ድሕሪ ምልጋስ እንተሓሚምኩም፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታትን ድሕሪኡ ክሳብ 15 መዓልታትን ምስ EFS ክትራኸብ ድሕር ኣይትበል።

ድሕሪ ወፈያኹም፡ ናይ ምልጋስ ሰነዳት ምሕታት ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ

ብድሕሪኡ’ከ ?

  • ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዓመት እንተበዝሐ 6 ግዜ ደም ክልግሱ ይኽእሉ
  • ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓመት እንተበዝሐ 4 ግዜ ደም ክልግሳ ይኽእላ እየን።
ኣገዳሲ!ምፍላጡ ኣገዳሲ!: ኣብ መንጎ ክልተ ደም ምልጋስ ናይ 8 ሰሙን ናይ ምጽባይ ግዜ ኣሎ።

ፕላዝማ ወይ ፕላትለታት ምልጋስ እውን ይከኣል እዩ። ንዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱ don de plasma ወይ don de plaquettes.

ደም ምልጋስ ኣገዳሲ እዩ ኢልኩም እንተሓሲብኩም፡ብወለንታ ክትልግሱ ትኽእል ኢኻ፤

• ፈተውትኻ፡ ቤተሰብካ፡ መሳርሕትኻ ደም ንኽልግሱ ኣተባብዕ

• ብዛዕባ ተመኩሮኻ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝራብ

• ኣብ ሓደ መእከቢ ቦታ ወለንተኛ bénévole ምዃን ፡ ዋላ ንውሑዳት ሰዓታት ወይ ንውሑዳት መዓልታት

• ኣብዚ ብምጥዋቕ représentant régional de l’EFS. ዞባዊ ወኪል EFS ርክብ ግበሩ።

14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
xavidumxavidumምምሕዳር
noornoorተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
nounouተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
gitorogitoroተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
basheer al ghothanibasheer al ghothaniተርጓሚ/ሚት

Liens utiles