Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምርካብ ሓገዝ፣ ን ናይ ምሕደራዊ ወረቓቕቲ ኣብ ጥቓኹም ምስ ዘሎ ሓገዝ ወሃቢ ትካል

ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ 3 дні тому

ማእከላት ኣገልግሎት ፈረንሳ ብዛዕባ ምምሕዳራዊ ኣገባባት ሕቶታት ክትሓቱሉን ብነጻ ሓገዝ ክትረኽቡሉን እትኽእሉ ህዝባዊ ቦታታት እዮም።

ኣብ መላእ ፈረንሳ ማእከላት ኣገልግሎት ፈረንሳ ንዘለዋ ፡ ኣማኸርቲ ድማ ንኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት

  • ንምኽኣል ምግላጽ ንጸገምኩ ንምፍታሕ ዝሕግዙ ስጉምትታት
  • ምርካብ ምልላይ ክትረኽቦም ዘለካ ምምሕዳራት ወይ ኣገልግሎታት
  • ከምኡውን ምኻኣል ክትሰዶም ዘለካ ሰነዳት ዘርዝር ኣፍልጦ ምህላው
ምፍላጡ ዘገድስ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማእከል ኣገልግሎት ፈረንሳ፡ ኣብ ኢንተርነት ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣገባባት ንምፍጻም ብናጽነት ክትጥቀመለን እትኽእል ኮምፒዩተራት ኣለዋ።

ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤

  • ንምሕባር ኣታዊኻ ኣወጅ፣ ግብሪ ብኢንተርነት ምኽፋል፣ መርበብ ሓበሬታ Impots.gouv.fr ተረዳእ...
  • ምእንቲ ምምዝጋብ ናይ ፈረንሳ ትራቫይል ትካል ድለዩን፣ ሲቪ ፍጠሩ...
    ርብዒ ዓመት ዲክላሬሽን
  • ምእኝቲ ንምምዝጋብ CAF app ተጠቐሙ፣ ን RSA ኣመልክቱ...
  • ከምኡውን ቅድሚ ምውላድን ድሕሪ ምውላድን ቆልዓ ክትወስዶም ዘለካ ስጉምትታት ፍለጥ
  • ንሕበሬታ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ምዝገባ ተሽከርካሪቲን ኣመልክት ወይ ከተሐድሱ ክትክእሉ
  • ናይ ጥዕና መድሕን ካርድ ከመይ ጌርኩም ከም እትረክብን ከም እትጥቀመሉን ምርዳእ፣ ንሕክምናዊ ክንክን ምምላስ ገንዘብ ምሕታት፣ ናይ ameli
  • መርበብ ሓበሬታን ኣፕን ምጥቃም ሰብ ሞያ ሕጊ (ጠበቓታት፡ ኖታሪታት፡ ዋሕስ) ድለዩ
    ንጡረታኻ ተዳሎ
    ኣብ ገዛኻ ስራሕ ንምፍጻም (ሬኖቭ ቦነስ (prime Rénov) ) ወይ ንኤሌክትሪክ ንምኽፋል (ናይ ጸዓት ቫውቸር) ገንዘባዊ ሓገዝ ብቑዕ እንተኾንካ ፍለጥ
ምፍላጡ ዘገድስ ማእከላት ኣገልግሎት ፈረንሳ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወጻእተኛታት ኣብ ፈረንሳ (ANEF) ንሰነዳትኩም (መንበሪ ፍቓድ፡ ሰነድ መገሻ፡ ዜግነት ፈረንሳ...) ብዝምልከት ምምሕዳራዊ ኣገባባት ክሕግዙኹም ከምዘይክእሉ ኣስተውዕሉ። ብዛዕባ ኣገባባት ANEF Étrangers en France (ANEF) pour vos papiers (carte de séjour, titre de voyage, nationalité française…). ሕቶታት እንተሃልዩኩም፡ ኣብ ክፍልኹም ኣብ ዝርከብ ዲጂታላዊ መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ኣብ ፕረፈክቸር ወይ ንኡስ ፕረፈክቸር ቆጸራ ክትሕዙ ኣለኩም።

ከመይ ንገብሮ?

ኣድራሻ፡ ኢመይልን ቁጽሪ ተሌፎንን ናይ ሓደ ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ማእከል ኣገልግሎት ፈረንሳ ንምርካብ፤

1. ኣብ እዚ መርበብ ሓበሬታ https://www.france-services.gouv.fr

2.ኣድራሻኹም፡ ፖስታ ኮድካ ወይ ስም ከተማኹም ጽሓፉ።

3. ኣብዚ ብምጥዋቕ "Me Localiser" ን ምጥቃም GPS ከኣሉ

4. ኣብ ኣገልግሎት ርኽቡ"Rechercher une France Services"

5. ከምኡውን "Affiner les résultats" ን :
-- ናይ ምኽፋት መዓልታት ምረጹ
- ንቆጸራታት ዝኸውን ኣድራሻታት ምርኣይ ይከኣል እዩ።

ኣዝዩ ምፍላጡ ዘገድስ ማእከላት ኣገልግሎት ፈረንሳ ብዘይ ቆጸራ ክፉታት እዮም፡ እንተኾነ ግን ቀልጢፍኩም ምስ ኣማኻሪ ምርኻብካ ንምርግጋጽን ካብ ምጽባይ ንምቑጣብን ኣቐዲምኩም ቆጸራ ምሓዝ ሕጂ’ውን ከምኡ ልግባር ይምከር።

ሓያሎ ማእከላት ኣገልግሎት ፈረንሳ ኣሎና፤

  • ቀዋሚ ናይ መቐበሊ ቦታና
  • ምስ ካልእ ምምሕዳር ከም ፖስታ ቤት ወይ ኣዳራሽ ከተማ ዝካፈለሉ ቦታ ቦታ
  • ተንቀሳቓሲት ጉጅለ፣ ናብ ሓያሎ ከተማታት እትጓዓዝ (ኣድራሻን ዕለታትን ዑደትክ ናብ ገዛኹም ብምምጻእወዘተ ክካየድ ይከኣል)።

ኣብታ ቆጸራኹም እትሓዙላ መዓልቲ፡ ነቲ መስርሕ ምስ ኣማኻሪ ንከጣጥሓልኩም ዘድልዩ ሰነዳት ምሳኹም ሒዝኩም ክትመጹ ኣይትረስዑ፤

  • ስም ተጠቃሚን (récépissé, carte de séjour) ተሲራ ክከውን ይኽእል
  • መለልዪ ሓሳብ ናይ እትኸፍትዎ ኢልንተርኔታዊ ኣገልግሎት ምስ ፓስዎርዱ
  • ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነት፡numéro de sécurité sociale, ቁጽሪ ፈረንሳ ትራቫይል፡ ቁጽሪ ተጠቃሚ CAF...
  • ደብዳቤታት ወይ ኢመይላት ዝመጸኩም
  • ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምግምጋም avis d’imposition d ግብሪ
  • ሲቪኻ ኣብ ዩኤስቢ CV ሓደ ሜሞሪ ካርድ USB ድራይቭ
  • ናይ ክፍሊት ስሊፕ. ናይ ደሞዝ..

ኩሉ ሕቶታትካ ነቲ ኣማኻሪ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ቃለ መሕትት ምስጢራዊ (እቲ ሓበሬታ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎኡን ይጸንሕ) ከምኡ’ውን ውልቃዊ (ንውልቃዊ ኩነታትኩም ዝሰማማዕ መልሲ ይህበኩም) እዩ።

እቲ ኣማኻሪ ኣብ ርእሲ እቲ ጸገምኩም ምፍታሕን ኣብቲ መስርሕ ምሕጋዝን ብተወሳኺ ኣብ፤

  • ንገንዘባዊ ሓገዝ ብቑዕ ምዃንካ ንምርግጋጽ እንተኮይንኩም ፈተነ ኣካይዱ፤
  • ካብ ኢንተርነት ሰነድ ኣውሪድካ ምሕታም፤ ኮምፒተር ከመይ ጌርና ከም እንጥቀም ተማሃር፣
  • ኣብ ስልክና ኣፕ ኣውርድ፣ ኢመይል ኣድራሻ ንፈጥር... ወዘተ፤
  • ናብ ካልእ ግቡእ ኣገልግሎት ብምውካስ ንዝተሓላለኸ ኩነታት መፍትሒታት ምርካብ።

ኣብ ማእከላት ኣገልግሎት ፈረንሳ ክግበሩ ዝኽእሉ ኣገባባት ዝርዝር ይርአ en cliquant ici

ብድሕሪኡ’ከ ?

ድሕሪ ቆጸራ ምሓዝኩም፡ ብሓገዝ ኣማኻሪ ይኹን ብዘይ ሓገዝ ካልእ ስጉምቲ ክትፍጽም ክትምለስ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ዝኾነ ማእከል ኣገልግሎት ፈረንሳ፡ ኣብ ጥቓ ገዛኻ፡ ኣብ ስራሕ ቦታኻ፡ ቤት ትምህርቲ ደቅኹም፡ ገዛ ኣባል ስድራቤት ወዘተ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዝኾነ ኣማኻሪ ኣገልግሎት ፈረንሳ ንዘይኮነ ሰብ (ብዘይካ ማሕበራዊ ሰራሕተኛሃጋዚኹም ወይ ሓጋዚትኩም ) ስም ተጠቃሚኻ፡ ፓስዎርድካ፡ ምስጢራዊ ኮድካ ወይ ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነትካ ፈጺምካ ኣይትሃቦ።

ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ maisons France Services ምስ እትደሉ ኣብዚ ici, ኣለውኹም ፣ ከምኡውን ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ምስ እትደልዩ ኣብዚ ኣለኩም

14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • marina bondarenkoተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • omar kokachተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_2134382ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • kerrianተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • anastasiaተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት

Liens utiles