ናብ መበቆል ሃገሩ ምጉዓዝ

ናብ መበቆል ሃገሩ ምጉዓዝ

መጨርሽታ ጊዜ ምሕዳስ6 juil. 2021

እንታይ ኢዩ?

ብመትከል ስደተኛ ብምዃንካ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣይፍቀደልካን እዩ። ኣብ ሃገርካ ሓደጋ ኣሎ ብዝብል መሰረት ዓለም ለኸ ሓለዋ ምሃብ።

ይኹን እምበር ፡ ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት ምስ ዘጋጥም ( i.e. ፍሉይን ግድን ዝኾነ ምኽንያት፡ ከም ኣብ ስድራቤት ሞት ወይ ኣብ ስድራቤትካ ዝሓመመ ሰብ ) ፡ "ውሑስ ኣካይዳ" ክወሃብ ይኽእል። እዚ ኣብ መበቆል ሃገርካ ክትጸንሕ ወይ ክትጓዓዝ ዘኽእለካ ሰነድ እዩ።

ንምርካብ ድማ፡ ኣገልግሎት ፕረፈክቸርን ኦፍፕራን ናብ ሃገርካ ክትምለስ ከለኻ እትወስዶም ሓደጋታት ንኽዕቅኑ፡ ሕቶ ናብቲ ፕረፈክቸር ክለኣኽ ኣለዎ።

ተጠንቀቕ!

ንሰበስልጣን ፈረንሳ ብዛዕባ መገሻኻ ዘይምሕባር፡ ናይ ስደተኛነት ደረጃ ክትስእን ክገብረካ ይኽእል እዩ።

ንመን ኢዩ ፧

ቦታ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ብዘይ እዚ ብፍጹም ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ
ታሴራ ፣ ወይ    ቲትኽ ዱ ሱጁኽ
ቦታ

ዕለት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጻኽም\ሉ\ላ ወይ ዝኣተኽም\ሉ\ላ

ብዘይ እዚ ብፍጹም ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ
ታሴራ ፣ ወይ    ቲትኽ ዱ ሱጁኽ

ብኸመይ ይኸውን

1

ዘገድድ ምኽንያት ይሃልኻ

እቲ "ውሑስ ኣካይዳ" (ማለት ናብቲ መበቆል ሃገርካ ክትገይሽ ዝፈቕደልካ ሰነድ) ኣብ ኣዝዩ ሳሕቲ ዝፍቀድ እዩ።

ስለዚ ንሕቶኻ ዘገድድ ምኽንያት ክህልወካ ኣለዎ።

ኣብነታት፡ ቀብሪ ሓደ ኣባል ስድራቤት፡ ሕሙም ኣባል ስድራቤት፡ ፍታሕ ምምሕዳራዊ ኣገባባት (ፍትሕ፡ ውርሻ ወዘተ)

2

ካብ ፕረፈክቸር ውሑስ-ኣካይዳ ምሕታት

እቲ ሕቶ ውሑስ ኣካይዳ ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ፕረፈክቸር እዩ ዝቐርብ። ክትክተልዎ ዘለኩም ኣገባብ (ምቕባል፣ ቆጸራ ምውሳድ፣ ዝርዝር ናይ ክወሃቡ ዘለዎም ሰነዳት ወዘተ) ንምርካብ ምስ ኣገልግሎታት ፕረፈክቸር ክትራኸቡ ከድልየኩም እዩ።

ምፍላጡ ዝገድስ!

: እቲ ንውሑስ ኣካይዳ ዝምልከት ሕቶ በብጉዳዩ ይጽናዕ።

ሰነዳት ናብ ፕረፈክቸር ክለኣኹ ይግባእ፤

ሕጋዊ ዕድመ እንተሃልዩካ፡ ክትህብ ከድልየካ እዩ፤

- ምኽንያታት ናይቲ ውሑስ-ኣካይዳ ሕቶን ዝተወጠነ መገሻን ዝገልጽ ናይ ድርኺት ደብዳበ። ዝኾነ ነቲ ጉዕዞ ዘመኽንይ ሰነድ (ናይ ሞት ምስክር ወረቐት፣ ናይ ሆስፒታል ምስክር ወረቐት ወዘተ) ፣ ቅዳሕ ናይ ነፋሪት ትኬትካ፣ ናይ መንበሪ ቦታ ምሕዛዝ ወዘተ ከተተሓሕዙ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ እዋን ጉዕዞኻ እትሓልፈለን ናይ መተሓላለፊ ሃገራት ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ።

- ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድካ።

- ናይ ስደተኛታት መገሻ ሰነድካ።

- ናይ ኣድራሻ መረጋገፂ (ናይ ኢዲኤፍ ቅብሊት፣ ናይ ሞባይል ቴሌፎን ሕሳብ ወዘተ) ወይ ድማ ቅድሚ 3 ወርሒ ትኽክለኛነት ናይቲ ሰነድ ምዝዛሙ ዝሰርሕ ናይ ኣድራሻ ምስክር ወረቐት።

- ናብ መበቆል ሃገርካ እንተተመሊስካ ዘጋጥመካ ሓደጋታት ምግምጋም ናትካ ስራሕ ምዃኑ እቲ ፕረፈክቸር ከም ዝሓበረካ ዝገልጽ ቃለ መሓላ።

- 3 ናይ ፓስፖርት ስእልታት (ቅድሚትን ጥራይ ርእስን)።

- ናይ እቶት ማሕተም።

ትሕቲ ዕድመ እንተኾንካ፡ ክትህብ ከድልየካ እዩ፤

- ምኽንያታት ናይቲ ውሑስ-ኣካይዳ ሕቶን ዝተወጠነ መገሻን ዝገልጽ ናይ ድርኺት ደብዳበ። ዝኾነ ነቲ ጉዕዞ ዘመኽንይ ሰነድ (ናይ ሞት ምስክር ወረቐት፣ ናይ ሆስፒታል ምስክር ወረቐት ወዘተ) ፣ ቅዳሕ ናይ ነፋሪት ትኬትካ፣ ናይ መንበሪ ቦታ ምሕዛዝ ወዘተ ከተተሓሕዙ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ እዋን ጉዕዞ እተን መተሓላለፊ ሃገራት ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ።

- ናይ ክልቲኦም ወለዲ መንበሪ ፍቓድ።

- ናይቲ ህጻን ናይ ስደተኛ መገሻ ሰነድ።

- ናይቲ ህጻን ሪፓብሊካዊ መንነት ሰነድ (TIR) ወይ ናይ ዑደት ሰነድ (DCEM) እንተሃልይዎ።

- ናይ ኣድራሻ መረጋገፂ (ናይ ኢዲኤፍ ቅብሊት፣ ናይ ሞባይል ቴሌፎን ሕሳብ ወዘተ) ወይ ድማ ቅድሚ 3 ወርሒ ትኽክለኛነት ናይቲ ሰነድ ምዝዛሙ ዝሰርሕ ናይ ኣድራሻ ምስክር ወረቐት።

- ናብ መበቆል ሃገርካ እንተተመሊስካ ዘጋጥመካ ሓደጋታት ምግምጋም ናትካ ስራሕ ምዃኑ እቲ ፕረፈክቸር ከም ዝሓበረካ ዝገልጽ ቃለ መሓላ።

- ናይቲ ህጻን ናይ ቀረባ እዋን ምሉእ ምስክር ወረቐት ልደት።

- እቲ ናይ ኦፍፕራ ምምሕዳራዊ ምስክር ወረቐት።

- 3 ናይ ፓስፖርት ስእልታት (ቅድሚትን ጥራይ ርእስን)።

- ናይ ግብሪ ማሕተም።

3

ናይ መመልከቲ መስርሕ ግዜ

ሰነዳትካ ድሕሪ ምቕራብካ (ናይ ድርኺት ደብዳበ፣ ነቲ ዘገድድ ምኽንያት ዘመኽንዩ ሰነዳት፣ ናይ ቃለ መሓላ መግለጺ፣ ናይ ግብሪ ማሕተምን ናይ መንነት ስእልታትን)፣ ኣገልግሎታት ኣውራጃ ንሕቶኻ ንኽውስኑ እንተወሓደ ናይ ሓደ ወርሒ ናይ መምርሒ ግዜ ከድሊ እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ!: መመልከቲኹም ኣብ እተቕርቡሉ እዋን ብዛዕባ እዚ ናይ መወዳእታ ግዜ ዝርዝር ሓበሬታ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

4

ፓስካ ውሰድ

ሕቶኹም እንተተፈቒዱ፡ ናይ መንበሪ ካርድኹም፡ TIR/ DCEM ን ናይ መገሻ ሰነዳትኩምን ንውሑስ ኣካይዳ ክትቅይሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ነዚ ንምግባር ድማ ብውልቅኻ (ትሕቲ ዕድመ ብኽልቲኦም ወለዲ ተሰንዩ) ናብቲ ፕረፈክቸር ከተቕርብ ኣለካ። እቲ ውዕላትን ቅጥዕታትን በዞም ዳሕረዎት ክሕብረኩም እዩ።

ብድሕሪኡ ዝቅጽል

ናብ ፈረንሳ ምስ ተመለስካ

ናብ ፈረንሳ ምስ ተመለስካ፡ ቅዳሕ ናይቲ ውሑስ-ኣካይዳኻ ሒዝካ ናብቲ ፕረፈክቸር ክትከይድ ትኽእል ኢኻ፡ መንበሪ ፍቓድካን ሰነዳትካን ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ሃገርካ ንሓዋሩ ክትምለስ እንተደሊኻ

ስደተኛነት ዝወሃብ ኣብ ሃገርካ ሓደጋ ኣሎ ብዝብል ምኽንያት እዩ። ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ ማለት እቲ ኩነታት ክቕየር ተኽእሎ ከምዘሎን እቲ ሓደጋ ድሕሪ ደጊም ከምዘየለን ማለት ክኸውን ይኽእል።

ንሓዋሩ ናብ ሃገርካ ክትምለስ እንተደሊኻ ፡ እዚ ዝከኣል እዩ። እዚ ምምላስ ብ OFII ዝተወደበ እዩ: "Voluntary return" ይበሃል።

ምፍላቱ ዘገድስ! : ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ "ወለንታዊ ምምላስ" ፡ ነዚ ገጽ ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቤሬታት ረኺብኩም ዶ ?
ኣምስግኖም ነቶም ንዓኻ ኣብርክቶ ዝገበሩ ኣብ ተሳትፍኦም
58 🙏
ኣበርከቲ ዓድም
12እዛ ገጽ ጹቡቅ ጌርካ ኣጽናዓያ መታን ን ሕቶታት ምምላጽስ ክትጠቅመካ
Proposé par
Comité de la Démarche Accessible

Comité de la Démarche Accessible