ምፍራም ንምጽማድ ከም PACS ፓክሰ ወይ ኣብ ፈረንሳ
ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 moisእቲ PACS (pacte civil de solidarité) ኣብ መንጎ ክልተ እኹላት ሰባት ብሓባር ውየ ናይ ጽምዲ ህይወቶም ንምውዳብ ዝግበር ውዕል እዩ።
እቲ ፓክ PACS ዝበሃል እንታይ እዩ ዘጠቓልል :
- .ከም ኩሉ ሓዳር ምስ ሓደንሓንቲን ጥራይ እዩ ዝፍቀድንፍልይ ቃል ኪዳን ድማ ይበሃል።
- ካብ እቲ ሓዳር፣ ካብ መርዓ ብዝቐለለ ንላዕሊ ንምውዳእ ይከኣል፣ .
- ካብ ሓቢርኩም ምንባር (ብዘይ ውዕል ብሓባር ምንባር ጥራይ) ካልእ ብዙሕ ናይ ሓባር ጉዳያት ስለ ዘየጠቓልል፣ ዝያዳ ፍኹስ ዝበለ መሰላት ይህብ።
ክልተ ሰባት ሲቪላዊ ሽርክነት ክፈርሙ ከለዉ፡ ስድራቤት ይፈጥሩ። ሲቪላዊ ሽርክነት ምፍራም ብነጻ ኮይኑ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ PACS(ወይ ኣብ ኤምባሲ፡ ቆንስል ወይ ኖታሪ፤ እዚ ናይ ሓበሬታ ወረቐት ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ዝግበር መስርሕ ይገልጽ) ክግበር ይከኣል።
ጽቡቕ ጎኒ ናይ du PACS
- ናይ Impôts : ሓደ ኣዋጅ ጥራይ ምስ ኣታዊ ክልቲኦም ሰባት ክግበር ይከኣል፣ እዚ መለት ናይ ክልቴኩም ብሓባር ምግባር ኣይትግደዱን ኢኹም
- ከምኡውን ማሕበራዊ ድሕነት (መድሕን ጥዕና)ን ሓድሕዳዊ መድሕንን: ክልቲኦም ሰባት ኣብ ሓደ ውዕል ክኾኑ ተኽእሎ (ሓደ ካብቶም መሻርኽቲ ካብ ሽፋን ማሕበራዊ ድሕነትን ሓድሕዳዊ መድሕንን ተጠቃሚ ክኸውን ይኽእል)
- .ምምሕዳራዊ ኣገባባት፡ ንኽልቲኦም ሰባት ተመሳሳሊ ኩነታት (ሲቪላዊ ሽርክነት)፡ ሓደ ዓይነት ኣድራሻ፡ ቀሊል ስሌት ኣታዊ ስድራቤት (ንማሕበራዊ ሓገዝ ንኣብነት)።
ነቲ PACS ዝበሃል ውዕል ምፍራም እንታይ እዩ ጠቕሙ
እንተደኣ PACS,ክትፍርሙ ኮይንኩም እዚ ዝስዕብ ኩነታት ክማላእ ኣለዎ :
- ናይ ሓባር መንበሪ ክህልዎም (ኣብ ሓደ ቦታ ብሓባር ምንባር)
- ኣብ መበቆል ሃገር ዓቢ ሰብ ክኸውንን ድሮ ተመርዕዩ ወይ ኣብ ሲቪላዊ ሽርክነት ዘይነበረን።
- ቀጥታዊ ስድራቤታዊ ዝምድና ዘይምህላው እዚ ማለት (ንኣብነት፡ ወላዲ/ውላድ፡ ኣያ/ወዲ፡ ሓው/ሓፍቲ፡ ብወሰን ዝውለድ ፍርቂ ሓው/ፍርቂ ሓፍቲ፡ ኣኮ ወይ ኣኮ/ወዲ ሓፍቲ ወይ ወዲ ሓውቦ፡ ሓዳስ ኣደ ወይ ሓዳስ ኣቦ/ሓዳስ ወዲ ወይ ጓል ጓል ወዘተ ዝቕርበቱ ዘሎ ዝምድና )። ይኹን እምበር ኣብ መንጎ ቀዳሞት ደቂ ሓውቦ ሲቪላዊ ሽርክነት ምፍራም ይከኣል እዩ።
እቲ PACS ኣብ መንጎ ክልተ ፈረንሳውያን፡ ሓደ ፈረንሳዊን ሓደ ወጻእተኛን ወይ ክልተ ወጻእተኛታት፡ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ወይ ዝተፈላለየ ጾታ ዘለዎም ክፍረም ይኽእል።
ምፍላጡ ዘገድስ ኣብ እዋን ምምዝጋብ ፓክስ ድሮ ብሓባር ምንባር ግዴታ ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ብቃለ መሓላ ኣቢልካ ናይ ሓባር ኣድራሻ ክትእውጁ ኣለኩም። እዚ ኣድራሻ እዚ መወከሲ ኣድራሻ ገዛኹም ይኸውን እዩ።
ኣዝዩ ኣገዳሲ
.- - PACS ዜግነት ፈረንሳ ኣየውህብል እዩ።
- ፓክስ ዳግመ ምጥርናፍ ስድራቤት ኣይፈቅድን እዩ።
- እቲ PACS ንቆልዑ ዝቕይር ነገር የለን (ስም ስድራቤት፡ ወለዲ ወዘተ ኣየጠቓልልን)።
.- - PACS ዜግነት ፈረንሳ ኣየውህብል እዩ።
- ፓክስ ዳግመ ምጥርናፍ ስድራቤት ኣይፈቅድን እዩ።
- እቲ PACS ንቆልዑ ዝቕይር ነገር የለን (ስም ስድራቤት፡ ወለዲ ወዘተ ኣየጠቓልልን)።
ከመይ ንገብሮ?
ብድሕሪኡ’ከ ?
15 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
claudia m
a mugnier
olga b.ተርጓሚ/ሚት
sitora abdullaevaተርጓሚ/ሚት
diplosamተርጓሚ/ሚት
alhindi nourተርጓሚ/ሚት
hichamተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት
marianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaተርጓሚ/ሚት
rohullah expertተርጓሚ/ሚት
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት