Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላት ስድራ-ቤትምፍራም ንምጽማድ ከም PACS ፓክሰ ወይ ኣብ ፈረንሳ

ምፍራም ንምጽማድ ከም PACS ፓክሰ ወይ ኣብ ፈረንሳ

Comité de la Démarche Accessibleኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 mois

እቲ PACS (pacte civil de solidarité) ኣብ መንጎ ክልተ እኹላት ሰባት ብሓባር ውየ ናይ ጽምዲ ህይወቶም ንምውዳብ ዝግበር ውዕል እዩ።

እቲ ፓክ PACS ዝበሃል እንታይ እዩ ዘጠቓልል :

  • .ከም ኩሉ ሓዳር ምስ ሓደንሓንቲን ጥራይ እዩ ዝፍቀድንፍልይ ቃል ኪዳን ድማ ይበሃል።
  • ካብ እቲ ሓዳር፣ ካብ መርዓ ብዝቐለለ ንላዕሊ ንምውዳእ ይከኣል፣ .
  • ካብ ሓቢርኩም ምንባር (ብዘይ ውዕል ብሓባር ምንባር ጥራይ) ካልእ ብዙሕ ናይ ሓባር ጉዳያት ስለ ዘየጠቓልል፣ ዝያዳ ፍኹስ ዝበለ መሰላት ይህብ።

ክልተ ሰባት ሲቪላዊ ሽርክነት ክፈርሙ ከለዉ፡ ስድራቤት ይፈጥሩ። ሲቪላዊ ሽርክነት ምፍራም ብነጻ ኮይኑ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ PACS(ወይ ኣብ ኤምባሲ፡ ቆንስል ወይ ኖታሪ፤ እዚ ናይ ሓበሬታ ወረቐት ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ዝግበር መስርሕ ይገልጽ) ክግበር ይከኣል።

ጽቡቕ ጎኒ ናይ du PACS

  • ናይ Impôts : ሓደ ኣዋጅ ጥራይ ምስ ኣታዊ ክልቲኦም ሰባት ክግበር ይከኣል፣ እዚ መለት ናይ ክልቴኩም ብሓባር ምግባር ኣይትግደዱን ኢኹም
  • ከምኡውን ማሕበራዊ ድሕነት (መድሕን ጥዕና)ን ሓድሕዳዊ መድሕንን: ክልቲኦም ሰባት ኣብ ሓደ ውዕል ክኾኑ ተኽእሎ (ሓደ ካብቶም መሻርኽቲ ካብ ሽፋን ማሕበራዊ ድሕነትን ሓድሕዳዊ መድሕንን ተጠቃሚ ክኸውን ይኽእል)
  • .ምምሕዳራዊ ኣገባባት፡ ንኽልቲኦም ሰባት ተመሳሳሊ ኩነታት (ሲቪላዊ ሽርክነት)፡ ሓደ ዓይነት ኣድራሻ፡ ቀሊል ስሌት ኣታዊ ስድራቤት (ንማሕበራዊ ሓገዝ ንኣብነት)።

ነቲ PACS ዝበሃል ውዕል ምፍራም እንታይ እዩ ጠቕሙ

እንተደኣ PACS,ክትፍርሙ ኮይንኩም እዚ ዝስዕብ ኩነታት ክማላእ ኣለዎ :

  • ናይ ሓባር መንበሪ ክህልዎም (ኣብ ሓደ ቦታ ብሓባር ምንባር)
  • ኣብ መበቆል ሃገር ዓቢ ሰብ ክኸውንን ድሮ ተመርዕዩ ወይ ኣብ ሲቪላዊ ሽርክነት ዘይነበረን።
  • ቀጥታዊ ስድራቤታዊ ዝምድና ዘይምህላው እዚ ማለት (ንኣብነት፡ ወላዲ/ውላድ፡ ኣያ/ወዲ፡ ሓው/ሓፍቲ፡ ብወሰን ዝውለድ ፍርቂ ሓው/ፍርቂ ሓፍቲ፡ ኣኮ ወይ ኣኮ/ወዲ ሓፍቲ ወይ ወዲ ሓውቦ፡ ሓዳስ ኣደ ወይ ሓዳስ ኣቦ/ሓዳስ ወዲ ወይ ጓል ጓል ወዘተ ዝቕርበቱ ዘሎ ዝምድና )። ይኹን እምበር ኣብ መንጎ ቀዳሞት ደቂ ሓውቦ ሲቪላዊ ሽርክነት ምፍራም ይከኣል እዩ።

እቲ PACS ኣብ መንጎ ክልተ ፈረንሳውያን፡ ሓደ ፈረንሳዊን ሓደ ወጻእተኛን ወይ ክልተ ወጻእተኛታት፡ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ወይ ዝተፈላለየ ጾታ ዘለዎም ክፍረም ይኽእል።


ምፍላጡ ዘገድስ ኣብ እዋን ምምዝጋብ ፓክስ ድሮ ብሓባር ምንባር ግዴታ ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ብቃለ መሓላ ኣቢልካ ናይ ሓባር ኣድራሻ ክትእውጁ ኣለኩም። እዚ ኣድራሻ እዚ መወከሲ ኣድራሻ ገዛኹም ይኸውን እዩ።
ኣዝዩ ኣገዳሲ
.- - PACS ዜግነት ፈረንሳ ኣየውህብል እዩ።
- ፓክስ ዳግመ ምጥርናፍ ስድራቤት ኣይፈቅድን እዩ።
- እቲ PACS ንቆልዑ ዝቕይር ነገር የለን (ስም ስድራቤት፡ ወለዲ ወዘተ ኣየጠቓልልን)።

ከመይ ንገብሮ?

ቅድሚ ነቲ መስርሕ ምጅማርካ፡ ዝርዝር ኣድለይቲ ሰነዳት፡ ናይ መወዳእታ ግዜ ወዘተ ንምፍታሽ ምስ ኣዳራሽ ከተማኹም mairie ኣብዚ ብምጥዋ ምፍታሹ ኣይትሕመቑ ። ነዚ ንምግባር ብዙሓት ተኽእሎታት ኣለዉ፤

እቲ ስምምዕ ብቋንቋ ፈረንሳ ዝተጻሕፈ ሰነድ ኮይኑ፡ ሕግታት ህይወት ክልቲኦም መጻምድቲ ብሓባር ዝገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ኣበርክቶ ኣብ ወጻኢታት ስድራቤት፡ ምክፍፋል ቅድሚን ድሕሪን ፓክስ ዝተዓደገ ንብረት፡ ምምላስ ዕዳ ስድራቤት፡ ፓክስ እንተተዛዚሙ ሳዕቤን ወዘተ።

  • ብምጥቃም ፣ ሕእደ ወግዓዊ ሞዴል ናይ PACS ኣብ ኢልተርኔት ዝርከብ(formulaire Cerfa n°15726*02). 
  • ቆጸራብምሓዝ ኣብ ጠበቓ notaire ሕጋዊ ምኽሪ ንምርካብን ዝያዳ ዝርዝር ስምምዕ ንምጽሓፍን (ኣስተውዕል፡ ክፍሊት ክኽፈል ኣለዎ)
  • ኣብ ኩነታትካ ተመርኲስካ ብሕታዊ ሓበሬታ ባዕልኹም ስምምዕ ጽሓፍ ምኽኣል ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ !

ኣብ ኩሉ ኩነታት እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣብቲ ስምምዕ ክካተት ኣለዎ፤
"ንሕና (ቀዳማይን መወዳእታን ኣስማት መሻርኽቲ)፡ ብድንጋገታት ናይቲ ብ15 ሕዳር 1999 ዝተመሓየሸ ሕጊን ዓንቀጻት 515-1 ክሳብ 515-7 ሲቪላዊ ሕጊን ዝምራሕ ሲቪላዊ ምትሕግጋዝ ውዕል ንኣቱ።" ሓደ ስምምዕ ክትጽሕፉ ኣለኩም፣ ምስ ፌርማ ክልቲኦም መሻርኽቲ።

ኣብቲ ናይ ኦንላይን ስምምዕ ቅጥዒ፡ ሕጋዊ ስርዓት ምፍላይ ንብረት ይምልከት። እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍ መሻርኽቲ ነቲ ዝገዝኦ ንብረት ይውንኖ። እቲ ንብረት ብኣውቶማቲክ ኣይምቀልን እዩ።

ሞት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን

  • ፓክስ ናይ ውርሻ መሰል ኣይህብን እዩ።
  • ሓደ መጻምድቲ እንተሞይቱ እቲ ካልእ ብቐጥታ ዋላ ሓንቲ ኣይረክብን እዩ።
  • ንብረት ናብቲ መሻርኽቲ ንምስግጋር፡ ውሳነ-ሓሳብ ምድላው ወይ ነዚ ኣብ ስምምዕ ፓክስ PACS. ብንጹር ምግላጽ የድሊ።

ንኽልቲኦም መጻምድቲ ናይ ሓባር ሰነዳት፤ :

  • እቲ convention ናይ PACS (ቀዳማይ ደረጃ 1)
  • La déclaration conjointe d’un PACS, ነቲ ቅጥዒ ምልእዎ (Cerfa n° 15725*03). ሓደ ሰነድ ኣብዚ ኣለኩም ici
  • እቲ déclaration d’adresse commune ዝበሃል ምስ ሓደ attestation sur l'honneur እንተደኣ ብሓደ ዘይነበርኩም

ዶክሜንት ነብሲ ወከስ ጽምዲ

  • ሰነድ መንነት፡ መንነት ወረቐት፡ መንበሪ ፍቓድ፡ carte de séjour, ፓስፖርት፡ ሰነድ መገሻ፡ ፍቓድ ምዝዋር መኪና፡ ቅብሊት (ወይ ካልእ ስም፡ ቀዳማይ ስም፡ ስእልን ፌርማን ዘለዎ permis de conduire, ሰነድ፡ ብመንግስታዊ በዓል መዚ ዝተዋህበ)
  • ምሉእ ቅዳሕ ናይቲ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት (ትሕቲ 3 ወርሒ)፤
    - ሓደ ካብቶም መሻርኽቲ ስደተኛ l’acte de naissance ፡ ተጠቃሚ ንኡስ ሓለዋ፡ ወይ ሃገር ዘይብሉ ሰብ እንተኾይኑ ኣብዚ ብምጥዋቕ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኦፍራ ሕተቶl’OFPRA en cliquant ici
    - ኣብዚ ሕተቱ ሓደ ካብቶም መሻርኽቲ r ici si ኣብ ፈረንሳ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ተወሊዱ (ግን ኣህጉራዊ ሓለዋ የብሉን)።

ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ሰነድ ምስክር ወረቐት Réfugiés.info : "Demander un acte de naissance" ኣለኩም ኣንብብዎ

ምፍላጡ ዘገድስ
ኣብ ፈረንሳ ንዝተወልዱ ሰባት፡ እታ PACS እትምዝግብ ከተማ፡ ካብቲ ትውልዲ ኣዳራሽ ከተማኻ ብቐጥታ ሓበሬታ ሲቪላዊ ኩነታትካ ክትረክብ እንተኽኢላ፡ ምስክር ወረቐት ልደት ምሃብ ኣድላዪ ኣይኮነን። ኣብዚ ፎርሙላ simulateur.ንምርግጋጽ፡ ክትጥቀም ትኽእሉ ኢኩም ።

ሓደ ካብቶም መሻርኽቲ ፓክስ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልደን ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎን እንተኾይኑ፡ ክትውስኽ ኣለካ

  • ትሕቲ 3 ወርሒ ዝዕድሚኡ ናይ ዘይ-PACS ምስክር ወረቐት
    - ኣውሪድካ ምልኣዮ፡ ኣብዚr ici ድማ ኣቕርብ
    - ወይ ድማ ኣብዚ ብኢንተርነት ብናይ ፈረንሳኮኔክትr internet ici av ኣካውንት ኣመልክቱ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ Réfugiés.info : ኣለኩም "Utiliser FranceConnect pour se connecter à un site internet"

ኣገዳሲ
Les personnes réfugiées, bénéficiaires de la protection subsidiaire et apatrides n’ont plus besoin d’un certificat de coutume pour signer un PACS en France.

እንተደኣ ሓደ ካብቶም መሻርኽቲ ፓክስ መበለት ወይ መበለት እንተኾይኑ፡ ክትውስኽ ኣለካ፤:

  • እቲ livret de famille እቲ ናይ ስድራቤት መዝገብ መጽሓፍ ካብቲ ናይ ቀደም መጻምድቲ፣ ምስ ናይ ሞት ጽሑፍ (ፎቶኮፒ እኹል እዩ)
  • ወይ ድማ ምሉእ ቅዳሕ ናይቲ ናይ ቀደም መጻምድቲ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት፡ ምስ ናይ ሞት ጽሑፍ
  • ወይ ድማ ምሉእ ቅዳሕ ናይቲ ናይ ቀደም መጻምድቲ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት።

እንተደኣ ሓደ ካብቶም መጻምድቲ PACS እንተተፋቲሑ፡ ክትውስኽ ኣለካ፤:  

  • እቲ ናይ ፍትሕ ኣዋጅ
  • ወይ ድማ ቅዳሕ ናይቲ ናይ ስድራቤት መዝገብ መጽሓፍ ምስ ናይቲ ዝሓለፈ ዝምድና መዘኻኸሪ።
ኣዝዩ ኣገዳሲ
ሓደ ሰነድ ብቋንቋ ወጻኢ እንተኾይኑ ክኸውን ኣለዎ።le faire traduire par un traducteur assermenté.
ከከም መበቆል ሃገር፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣድላዪ እዩ። faire légaliser ou apostiller
ነዞም ሰነዳት ሓቅነቶም ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ። ንኣዳራሽ ከተማኹም ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ


እቲ ፋይል ምስ ተዳለወ፡ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ፡ la mairie,ብተሌፎን ወይ ብኢንተርነት ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ መዓልቲ ቆጸራ፡ ምሉእ ፋይል (ኦርጅናል ሰነዳት + ፎቶኮፒ) ሒዝኩም ብሓባር (ክልቲኦም መሻርኽቲ) ናብ ኣዳራሽ ከተማ ክትከዱ ኣለኩም።

እቲ ፋይል ምሉእ እንተዘይኮይኑ እቲ PACS ክምዝገብ ኣይክእልን እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ .ብሓፈሻ ድሕሪ ምፍራም ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ስነ-ስርዓት የለን።
ሓጺርን ወግዓዊን መደብ ከተዳልዉን ቤተሰብን ፈተውትን ክትዕድሙ ምስ እትደልዩ ምስ ኣዳራሽ ከተማ ርክብ ብምግባር ብጽሑፍ ሕቶ ከተቕርቡ ኣለኩም።

pré-demande de PACS sur internet. ኣብ ገለ ከተማታት፡ ንPACS ብኢንተርነት ኣቐዲምካ ምሕታት ይከኣል እዩ። 

  • ፖስታ ኮድካ ኣእቲኻ ኣብቲ ዝርዝር እንተሃልዩ ከተማኻ ምረጽ።
  • "እቲ ኣገባብ ብኢንተርነት ምልኣ ዮFaire la démarche en ligne" ዝብል ጠውቕ።
    ድሕሪኡ፡
  • ውልቃዊ ሓበሬታኻን ቅጥዕታትካን ብጥንቃቐ ምልኣዮም፡ ሰነዳትካ ድማ ብመልክዕ PDF (ከምቲ ኣብ ደረጃ 2 ዝነበረ ሰነዳት) ኣቕርብ።
  • ፖስታ ኮድካ ኣእቲኻ ከተማኻ ተዘርዚራ እንተኾይና ምረጽ PACS.።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ነቲ ናይ ሓባር ህይወትካ ዝምልከት ሕግታት ክትቅይር እንተደሊኻ፡ ንPACS ናትካ ዘመሓይሽ ስምምዕ ክትጽሕፍን ናይ ሓባር ናይ ምምሕያሽ መግለጺ ክትመልእን ኣለካ።

እዞም ዝስዕቡ ደረጃታት ሰዓቡ ici.

ሓደ ፓክስ ክፈርስ (ክቋረጽ ወይ ክቋረጽ ) ዝኽእለሉ ሓያሎ ኩነታት ኣሎPACS :፤

  • እንተደኣ እቲ ምጽማድ ተቋሪጹ ክልቲኦም መጻምድቲ ወይ ሓደ መጻምድቲ ሕቶ ከቕርቡ ኣለዎም።
  • ሓዳር ወይ ሞት እንተ ኣጋጢሙ ፡ መወዳእታኡ ኣውቶማቲክ ወይ ብቀጥታ እዩ ዝካየድ ።

ኣገባብ መስርሑ ኩሉ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ ።

15 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

claudia mclaudia mምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
sitora abdullaevasitora abdullaevaተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
alhindi nouralhindi nourተርጓሚ/ሚት
fairouzfairouzተርጓሚ/ሚት
utilisateur_72712685utilisateur_72712685ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
hichamhichamተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት

Liens utiles