ንምርካብ ኣፍልጦ ኣቐዲዲሙ ንዝንበረኩም ዲፕሎም (ENIC-NARIC)ኤኒክ-ናሪክ
ኣዳላዊ France Education international ኣቐድዲሙ ዝነበረ 2 місяці томуአደኣ ዲፕሎምኩም ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ሃልይኩም እሞ ኣብ ድዩ ኣብ ፈረንሳ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ትደሊ?
ንዲፕሎማኹም ናይ ምውድዳር ምስክር ወረቐት ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም፣ እዚ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይገልጽ፤
- እቲ ፍሉይ ሞያ
- እታ ሃገር
- እቲ ትካል
- እቲ ዕለት
- ወግዓዊ ንውሓት ግዜን ዕድላትን ዲፕሎማኻ
- እቲ ደረጃ ኣብ ስርዓት ፈረንሳ (ደረጃ 3፡ ደረጃ 4 ባካሎሬት፡ ደረጃ 5 Bac +2፡ ደረጃ 6 ወዘተ)።
ማእከል ENIC-NARIC ፈረንሳ፡ ካብ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ስደተኛታት፡ ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ተጠቀምቲ ንኡሳን ወይ ግዝያዊ ሓለዋን ዝቐርብ ሕቶታት ምስክር ወረቐት ከም ቀዳምነትን ብነጻን ይከታተል።
ኣብዚ ክፍለጥ ዘልዎጥ፣ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረኩም ምስክር ወረቐት ንናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ዝትክእ ኣይኮነን: ኣብ ካልእ ሃገር ዝካየድ መጽናዕትታት ንምርዳእ ዝሕግዝን ደረጃ ዲፕሎማ ወይ ክእለት ዘመልክትን እምበር። ብሳላ እዚ መስርሕ እምበኣር መዐቀኒታት ንነፍሲ ወከፍ ዲፕሎማ ኣብ ፈረንሳ ምስቲ ኣብ መበቆል ሃገር ዘሎ ስርዓት ብምትእስሳር ምስ ዘለወን ትሳንዩ ወግዓዊ ሰነዳ grille de critères (ዲፕሎማ፣ ትራንስክሪፕት፣ ምስክር ወረቐት ስልጠና ወዘተ) መወከሲ ብምግባር ንምግምጋምን ንምንጽጻርን ዘኽእል ምሳኔ ንምሃብ ዘኽእሎ መስርሕ ንምፍጻም እምበር፣ ንምትካእ ኣይኮነን ።
ኣብ ካልእ ሃገር ተማሂርኩም ወይ ዝሰልጠንኩም እንተኾንኩም፡ ኣብ መወዳእታ ግን ወግዓዊ ዲፕሎማ እንተዘይብልካ (ፈተናታት ዘይተወሰደ፡ ዲሰርት ዘይተቐረበ፡ ልምምድ ዘይተረጋገጸ ወዘተ)፡ እቲ ናይ ምውድዳር ምስክር ወረቐት ኣይከኣልን እዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝተማህረ ወይ ስልጠና ኣፍልጦ ዝህብ ምስክር ወረቐት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝተማሃርካዮ ወይ ስልጠና ኣፍልጦ ዝህብ ምስክር ወረቐት ደረጃ ትምህርትኻ ንምርዳእ ይሕግዘካ (ዋላ ብወግዒ እንተዘይወዳእካዮ)። ነቲ ኮርስ ካብ ባዶ ከይጀመርካ ኣብ ፈረንሳ ትምህርትኻ ክትቅጽል የኽእለካ።
እቲ ናይ ምውድዳር ምስክር ወረቐትን ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝተማህረ ወይ ስልጠና ኣፍልጦ ዝህብ ምስክር ወረቐትን ወግዓዊ ኮይኑ፡ ሕጋዊ ዋጋ ግን የብሉን ግዴታውን ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ዩኒቨርሲቲን ኩባንያን ነዞም ምስክር ወረቐታት ንምምዝጋብ ወይ ንምቑጻር ክሓትት፣ ክቕበል ወይ ክነጽጎ ነጻ እዩ። ከከም ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዓድኻ ማስተር 2 እንተሃልዩኩም ኣብ ፈረንሳ ማስተር 1 ወይ ማስተር 2 ክትቅበል ትኽእል ኢኻ፡ ኩሉ ግዜ ግን ብቐጥታ ናብ ዶክትሬት ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ኣየነይቲ ዓመት ክትምዝገቡ ከም ዘለኩም ንምፍላጥ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ምስክር ወረቐት ከተመልክቱ ይምከር።
ናይ ዲፕሎማታትኩም ወይ ነጥብታትኩም መርትዖ እንተዘይብልኩም፡ ቅድሚ ካብ ሃገርኩም ምውጻእኩም ክትእክብዎ ስለዘይከኣልኩም ወይ ኣብ እዋን መገሻ ስለዝጠፍኡ፡ ፓስፖርት ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።Passeport européen de qualifications des réfugiés (EQPR).
> ንዝያዳ ሓበሬታ : la fiche Réfugiés.info “Faire une demande de Passeport européen des qualifications des réfugiés (EQPR)”
ከመይ ንገብሮ?
ብድሕሪኡ’ከ ?
ምምሕዳር
ስራሕ
ምምሃር
ኣፍልጦ ናይ ዝነበረኩም ዲፕሎማን ወይ ውን ተመክሮ
ምስክር ወረቓቕተይ ማለት ዲፕሎመይን ተመኩሮታተይን"ENIC-NARIC / VAE"ተቐባቅልነት ከምዝረክብ ምግባር፣
ምርካብ ምስክር ወረቓት ዲፕሎላን ተመኩሮታትን
ምስራሕ ኣብ ዓውዲ ሕክምና
ትምህርቲ ብዛዕባ ጥዕና ምውሳድ ወይ ምምሃር
13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
claudia mምምሕዳር
a mugnierምምሕዳር
diplosamተርጓሚ/ሚት
youተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት
olga b.ተርጓሚ/ሚት
rohullah expertተርጓሚ/ሚት
utilisateur_72712685ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
hichamተርጓሚ/ሚት
fatma bouhejbaተርጓሚ/ሚት
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
niknameተርጓሚ/ሚት
marianneukraineተርጓሚ/ሚት