ምኻድ ናብ ክንክን ጥዕና ስነ- ኣእምሮን ንምርካብ ሳይኮሎጂ(CMP)
ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 10 moisናይ ስነ- ኣእምሮን ስነ -ልቦናን (CMP) ቦታ ናይ መሕከሚ እዩ፤ ምስ ሰብ ሞያ ናይ ስነ -ልቦናን ወይ ሓካይምን ፣ ምስ ተሓጋጋዝቲ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ዝነጥፉ ፣ ከም ኡውን ኣብ ገዛ ብምባጽሕ ብነርስ ሓካያም ክንክን ጥዕና ምርካብ ይከኣል ::
CMP ንጸገማት መፍትሒ ንምርካብ ይሕግዙ፤
- ስነ-ኣእምሮኣዊ (ዓቢ ጓሂ፡ ጭንቀት፡ ወልፊ ሓሽሽ ወይ ኣልኮላዊ መስተ፡ ጸገም ድቃስ፡ ሕልሚ ቀትሪ፡ ስንባደ ወዘተ)
- ትምህርታዊ (ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ጸገማት፡ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ጸገም ወዘተ)
- ወይ ማሕበራዊ (ምስ ካልኦት ኣጸጋሚ ዝምድናታት፡ በይንኻን ዝጠፍኣካን ስምዒት ወዘተ)።
እቲ ክንክን ብመድሕን ጥዕና ይምለስ፣ እዚ ማለት እዋናዊ ቪታል ካርድ እንተሃልዩካ ኣይትኸፍልን ማለት እዩ።
ናይ ኣባጽሕ CMPኣኣሎ (ካብ 16 ዓመታ ) ከምኡውንCMPP ን ዕድመ (ካብ 0 ክሳብ 20 ዓመት).ብዛዕባ ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ረፉጂ ኣንፎ ምርኣይ ይከኣል እዩ Voir la fiche Réfugiés.info sur les CMPP.
ብዛዕባ CMPP ኣብ ዝብል ወረቐት ርአ። ንሓኪም ሓፈሻዊ ሕክም ምሕታት እውን ይኩም ከይሓተትካ።
ብዛዕባ CMPP ኣብ ዝብል ወረቐት ርአ። ንሓኪም ሓፈሻዊ ሕክም ምሕታት እውን ይኩም ከይሓተትካ።
ጥዕና ኣእምሮ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ናብራኹምን ንዝግበር ሓሳባት፡ ስምዒታት፡ ጸቕጢ፡ ምስ ካልኦት ዘለካ ርክብ፡ ተግባራትን ውሳነታትን ይጸልዎ እዩ። ጽቡቕ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ምህላው ማለት ስምዒታዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ሚዛን ምህላው ማለት እዩ።
ሃገር ገዲፍኩም ኣብ ፈረንሳ ሓድሽ ህይወት ምጅማር ማለት ምትዕጽጻፍ፡ ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር፡ ሓድሽ ባህሊ ምርዳእ፡ ምስ ሓደስቲ ሰባት ምርኻብ፡ ልምዲ ምቕያር ማለት ውጥረት እዩ ናይ ወረቐት ስራሕ ካልእ ጻቕጢ እውን እዩ ፡ ስድራቤት ኣብ ካልእ ሃገር፡ ኣድላይነት ገንዘብ እውን ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ስለዝኾነ ንመን ሓገዝ ክንሓትት ክጠፍኣና ይኽእል እዩ።
ስለዚ ንሰብ ሞያ ጸገማትካ ምግላጽ፡ ብዛዕባ ጸገማትካ ንሓኪምካ ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ምዝራብ፡ ኣብ CMP ቆጸራ ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ።ናይ ኣእምሮ ጥዕናኻን ናይ ስድራቤትካን ምሕብሓብ፡ ከምኡ’ውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓካ ኣድላዪ እዩ።

ከመይ ንገብሮ?
ብድሕሪኡ’ከ ?
15 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
claudia m
a mugnier
diplosamተርጓሚ/ሚት
omar kokachተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት
rohullah expertተርጓሚ/ሚት
etienne develayተርጓሚ/ሚት
olga b.ተርጓሚ/ሚት
aman expertተርጓሚ/ሚት
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
marianneukraineተርጓሚ/ሚት