Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምርካብ carte Vitale ካርት ቪታል

ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ 2 роки тому

ካርት ቪታል ናብ ሓኪም ክንቀርብ ከለና ገንዘብ ከይከፍልና ወይ ገንዘብ ምስ ነሕልፍ ኣብ ናትና ሕሳብ ገንዘበና ብኢንሹርናስ ማላዲ ብቀጥታ ክምለሰና ይኽእል ::

ካርት ቪታል ንኽሉ ሰብ ናይ ኢንሹራንስ ማላዲ ውሕሰነት ናይ ጥዕና ተጠቐምቲ ዝኾኑ\ና ብነጻ ይወሃቡ ::ምስ ናትኩም ቁጽሪ ናይ ሰክርቲ ሶሲያል ይተሓሓዝ 13 ሓባ ብዝሒ ቁጽሪ ተመዝጊቡ ኣሎ ን ደቂ ተባዕትዮ ብ ቁጽሪ 1 ይጅመር ንደቂ ኣንስቲዮ ብ ቁጽሪ 2 ይጅምር ::

ምፍላጡ ኣገዳሲ !

ምፍላጡ ዘገድስ!
ግዝያዊ ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነት እንተሃልዩካ፡ ገና ንቪታለ ካርድ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። ንኽትረኽቦ ናይ መወዳእታ ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነትካ ክሳብ እትረክብ ክትጽበ ኣለካ።

ካርት ቪታል ናይ ውልቃዊ\ት ኢያ : በዞም ዝስዕቡ ዝርዝር እንተ ኣማሊእና ክንረኽባ ንኽእል ፤

•ዕድመኻ 16 ዓመት ዲዩ ወይ ካብ 16 ዓመት ምስ ትገብር ናይ ውልቃዊ ካርት ቪታል ክንረክብ ንኽእል ::

•ካብ 16 ዓመት ንታሕቲ ቆልዓ ምስ ዝህልወካ ምስ ናትኩም ሰክርቲ ሶሲያል ኣብ ቁጽሪ ክምዝገብ ይኽእል ፣ ከም ኡውን ናቱ ወለዲ እንተ ምስ ዝህልው ኣብ ቁጽሪ ምስ ተመዝገቡተጠቐምቲ ክኾኑ ይኽእሉ ( ካልእ መሰል ኢልና ክንጽውዖ ንኽእል )

•ኣብ መንጎ 12ን 16 ክሊ ዕድመ ዘለው ደቂ ኣለውኹምን ካብ 12 ዓመት ንደቅኹም ናይ ውልቃዊ\ት ካርት ቪታል ክትሓቱ ትኽእሉ፤ ክልተ ነገር ኣማራጺ ኣለኩም\ክን ፣ ብናትኩም ካርት ቪታል ንክጥቀም ወይ ብ ናቱ ካርት ናይ ውልቃዊ\ት ንክጥቀም::

ከመይ ንገብሮ?

ሓንሳብ ናይ ሰክርቲ ሶሲያል ቁጽሪ ምስ ረኸብኩም\ክን ን ደቂ ተባዕትዮ ብ ቁጽሪ 1 ዝጅምር ንደቂ ኣንስቲዮ ብ ቁጽሪ 2 ዝጅመር ቅጥዒ ሓዳሽ ናተይ ካርት ቪታል ዝብል ጽሑፍ ክልኣኸኩም\ክን ኢዩ ::

ብመንግዲ ደብዳቤ ክትሓቱ ምስ እትደልዩ\ያ ነዞም ዝስዕቡ ከተማልኡ\ኣ ኣለኩም\ክን ::

• ኣብ ቅጥዒ ከተረጋግጹ ኣለኩም\ክን ዝኾነ ዓይነት ጌጋ ወይ ምርሳዕ ከይህሉ ፣ ጌጋ ወይ ምርሳዕ ምስ ዝህልዉ ብቀጥታ ናብ ሰክርቲ ሶሲያል (CPAM) ክትድውሉ\ላ ኣለኩም\ክን ኣብ መወዳእታ መታን ክቕይርልኩም\ክን ::

• ዝተወሃበ ሓበሬታ ቅኑዕ ምስ ዝኸወን ኣብ ቅጥዒ ፈርሙ ::

• ሓንቲ ጉርዲ ስእሊ ናይ ታሴራ ሕብራዊ ንጹር ስእሊ ግበሩ\ራ

• ሓንቲ ፎቶ ኮፒ ናይ ታሴራ ክህልዎ ኣለዎ ፣ እታ ታሴራ ናታ ስእሊ ንጹር ክኸውን ኣለዎ ::

• ዝተመልአ ፎሩም ቅጥዒ ፣ ምስ ፎቶ ኮፒ ታሴራ ፣ ጌርኩም ስደዱ ፣ እታ ፎርሙል መጀርያ ዝተላኣኸትኩምክትከውን ኣለዋ ፣ ቴምብር ክህልዎ ኣለዎ ፣ ድሕሪ ናብ እንዳ ላ ፖስት ለኣኽዎ ::

ድሕሪ ናትኩም ካርት ቪታል ክሳብ ዝመጸኩም ክወስድ ይኽእል ::

ምፍላጡ ኣገዳሲ ነጥቢ ፣.

ኣገዳሲ!
ካብ ሰክርቲ ሶሲያል ን ሓዋሩ ዝልኣኽ ቁጽሪ ብቁጽሪ 1 ዝጅመር እንተ ኾይኑ ንደቂ ተባዕትዮ ይምልከት ብቁጽሪ 2 ዝጅምር እንተ ኾይኑ ግን ንደቂ ኣንስቲዮ ይምልከት:: ብመንገዲ ኢንተርነት ናትኩምክን ካርቲ ቪታል ንክትሓቱ\ታ ንላበወኩም፣ እቲ ዝቐልጠፈ ኢዩ ፤ ዝቅጽል ደረጀታት ንከተታል ::

ካርት ቪታል ብመንግዲ ኢንተርነት ክንሓት ምስ እንደሊ መጀመርያ ቁጽሪ ናይ ሰክርቲ ሶሲያል numéro de sécurité sociale définitifናይ መጨረሽታ ክንረክብ ኣለና፣ ንኣብነት ንደቂ ተባዕትዮ ብቁጽሪ 1 ዝጅመር ንደቂ ኣንስቲዮ ብቁጽሪ 2 ዝጅመር ብቁጽሪ 7 ወይ 8 ክኽወን የብሉን ::

ኣገዳሲ!
ምፍላጡ ኣገዳሲ ፣ ናይ ሰክርቲ ሶሲያል ንምርካብ ብዙሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል ኢዩ ፣ ካብ ኦፍራ ዝተወሃብትኩም ናይ ትውልዲ ሓንቲ ቅዳሕ ፎቶ ኮፒ ክትህቡ ኣለኩም ፣ መታን መጨረሽታ ካብ ሰክርቲ ሶሲያል ክወሃበኩም ::

ሓንሳብ ካብ ሰክርቲ ሶሲያል ናይ መጨረሽታ ቁጽሪ ምስ ረኽበኩም\ክን ኣብ ዌብ ሳይት ኣመሊ Ameli ሓደ ሕሳብ ክትከፍቱ ኣለኩም ( ቁጽሪ ሕሳብ ፓስ ወርድ ብውልቃዊ ጥራሕ ኢና ክንጠቀመሎም ንኽእል) ወይ ናትኩም ካርት ቪታል ክትሓቱ ትኽእሉ ::

• ኣብ ዌብ ሳይት ኣመሊ በዚ ዝስዕብ ሊንክ ኮኔክቲ ግበሩ sur le site de l’Assurance Maladie (Ameli).

  • ናብ ሩብሪክ ዝብል ናተይ ንምስላጥ ዝብል ኪዱ
  • ድሕሪ እዚ ናብ ካርት ቪታል ስገሩ
  • ድሕሪ ናተይ ካርት ቪታል ይሓትት

ነቲ ሰብ ካርት ቪታል ክትገብርሉ ደሊኹም ዘለኹም ምረጹ:

ነዞም ዝስዕቡ ሓበሬታት ቅኑዓት ጌጋ ከም ዘይብሎም ኣረጋግጹ፣ ናይ ትውልዲ ፤ ኣድራሻ ኮድ ፖስታል ፣ ኣድረስ ኢመይል ፣ ቁጽሪ ተሌፎን፣ ካልእን ::

ንሕቶኹም ንምርግጋጽ ነዞም ዲጂታላይዝድ (ስካን ዝተገብረ) ሰነዳት ከተተሓሕዞም ኣለካ፤

  • ናይ መለለዪ ስእልኻ
  • ናይ መንነት ሰነድካ

ናትካ ሓበሬታ ቅኑዕ ሙኻኑ እንተ ኣረጋግጽካ ናትካ ውሳነ ሃብ ::


ኣገዳሲ!
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሕቶኻ፡ ጽማቕ ናይቲ ዳታኻ ኣብቲ ስክሪን ይርአ። ኣብ ሕቶኻ ጸገም እንተጋጢሙ ክትሕዞ ኣይትረስዕ

Vous recevrez par courrier votre carte Vitale dans un délai de 2 semaines environ.

ኣገዳሲ!
ቪታለ ካርድካ ብወረቐታዊ ቅዳሕ ውልቃዊ ሓበሬታ ክስነ እዩ። ነዚ ሰነድ እዚ ቪታለ ካርድኻ እንተስኢንካ ወይ መሰልካ ከተረጋግጽ እንተድኣ ኣድልዩካ ጠቓሚ ክኸውን እዩ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ናትና ካርት ቪታል ዓመታዊ ሓንቲ ግዜ ክንሕድሳ ኣለና ወይ ኣብ ዝኾነ እዋን ኵነታት ምስ ንቅይር ፣ ናይ ጥዕና ፣ ካርት ሙቹወል ፣ ኣድራሻ፣ ኩነታና ምስ ንምርዓው ወይ መጻምድቲ ምስ ንውስኽ ::

ነዚ ንምሕዳስ ኣብ ፋርማሲ ወይ ማእከል ክፍሊ ጥዕና ፣ ማሕበራት ክፍሊ ጥዕና ናትና ካርት ቪታል ከንሕድስ ንኽእል ::

ኣብ ዝኾነ እዋን ናትና ካርት ቪታል ምስ ነጥፍእ ወይ ምስ ንስረቕ ቀዳምነት ን ኢንሹራንስ ማላዲ ብመንገዲ ብቀጥታ ናትና ኣካውንቲ በዚ ሊንክnet depuis votre compte Ameliንሕብር ከነምልክት ኣለና :: ወይ ብተሌፎን ደብዳቤ ከም ኡውን ናብ ቤት ጽሕፈት ብ ኣካል ክንከይድ ንኽእል ::

ከተሕድሱ ምስ እትደሊዩ ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ከተሕድሱ ትኽእሉ ::

15 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • a mugnierምምሕዳር
  • margotgltምምሕዳር
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • konstantineተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • hichamተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • etienne develayተርጓሚ/ሚት
  • aman expertተርጓሚ/ሚት
  • fatma bouhejbaተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • marianne georgesተርጓሚ/ሚት

Liens utiles