Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምርካብ ኣድራሻ ናይ መቐበሊ ፖስጣ መንበሪ ኮድ ፖስታል

ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ 2 дні тому

እንተደኣ ርጉጽ መንበሪ ገዛ ኣድራሻ ዘይብልኩም ኮይኑ ፣ ንመቀበሊ ደብዳቤ ኣድራሻ እንተ ደሊኹም ናብ ቤት ጽሕፈት ናይ ምምሕዳር ዘሎ ብምኻድ ተቀምቲ ናይ’ቲ ከባቢ ምኽንኩም ዝኾነ ዓይነት ወረቐት ናይ ስራሕኩም ወይ ቤት ትምህርቲ ናይ ደቅኹም ወይ መድሃኒት ትውሰዱወይ ሕክምና ትከታተሉ ካልእን እንተ ኮንኩምእዚ ወረቐት ሒዝክምክትከ ትኽእሉ..

ርጉእ መንበሪ ገዛ ወይ መንበሪ እንተዘይብልኩም፡ ወግዓዊ ኣድራሻ ን እዞም ዝስዕቡ ነገራት ምህላው ይግባእ፤

  • ፖስታኹም ንምቕባል
  • ፖስጣኹም ውሑስ (ናብ ካልእ ኣድራሻ ኣይልእከልኩምን) ከምኡ’ውን ምስጢራዊ ደብዳቤኹም(ኣይክፈትን) ይኹን
  • ብዛዕባ ኣገባባትን ማሕበራዊ ሓገዝን ምኽሪ ውሰድ፣ ትምህርታዊ ሓገዝ ምርካብን
ምፍላጡ ዘገድስ ኣገልግሎት ተሓጋገዝቲ CCAS ናይ ፣ሰ ሲ ኣ ኤስ ፣ ጨንፈር ናይ ምምሕዳር ፣ ንደብዳቤኹም መቀብሊኣድራሻ ዝኸውን ሓደ ፍታሕ ክቕርብልኩም ኢዮም፣

.ምስክር ወረቐት ኣድራሻ ጽሑፍ ዘለዋ ክህብኹም ኢዮም ፤፣ በዚ ምስክር ወረቐት ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ቤት ጽሕፈታት ኣብ ምስላጥን ምስ ትሕተቱ ነዛ ወረቐት ክትጥቀሙ ትኽእሉ።

ከመይ ንገብሮ?

ኩነታትኩም ንምርካብ የፍቅድ እንተኾይኑ ምፍላጥ

ኣብ ሓደ ማእከል ፖስታ ኣድራሻ ክትሓትት ትኽእል እንተድኣ፤ ኲይንኩም

  • እንተደኣ ርጉእ ዝኾነ ኣድራሻ ዘይብልኩም
    • እንተደኣ መጽለሊ ኣልቦ ኲይንኩም
    • እንተደኣ ኩነታትኩም ፣ ብትካላት መጽለሊ ምዝጉብ ኮይኑ
    • እንተደኣ እብ ሓደ ናይ hôtel social ትነብሩ ኲይንኩም
    • እንተደኣ ብግዝያውነት ኣብ እንዳ ሓደ ወይ ሓንቲ ወይ እውን እንዳ ብዙሓት ሰባት ብምንቅስቓስ እትነብሩ ኲይንኩም
  • ምስ ሓንቲ ብቐጻሊ እትንቀስቐሱላ ከተማ ርክብ ኣለኩም ክይኑ
    • እንተደኣ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ መንበሪ ወይ ኣድራሻ ኮይኑ
    • ዝተፈልጠ ወይ ወይ እውን ዘይስሩዕ ስራሕ ሃልይኩም
    • ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ
    • ቤት ትምህርቲ ህጻናትኩም ኣብ ዘለዎ ምስ ዝኸውን
    • ሓገዝቲኹም ወይ ኣሲስታንት ሶሻልኩም ኣብኡ ኮኡኑ ቦትኦም
    • ዝቀርበኩም ዶክቶርኩም ኣብኡ ኮይኑ
    • ኣዕሩኽ፣ ቤተሰብ እንተሃልየሙኹም ኣብቲ ከባቢ
    • ማሕበራዊ ሓገዝ እትረኽብሉ ምስ ዝኸውን...
ምፍላጡ ዘገድስ እንተደኣ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ምዝጉብ ኣድራሻ ናይ ምሕታት ኣማራጺ ኣለወን፤ - ዋላ ኣብ ርጉእን ምዝጉብን መንበሪ ገዛ ዝነበራ እንተኾና፡ ኣድላዪ ኣገባባት ንምጅማር (ጥርዓን ምቕራብ፡ ፍትሕ፡ መመልከቲ መንበሪ ገዛ ወዘተ) - ድሮ ካብ መንበሪኦም ዝወጻ እንተኾይነን፡ ሓቀኛ ኣድራሻአን(ብፍትሕ፡ መመልከቲ መንበሪ ገዛ ወዘተ) ከየቕረባ ኣድላዪ ኣገባባት ንምጅማር ምሕታት ኣድራሻ ክገብራ ይኽእላ እየን።

ነዚ ዝምልከት ንዝይዳ ሓበሬታ Réfugiés.info ኣለኩም: "Trouver de l'aide en cas de violences conjugales"

ናይ ፖስታ ኣድራሻ ዘይኽእል ኩነታት

ኣብ ሓደ ማእከል ናይ ፖስታ ኣድራሻ ክትሓቱ ዘየኽእለኩም ኩነታት፤

  • ሓታቲ ዑቕባ ስለዝኾንኩም ፖስታኻ ኣብ ማእከል መንበሪ (CADA, HUDA) ወይ ድማ ኣብ ቀዳማይ መቐበሊ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ (SPADA) ስለ እትቕበሉ። እቲ ናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት ምምሕዳራዊ ኣገባባት ክትፍጽሙ የኽእለኩም።
  • ብቐዋምነት ትነብርሩሉ ናይ ፖስታኣብ ማእከል መንበሪ ትቕበልን። እቲ ናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት ምምሕዳራዊ ኣገባባት ክትፍጽም የኽእለኩምን።
  • ብቐዋምነት ትነብር እሞ ፖስታኻ ኣብ ገዛ ናይ ቀረባ ዘመድካ ወይ ዓርክኻ ትቕበል እሞ ንሱ ድማ ክምዝግበኣኩምንናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት ከቕርበልኩም ተሰማሚዑ። እዚ ግዝያዊን ዘይተኣወጀን እንተኾይኑ ግን ሕጂ’ውን ኣብ ሓደ ማእከል ናይ ፖስታ ኣድራሻ ምሕታት ይከኣል እዩ።

1. ምስ ከተማ ዘለኩም ርክብ ዘረጋግጹ ሰነዳት፤

  • ፋክቱር፣ ውዕሊ፣ ቅብሊት ክራይ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መንበሪ ገዛ ወይ መንበሪ
  • ካብ ሞያዊ ንጥፈትኩም ናይ ክፍሊት ስሊፕ ወይ ናይ ስራሕ ውዕል
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ውላድኩም ናይ ቤት ትምህርቲ ምስክር ወረቐት
  • ካብ ዝድግፈኩም ትካል ምስክር ወረቐት
  • ሰነድ ካብ ሓኪም ወይ ብቐጻሊ እትበጽሖ ሕክምናዊ ትካል ምስክር ወረቐት
  • ምህላው ኣብዛ ከተማ ንዝነብሩ ኣባላት ስድራቤት መረጋገጺ መንበሪ...
ምፍላጡ ዘገድስ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ተቀቢሞም፣ ከተዛራርበኩም እዞም ሰነዳት ግዴታ ኣይኮኑን ኩልግዜ፤ ምስክርነት (ካብ ወነንቲ ድኳናት፡ ነበርቲ ወዘተ) ክትጥቀም ወይ ድማ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቃለ መሓላ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ምስታ ከተማ ዘለኩም ምትእስሳር እንተተረጋጊጹ፡ እቲ ማእከል ከም ነባሪ ምዝገባኹም ክቕበል ግዴታ ኣለዎ።

2. እቲ ሰንድ ናይ መሕተቲ "Demande d'élection de domicile" (Cerfa 16029*01) :ይበሃል

  • ብ ኢንተርኔት ኣብ en cliquant ici ከተኽትምዎ እውን ትኽእሉ ኢኹም
  • ወይ ኣብ እዚ ብጥዋቕ en cliquant ici ብ ፒሮ ብምጽሓፍ ምልእዎ
ኣብቲ ናይ ኣድራሻ መርትዖ ቅጥዒ፡ ካልኦት ሰባት እውን ምዝጉብ ኣድራሻ ዘድልዮም ክትውስኹ ትኽእሉ ኢኹም፤ - መጻምድትኹም - ሲቪላዊ መሻርኽትኹም ወይ ሃገዝትኹም (PACS) - ጽግዕተኛታት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ - ካልኦት ጽግዕተኛታት። ቅድሚ ቆጸራ ምሕታትኩም ኣብቲ ቅጥዒ "ስም፡ ስም ስድራቤትን ዕለት ልደትን ጽግዕተኛታት" ዝብል ክፍሊ ክትመልእ ኣለኩም።

1. ኣብታ ዝተመርጸት ከተማ ዝርከብ mairie ወይ centre d’action sociale ርክብ ብምግባር ፖስታ ኣድራሻ ከምዘድልየኩም ሓብሩ።

2. ቆጸራኹም ኣረጋግጹ

3. ቅጥዒ ምቕራብ (ደረጃ 2 ምልኡ)
- ብኢመይል
- ወይ ፎቶኮፒ ናይ ሰሪሕካ ብዝተመዝገበ ፖስታ ምስ ናይ ምምላስ ቅብሊት ስ መኽተቲ ሰነድ ስደድዎ፣
- ወይ ድማ ኣብ መዓልቲ ቆጸራ ንምሃብ ምሓዝ ።

ምፍላጡ ዘገድስ ነቶም ካልኦት ኣብቲ ቅጥዒ ዝተመዝገቡ ሰባት ቆጸራ ምግባር ኣድላዪ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስታ ከተማ ምትእስሳር ዘለዎ መረጋገጺ ክቐርብ ኣለዎ።
ምፍላጡ ዘገድስ ቆጸራ ክትወስድ እንተዘይተኻኢሉ፡ ንኣዳራሽ ከተማ ወይ ንማሕበራዊ ሰራሕተኛኻ ወይ ንገዛ ዘይብሎም ሰባት ዝሕግዝ ማሕበር ዝርዝር ናይ ዝጸደቑ ማእከላት (ንኣብነት ኣብ ዞባ ፓሪስ )ኣኣብዚ ኣኣለኩም en région parisienne). ክህበካ ሕተቶ።

ብኣካል ተረኺብኩም ኢም ዝስዕቡ ዕላማታቱ እቲ ቃለ መሕትት ግበሩ፤

  • ምትእስሳርኩምምስታ ከተማ ዘለካ ርክብ ንምፍታሽ
  • ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3 ወርሒ ምስቲ ማእከል ክትራኸቡ ዘለኩም ግዴታ ምዃኑ ንምሕባር
  • መሰላትካ ኣለሊኩም ኣድላዪ እንተኾይኑ ኣብ ምምሕዳራዊ ኣገባባት ይሕግዘኩም (ንኣብነት መንበሪ ምድላይ፡ ግብሪ ምቕራብ፡ ሰነድ ምልኣኽ...)
  • ፖስታኻ ብቐጻሊ ምእካብ ስለምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ ግለጽ (ከም RSA ,s allocations familiales…). ወዘተ ዝኣመሰሉ ሓገዛት ምርካብ)።
ምፍላጡ ዘገድስ ድሕሪ ሕቶኹም ኣብ ውሽጢ እንተበዝሐ ኣብ ውሽጢ 2 ወርሒ መልሲ ክትረኽቡ ኢኹም።

ብድሕሪኡ’ከ ?

እቲ CCAS ወይ CIAS ወይ ዝጸደቐ ማእከል ንዓኻን ንዝተወሰኹ ሰባትን ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት ይህበኩም።

ክትጥቀመሉ ትኽእሉ ኢኹም፤

  • ኣድራሻ ዘድልዮም ምምሕዳራዊ ኣገባባት ምምላእ (ግብሪ፡ ስራሕ ወዘተ)
  • ንማሕበራዊ ሓገዛት (CAF ወዘተ) ኣመልክት
  • ጠበቓ እንተድኣ ኣድልዩካ ሕጋዊ ሓገዝ ኣመልክት።

ኣድራሻኻ ንምሕላው፡ እንተወሓደ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዜ ናብቲ ማእከል ክትረኽቦ (ብተሌፎን፡ ብኢመይል፡ ወይ ብፖስታ) ወይ ብኣካልምእንቲ ብቀጻሊ ምክትታል ክጥዕመኩም።

ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ (ብሰንኪ ጸገም ጥዕና፣ ማእሰርቲ፣ ማእሰርቲ፣ ናይ ስራሕ መገሻ፣ ስልጠና ወዘተ) እንተዘይተረኺብኩም፣ ፖስታኹም ክሕዝ ነቲ ማእኸል ክትሕብሩ ኣለኩም።

ነዚ ይግባይ ኣብ ውሽጢ 2 ወርሒ ንምቕራብ፤

  • ነዚ ንምስላጥ ሓገዝ ናይ ፍርዲ ኣካላት l'aide juridictionnelle ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም እንተደኣ ገንዘብ ንዕኡ ዝኸውን ዘይብልኩም
  • ከምኡ ውን ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፣ ኣሲስታንት ሶሻልን ጠበቓን avocat.

ኣብ ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ Réfugiés.info : ተወከሱ "Prendre rendez-vous avec un assistant social"

ምፍላጡ ዘገድስ እቲ ማእከል ምስታ ከተማ ምትእስሳር ስለዘይብልኩም ሕቶኻ ነጺጉ እንተኾይኑ፡ ኣድራሻ ናይ ካልእ ማእከል ወይ ማሕበር ኣብ ካልእ ከተማ ክህበኩም ከም ዝግባእ ፍለጡ።

እቲ ማእከል ኣድራሻኻ ምምዝጋብ እንተኣቢዩ፡ ነዚ ውሳነ ናብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብል (ከም ዘይትሰማማዕ ክትገልጽ) ትኽእሉ ኢኹም ።

ነዚ ይግባይ ኣብ ውሽጢ 2 ወርሒ ንምቕራብ ይከኣል እዩ፤

  • ነዚ ንምፍጻም l'aide juridictionnelle sዝበሃል መስርሕ ናይ ሕጋዊ ሓገዝ ክትጠልቡ ትኽእሉ ኢኹም
  • ከምኡውን ሓደ ሓገዝ ናይ ጠበቓ ምሕታት ይከኣል እዩ ነዚ ብምቕዋቕ avocat.

ብዛዕባ እዩ ዝሕብር ሓበሬታ ኣ ረፉጂ ኣንፎ ኣለኩ Réfugiés.info : "Prendre rendez-vous avec un assistant social"

ምፍላጡ ዘገድ እቲ ማእከል ምስታ ከተማ ምትእስሳር ስለዘይብልኩም ሕቶኻ ነጺጉ እንተኾይኑ፡ ኣድራሻ ናይ ካልእ ማእከል ወይ ማሕበር ኣብ ካልእ ከተማ ክህበካ ኣለዎ።

ቅድሚ 2 ወርሒ መረጋገጺ ኣድራሻኻ ምውዳኡ፡ ነዚ ዝስዕብ ናብቲ ማእከል ክትሰድድ ወይ ከተምጽእ ኣለኩም፤

  • ምስ ታሴራኹም
  • ኣብዚ ኣድራሻ ዝተቐበሉ ሓበሬታ ናይ ደብዳቤታት (ትሕቲ 3 ወርሒ ዝዕድሚኦም): ደብዳቤታት ካብ CAF France Travail ፣ ካብ ፕረፈክቸር ወዘተ።
ምፍላጡ ዘግድስ ገለ ማእከላት ቅድሚ መወዳእታ መዓልቲ ሰነዳት ክሓታኻ ይኽእላ እየን።

ኣብቲ ማእከል ምዝገባ ፖስታ ኣድራሻ ኣግልግሎት ምሃብ እንተኾይኑ፤

  • ርጉእ መንበሪ ወይ መንበሪ ገዛ ረኺብካ ፖስታ ክትቅበል ሓድሽ ኣድራሻ ምስ ዝህልወኩም
  • ኣብ ካልእ ከተማ ዝተፈላለየ ዝተመዝገበ ኣድራሻ ትጥቀሙ ምስ እትጅምሩ
  • እቲ ማእከል ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ ዝኾነ ምኽንያት ከይሃብኩም፣ ወይ ስለዘይተራኸብካዮም ምዝገባ ኣድራሻኹም ምሕዳስ ክነጽግዎ ይከኣሎም እዩ።
  • እቲ ማእከል ድሕሪ ሕጂ ምስታ ከተማ ርክብ ስለዘይብልኩም ምዝገባ ኣድራሻ ምሕዳስ ክነጽጎ ይኽእል እዩ።

17 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • sitora abdullaevaተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • aman expertተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • alhindi nourተርጓሚ/ሚት
  • nalothmanተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • utilisateur_2134382ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • fatma bouhejbaተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • david_hedrich_jrsኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት

Liens utiles