ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Centre d'Hébergement et de Réinsertion Sociale (CHRS) Parenthèse

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ኣበይ ?
ተኣንገዱን ተዓጀቡን ወይ ተሓገዙን
እንታዩ’ዩ ?
እዚ ግዝያዊ መንበሪን ማሕበራዊ ደገፍን ንስድራቤታት (ሓደ ወይ ልዕሊኡ ውላድ ዘለዎ ወላዲን ቆልዑ ዘለዎም መጻምድትን)። ዝዓልመ መደብ እዚ
መንበሪን ደገፍን ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ሓደ ግዜ ዝሕደስ እዩ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ኣብ ንብረት ዘለዎን ኣፓርታማ (T3 ወይ T4) መጽለሊ ንምርካብ ዘኽእል እዩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፣ ምስ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ኣሲስታንት ሶሻል ኣብ እዚ ዝስዕብ ነገራት ቆጸራ ምግባር ይከኣል፤
- ኣብ መዳይ ጥዕናዊሕቶታት
- ስራሕ ወይ ስልጠና ምድላይ
- ሓበሬታ መጓዓዝያ ምውሳድን ምዃኑ’ዩ።
- ምኽሪ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ወለድን ክንክን ህጻናትን ንምርካብ
- ምምሕዳራዊ ኣገባባት ምፍጻም
- ባህሊ ምንቅስቓሳት ንምግባር
- ካልእ ቀዋሚ መንበሪ ኣባይቲ ድለዩ።
ኣብቲ ማእከል መንበሪ ምስ በጻሕካ ውዕል ብምፍራም፣ ናይ ህይወት ፕሮጀክት ንምህናጽን ናብ ሞያዊ ዓለም ክትኣቱ ንምድላውን ቃል ክትኣቱ።
ኣብ እቲ ማእኸል ኣብ ዝተዳለወ ንጥፈታት ምስታፍ ይከኣል እዩ፤
- ከም እኒ ባህላዊ ምውጻእ ምዃኑ’ዩ።
- ኣብ ተፈጥሮ ምጉዓዝ
- ብሓባር ምምጋብ
- ንህጻናት ዝኸውን ፈጠራዊ ዓውደ መጽናዕትታት....ንምስታፍ ወዘተ
ከመይ ንገብሮ?
- ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ኣሲስታንስ ሶሻል ንስድራቤትካ መንበሪ ሕቶ ይልእኽ።
- እቲ ሕቶ ብSIAO(Service Intégré d'Accueil et d'Orientation). ዝመሓደር እዩ።
- ቅድሚ ምእታው ምስ CHRS (ማእከል መንበሪን ማሕበራዊ ዳግመ-ውህደትን) ቃለ-መጠይቕ ይህልወኩም።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
15 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ