Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምስታፍ ኣብ ኣብ ሊል ሲቪካዊ ኣገልግሎታዊ ተግባር

ምስ ምስ AIME Ton Engagement

ኣዳላዊ AIME ONG ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 13 jours

እቲ ብ "AIME Ton Engagement" ንመንእሰያት ሓደስቲ መጻእን ተጠቀምቲ ኣህጉራዊ ሓለዋን ዘለዎም፣ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሲቪካዊ ኣገልግሎት ተልእኾ እዩ። ኣብ 15 መንእሰያት ዝሓቖፈ ጉጅለ እዩ ዝካየድ መስርሕ እዩ ።

እቲ ምደባ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኮይኑ፡ ኩሉ ግዜ ድሕሪ ቀትሪ (ንጉሆ መደብ የለን ፣ ነጻ እዩ) ይካየድ። ንመንእሰያት ወጻእተኛታትን መንእሰያት ፈረንሳውያንን ክፉት ኮይኑ፡ ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተመርኮሰ ንጥፈታትን ውልቃዊ ደገፍን ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ኣጀንዳ

  • ናይ ጉጅለ ፕሮጀክት (ሕውስዋስ ጉጅለ)
  • ርእሰ-ምትእምማን ንምህናጽ፡ ርክብ ንምምሕያሽ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንምዝራብ፡ ድራኸኻ ንምጽናሕን ስምዒታትካ ብዝበለጸ ንምምሕዳርን ዝሕግዙ ናይ ውልቃዊ ምዕባለ ዓውደ መጽናዕትታት።
  • ንናይ ስራሕ ቦታ ንምድላው ዝሕግዙ ናይ ሞያ ደገፍ ዓውደ መጽናዕትታት: ሞያዊ ኣተሓሳስባ ምሓዝ፣ ናይ ሽፋን ደብዳበ ምጽሓፍን ኣብ ናይ ስራሕ ቃለ መሕትት ምዕዋትን።
  • ምክያድ ባህላዊ ምውጻእ
  • ምስራሕ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ወለንታዊ ኣገልግሎት
  • ኣዚ ኹሉ ንምግባር ምህላው ድራኸ ርክብ ሰብን ሓደስቲ ሰባት ንምርኻብ ብዙሕ ዕድላትን ዘለዎ።

ንምንታይከ የዘገድስ?


ኣብ ምሉእ ተልእኾ ብመምህር ትድገፍ።
ድሕሪ ሲቪካዊ ኣገልግሎትካ ንዝህልወካ ናይ ሞያ ውጥን ክትሃንጽ ትሕግዘካ።

ምፍላጡ ዘገድስ ሰሙናዊ ቆጸራታ ምህላው ፣ ካብ ናይ ጉጅለ ንጥፈታት ወጻኢ።

ምህላው ስራሕ ፡ኣብዚ መደብ እዚ ፣ ክትመሃሩወይ ናይ ፈረንሳ ኮርስ ክትወስዱን፣ ነዚ ናይ ሲቪክ ኣገልግሎት ተልእኾ ኣብ ሓደ እዋን ክትገብርን ትኽእሉ ኢኹም።

ምፍላጡ ዘገድስ ኣብዚ መደብ ኩሉ ናይ ንግሆ ሰዓታት ነጻ ኢኹም ።

ንተግባራትኩም ኣብ ወርሓዊ 620 ዩሮ ክፍሊት ክትረክቡ ኢኹም ።

በዚ መደብ ኣቢልኩም ምስ ካልኦት መንእሰያት ፈረንሳውያንን ዓለምለኻውያንን ክትራኸቡ ኢኹም። መዓልታዊ ፈረንሳ ክትዛረብን ክትለማመዱ እውን ኢኹም።

ምህናጽ ሲቪክ ኣገልግሎት ሓድሽ ክእለት ከተማዕብል፡ ሞያዊ መርበብ ክትሃንጽን ርእሰ ተኣማንነትካን ርእሰ-ምትእምማንካን ከተሐይልን የኽእለኩም።

ኣብ ምሉእ እቲ መደብ ምስ ሰብ ሞያ፡ ትካላት፡ ማሕበራት ክትራኸቡ ትኽእሉ ፡ ኣብ ፈረንሳ ድማ ሞያዊ ዓለም ክትረክብ ትኽእሉ ኢኹም።

ከመይ ንገብሮ?

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወይ ናይ ኢንስታግራም ገጽ AIME ውን ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም ።

Lieu d'accueil

292, Rue Camille Guérin, Euralille, Lille-Centre, 59000 Lille, France

06 35 40 69 57

caroline.barbez@aime-ong.org

Chargement de la carte...

7 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • équipe - aime ongኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • MSተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት

Liens utiles