Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምርካብ ሓገዝ፣ ናይ ምሕደራዊ መስርሕ ንመንበሪ ገዛ ዝኸውን ካልእ ኣገልግሎታትን፣

ምስ ምስ Foyer Jeunes Travailleurs

ኣዳላዊ Résidence le Plessis Montceau-les-Mines ኣቐድዲሙ ዝነበረ місяць тому

ምምሕዳርና እቲ እኳ ብ Résidence Le Plessis ዝፍለጥ፣ ንብረት ዘለዎ መንበሪ ገዛ (ክፍልታት ወይ ስቱድዮ) ንኽራይ የቕርብ ምዃኑ ክሕብር ይፈቱ።

እዚ ብወርሒ፡ ወይ ንሓንቲ ወይ ልዕሊኡ ወላ ውን ለይቲ፡ ወይ ኣብ ፍሉይ ዕለታት ክትጸንሑ ዘኽእል ክራይ እዚ እንተአሊኹም በዚ መስርሕ ተኸተሉ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ መንበሪ ገዛ ንምምልካት ግድን ክማልኡ ዘለዎም ነገራት ፤
- ዕድመ ናይቲ ሰብ ካብ 16 ክሳብ 30 ዓመት ምዃን
- ስራሕ ምህላው
- ኣብ ወይ ትምህርቲ ወይ ኣብ ስልጠና ዘሎ ሰብ ምዃን
- ከምኡውን ወይ ኣብ ናይ ስራሕ-መጽናዕቲ መደብ ወይ ልምምድ ምህላው
- ብተወሳኺ ወይ ንሞያዊ ውህደት ደገፍ ምርካብ ዝኽእል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ። ናይ ኣባልነት ክፍሊት ንመዝገብ ፡ 5 ዩሮ ኣብ ዓመት።
ውሕስነት ገንዘብ: 110 ዩሮ .

ንምንታይከ የዘገድስ?

  • ወርሓዊ እቲ ክራይ ገዛ ካብ 300 ክሳብ 400 ዩሮ እዩ።
  • እዚ ማለት ኣገምግሎት ኩሉ ሓዊሱ ኣሎ፡ ማይ፡ መሞቒ፡ ኤሌክትሪክ፡ ግብሪ ቤት ምኽሪ ዘጠቓለለ እዩ።

  • ዝተማልአ ንብረት ዘለዎም ክፍልታት ወይ ስቱድዮታት: ምድጃ፣ ፍሪጅ...
  • ድሉው ናይ ዓራት ምስ ኣልባሱ።
  • ከምኡውን መሕጸቢ ማሽናት፣ ቱምብል መንቀጺ ( ክፍሊት ዝኽፈሎ )
  • ግቡእ ኣተሓሕዛ ጶስጣ ምቕባል ደብዳቤን ካልእን።
  • ምጥቓም ናይ ሓባር ቦታታት: ኮምፒዩተራት: ተለቪዥን...
  • ሓባራዊ ቦታታ መኽዘን ብሽክለታን ስኩተርን ኣሎ፣ ብሽክለታታትን ወዘተ።

  • ምርካብ ሓገዝን ምኽርን ንምምሕዳራዊ ኣገባባት: ግብሪ, France Travail (ፈረንሳዊ ትካል ስራሕ) ,ምሕደራ ባጀት, CAF (ፈረንሳዊ ፋንድ ኣበል ስድራቤት) , CPAM (ፈረንሳዊ ፋንድ መድሕን ጥዕና), ፍቓድ ምዝዋር መኪና, ፕረፈክቸር...
  • ምርካብ ሓበሬታ ናጻ ምዃንን ነቲ ኣገባባት ባዕልኻ ንምፍጻምን ዝሕግዙ
  • ምርካብ ምኽሪ ኣብ ጽሬት፡ ጽሬትን ጽገና ገዛን።
  • ከምኡውንመዘናግዒ፡ ምሸት ምሸት ንጥፈታትን ወርሒ ድማ ናይ ዙረት ንጥፍታትን።

  • ካብ CAF ሓገዝ መንበሪ ኣባይቲ ( APL) ናይ ምርካብ ተኽእሎ
  • APL ንምምልካት ዝሕግዝ ደገፍ : ነቲ መመልከቲ ኣብ ምድላው፣ ኣድለይቲ ሰነዳት ኣብ ምቕራብን ነቲ መመልከቲ ምልኣኽን ሓገዝ።
ምፍላጡ ዘገድስ ሓደ መንእሰይ ኣብ ልምምድ ስራሕ፡ ድሕሪ ናይ CAF ሓገዝ ምስ APL ምስ ዝርከብ ባዕሉ ዝኸፍሎ ክፍሊት ናይ ገዛ ክራይ ፡ ኣብ ወርሒ ካብ €18 ክሳብ €35 ጥራይ ምዃኑ ኣብ ግምት ኣእትዉ

ከመይ ንገብሮ?

  • ብስልኪና፡ 03 85 69 06 20
  • ብኢመይልና ፡ contact@haj-montceau.fr
  • ኣብ ቦታ ኣድራሻ : 5 Rue de la Résistance, 71300 Montceau-les-Mines
ምፍላጡ ዘገድስ ናይ ስራሕ ሰዓታት : ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 9 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 12 ድሕሪ ቀትሪ ከምኡ’ውን ካብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ ኣብቲ ናይ ኢንተርኔት ገጽና ምስ ኣተኹም ኣብ "Demande de logement" ዝብል ጠዊቕካ ነቲ ቅጥዒ ክትመልእዎ ኣለኩም።

Lieu d'accueil

5 Rue de la Résistance, 71300 Montceau-les-Mines, France

03 85 69 06 20

contact@haj-montceau.fr

Chargement de la carte...

11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • résidence le plessis montceau-les-minesኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • gitoroተርጓሚ/ሚት
  • hlftyተርጓሚ/ሚት
  • rama anzouተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • mariaxoxoተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት

Liens utiles