Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምርካብ ኣፍልጦ ን ተምክሮኹም

ምስ ምስ Expérience Sans Frontières Hauts-de-France

ኣዳላዊ GIP ViaPro Lille , Ministère de l'Intérieur , Union Européenneኣቐድዲሙ ዝነበረ 2 дні тому

እዚ "Expérience Sans Frontières Hauts-de-France"ዝብል መደብ ኣብ ፈረንሳ ርጉእ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ንምዕባይ ተመኩሮኹም ኣፍልጦ ንኽረክቡንይሕግዘኩም።

በዚ ደገፍ እዚ ድማ፤

  • ምስ ዕላማታትኩም ዝሰማማዕ ክእለት ብምልላይን ብምጥቃምን ውጥን ሞያኹም ሃነጹ
  • ሞያውን ወለንታዊን ተመኩሮኹም ፣ ኣብ ፈረንሳ ወይ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝረኸኡሞ፣ ኣፍልጦ ምእንቲ ክረክብ ጸዓሩ።
  • ክእለትኩም ብዝተመጣጠነ ስልጠና ብፍላይ ብፈረንሳ ከም ቋንቋ ወጻኢ (FLE)፣ ሞያዊ ስልጠና ወይ ድማ ብ des Acquis de l’Expérience (VAE)ኣማዕብል
  • ኣብ ፈረንሳ ብኢንተርንሺፕ፣ ብናይ ኩባንያ ምጥሓልን ማሕበረ-ሞያዊ ኮዳት ብምምሃርን ሞያዊ ኣሰራርሓታት ርኸብ።
  • ሞያዊ ተመኩሮኹም ብምጥቃም ዲፕሎማ ወይ ምስክር ወረቐት ውሰዱ

ንምንታይከ የዘገድስ?

እቲ ተመኩሮኹም፡ ኣብ ፈረንሳ ይኹን ኣብ መበቆል ሃገርኩም፡ ብወግዒ ኣፍልጦ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። በዚ ድማ

ጉዕዞኻ ዋጋ ስለዘለዎ ኩሉ ከም ብሓድሽ ምጅማር ኣየድልየኩም እዩ (ከም ትምህርቲ ወይ ዲግሪ ንዝኣመሰለ ወግዓዊት ተቐባልነት ንምርካብ )።

እምበኣርከስ ናብ ዝስዕብ ናይ ስልጠና ኮርሳት ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም፤

  • ክእለትኩም ኣማዕብሉ
  • ምምላስ ትምህርቲ ዳግማይ ምጅማር
  • ምምሕያሽ ፈረንሳዊ ቋንቋኻ ኣመሓይሽ
  • ምርካብ ኣብ ፈረንሳ ስራሕ ምእንቲ ክትፈልጡ።

እምበኣርከስ እዚ ድማ ብዝበለጸ ክትወሃሃድን ኣብ ሞያዊ ፕሮጀክትካ ንቕድሚት ክትስጉምን ይሕግዘኩም ምኹናኡ ኢና ንሕብር።

እቲ ብ VAE (Validation des Acquis de l’Expérience) ዝፍለጥ ኣብ ፈረንሳ ናይ ሞያ መንገድኻ ከም ዲፕሎማ ወይ ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ክረክብ የኽእለኩም ።

እዚ ድማ ርጉእን ዝሓሸ ደሞዝ ዘለዎን ስራሕ ንምርካብ ይሕግዘኩም ምኳኑ ኣብ ግምት ኣእትዉ።

ከመይ ንገብሮ?

ወይ ድማ ነቲ ትካል (France Travail, Mission Locale, CCAS, ወዘተ) ወይ ነቲ ኣብ ምድላይ ስራሕካ ዝሕግዘካ ዘሎ በዓል ሞያ ብኢንተርነት ክምዝግበካ ሕተቶ ፡ https://www.demarches-simplifiees.fr/commencer/fiche-individuelle-d-identification-du-candidat-es

ምፍላጡ ዘገድስ ንዝቐለለ ምዝገባ ዝኸውን ትምህርቲ ካብዚ ሊንክ lien leክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም ።

5 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • gipviaproኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • lizzተርጓሚ/ሚት
  • charifeh aldabaghተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት

Liens utiles