Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምኽኣል ንስራሕ ቋንቋ ፈረንሳ ተማሃሩ

ምስ ምስ Ateliers "Français vers l’emploi"

ኣዳላዊ BABEL44 ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 4 jours

ምርካብ ናይ 4 ወርሒ ስልጠና ኮርስ ን፤

  • ምኽኣል ደረጃ ናይ ምዝራብን ጽሑፍን ፈረንሳ ከተመሓይሹ
  • ምፍላጥ ሞያዊ ፕሮጀክት ከመይ ጌርኩም ከም እተቕርብ
  • ምድላው ንሞያዊ ውህደት ብዝበለጸ
ምፍላጡ ዘገድስ እቶም ዓውደ መጽናዕትታት ኣብ ሰሙን ኣብ መዓልቲ ዝካየዱ ኮይኖም፡ ናይ ጉጅለ፡ ንኣሽቱ ጉጅለታትን ውልቃዊ ንጥፈታትን ዝካየዱ እዮም።
ኣብ ቀውዒ ሓደ ክፍለ ግዜ ኣብ ጽድያ ድማ ሓደ ክፍለ ግዜ ኣሎ።
ደረጃኻ ንምውሳንን ምዕባለኻ ንምዕቃንን ሰለስተ ገምጋማት ይካየዱ፡ ሓደ ኣብ መጀመርታ፡ ሓደ ኣብ መፋርቕ፡ ሓደ ድማ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኮርስ።
ንምስታፍ ግድን፤
- ልዕሊ 18 ዓመት ክኸውን
- ምህላው ወረቐት ናይ ስደተኛ ምህላው ፡ ወይ ተጠቃሚ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ወይ ሃገር ዘይብሉ ክኸውን
- ወይ ድማ ኣብ ፈረንሳ ን5 ዓመት ዘይመልእ ምስ ስራሕ ፍቓድ ዝህብ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም
- ኣብ OFII CIR (ውዕል ውህደት ሪፓብሊካን) ፈሪሞም ኣለዉ።
- ብቋንቋ ኣዴኹምምንባብን ምጽሓፍን ፍለጥ
- ኣብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ከባቢ ከተማ ናንተስ (Dervallières, Bellevue, le Breil, ወዘተ) ይነብሩ።
ናይ ኣባልነት ክፍሊት ንመዝገብ ፡ €5 ኣብ ዓመት።

ንምንታይከ የዘገድስ?

  • ምኽኣል ኣብ ምጽሓፍን ምዝራብን ምዕባለ
  • ምምሃር ሓደስቲ ቃላት ተማሃሩ: ሞያውን መዓልታዊን ስነ-ቓላት
  • ከምኡውን ብዙሕ መራኸቢ ብዙሃን ምጥቃም፡ ጽሑፋት፡ ቅዳሓት ድምጺ፡ ቪድዮታት፡ መዓልታዊ ሰነዳት፡ ጽሑፋዊ ልምምዳትን ተራ ምጽዋትን።

  • ፕሮፌሽናል ፕሮጀክት ምህናጽን ከመይ ጌር ከም እትገልጾን ፍለጥ
  • ምምሃር ከመይ ጌርኩም ንነብስኩም ከም እተላልያ ።

  • ምኽኣል ሲቪን መሸፈኒ ደብዳቤን ከመይ ጌርካ ከም እትጽሕፍ ተማሃሩ
  • ምኽኣል ስልጠና ወይ ስራሕ ንምድላይ ዝሕግዙ መብርሂታት (ስጉምትታት፡ ስነ-ቓላትን ኣገደስቲ ሰነዳትን)።

ከመይ ንገብሮ?

ኣድላዪ እንተኾይኑ :

  • ደውሉ ብ 02 40 46 24 74 ።
  • ወይ ነዚ formulaire ቅጥዒ ምልእዎ
  • ናብ ናይ ሓበሬታ ኣኼባ መጺእኩም ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ንምግምጋም ፈተና ውሰድ።

Lieu d'accueil

Immeuble du Sillon de Bretagne (14 ème étage), 1, Avenue de l'Angevinière, 44800 Saint-Herblain, France

02 40 46 24 74

Chargement de la carte...

12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • babelኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • gitoroተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • mspተርጓሚ/ሚት
  • taghridተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት

Liens utiles