Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምምሃር ፍሉይ ቋንቋ ፈረንሳ ን ኣብ ኣውቶ መካኒክስ ክትሰርሑ ዝደልዩ ሰባት

ምስ ምስ Le français de la mécanique

ኣዳላዊ Centre d'Études, de Formation et d'Insertion par la Langue ኣቐድዲሙ ዝነበረ 4 місяці тому

እንተደኣ ኣብ ጋራጅ ናይ መኪና ንምስራሕ ንዝደልዩ ሰባት ማለት (መካኒክ፣ ጽገና፣ ክኢላ ስራሕ ምቅይያር ኣካላት፣ ቴክኒሻን፣ ምውናን ጋራጅ ወዘተ) ናይ 4 ወርሒ ስልጠና ኮርስ ዘጠቓለለ እዩ።

እቲ ቦታ ስልጠና ኣብ ፓሪስ ዝተዳለወ ኮይኑ፤

  • ምምሃር ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ
  • ምምሃር ትምህርቲ ሒሳብ
  • ከምኡውን ናይ ኮምፒተር ኮርሳት
  • መግለጺ ብዛዕባ ጽላት መካይን ዝምልከት
  • ምርካብ ስራሕ ንምድላይ ዝሕግዙ ምኽርታት።
ኣብዚ ንምስታፍ ግድን ክህልዉ ዘለዎም ነገራት፤
- ምህላው መንበሪ ፍቓድ ወይ ወረቐት።
- ኣብ ፓሪስ ኣድራሻ ክህልዎም (መዕቆቢ ወይ መንበሪ)
- ብፍላይ ኣብ መካኒክስ መካይን ተመኩሮ ዘለዎም (ኣብ ፈረንሳ ይኹን ኣብ ወጻኢ ሃገራት)
- እንተደኣ ኣብ መበቆል ሃገር (ዝተሓተ ደረጃ ካልኣይ ደረጃ) ዝተማህሩ ምዃን
- ከምኡ ውን እንተወሓደ ብፈረንሳ ደረጃ A1 ምህላው።

ንምንታይከ የዘገድስ?

  • ምእንቲ ምስ ሓለፍትኹም፡ መሳርሕትኹምን ዓማዊልን ንምርድዳእ ዝዝረብ ፈረንሳ ኣመሓይሹ
  • ምፍላጥ ናይ መኪና ቃላት ተማሃር
  • ብሳላ እዚ ኣብ መዓልታዊን ሞያውን ህይወት ዝያዳ ናጻ ክትከውን ፈረንሳ ምዝራብን ምጽሓፍን መምህር
  • ምምዕባል ብፈረንሳ ደረጃ A2 ምብጻሕ ወዘተ ።

  • ኣብዚ መደብ ምስ ሰብ ሞያ ኣውቶ መካኒክስ ተራኸቡ።
  • ከምኡውን ናብ ማእከላት ስልጠና ምብጻሕ።

  • ምልላይ ኣብ መካኒክስ መካይን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሞያታት
  • ሞያዊ ፕሮጀክትኹም ኣረጋግጽጹ እዚ ማለት (እንታይ ስራሕ ከም ዘገድሰኩም፡ ኣበይ ክትሰርሕ ከም እትደሊ ወዘተ)
  • ስራሕ ምድላይ (ናይ ስራሕ ዕድል ምርካብን ምንባብን፡ ሲቪ ምጽሓፍ፡ ንስራሕ ቃለ መሕትት ምድላው ወዘተ)።

ከመይ ንገብሮ?

ንኣርመል PETITCLERC (ኣተሓባባሪ መደብ) ንዝቕጽል ስልጠናታት ዝካየደሉ መዓልታት ሕተትዎን ክትምዝገቡን።

Lieu d'accueil

2 impasse du Curé 75018 Paris, France

01 40 38 67 76

contact@cefil.org

Chargement de la carte...

10 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • armelle-cefilኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • gitoroተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • medtradcተርጓሚ/ሚት
  • yassin bazzaziተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት

Liens utiles