Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምርካን ደገፍ ናይ ሞያዊ ውህደት ድሕሪ ቋንቋ ፈረንሳ ምምሃርኩም

ምስ ምስ Avec Tremplin linguistique vers l'emploi - Niveau A2

ኣዳላዊ EMA - École Monique Apple ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 17 jours

እቶም ምስ ደረጃ ናይ ተሳተፍቲ ዓውደ መጽናዕትኹምን ዝተመጣጠነ ኮርሳት ፈረንሳ ኣብ ሞያዊ ውህደት ንምዕዋት ዝሕግዝ ኮይኑ እዩ ዝተሰርሐ።

እዚ ናይ 405 ሰዓታት ስልጠና ንደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ፣ ተጠቀምቲ ንኡሳን ሓለዋ ወይ ሃገር ኣልቦ ሰባት ክፉት እዩ።ሓደስቲ መጻእቲ (ስደተኛታት፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ) ኣብ CIR ዝፈረማ ፣ ነጻ እዩ።

እዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኽትሳተፉ እንተደሊኹም - ኣብ ሃገርካ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝተማህርካኩምን ኣብ ምድላይ ስራሕካ ሞያዊ ክእለት ከተዕቢ ትደሊን - ብናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ፈረንሳ ደረጃ A1 ክህልወኡም ኣለዎ - ኣብ ፓሪስ ክትነብሩን ። ቀዳምነት ንገለ ኣመልከትቲ ከምዝወሃብ ኣስተውዕሉ: ኣብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ዘለዎም ክፋል ክፋል ሕብረተሰብ ኣለዉ፣እዚኦም ድማ ከባቢ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ፤ ኣብ ፈረንሳ ትሕቲ 5 ዓመት ዝጸንሑን መንበሪ ፍቓድ ዘለዎምን፤ ጽግዕተኛ ቆልዑ ዘለዎም ወይ ደቆም በይኖም ዘዕብዩ፤ ከምኡ’ውን ተቐበልቲ RSA (revenu de solidarité active).እዮም።

ናይ ሰዓታት እዋን : ኣብ ሰሙን 20 ሰዓታት ኣብ 4 መዓልታት ዝተዘርግሐ: ሰኑይ: ሰሉስ: ሓሙስን ዓርብን ካብ ሰዓት 9:30 ክሳብ ክሳብ 15:30ናይ ምሸት


1ይ ክፍሊ፡ 21 መስከረም 2026 – 5 ለካቲት 2027

2ይ ክፍሊ፡ 1 መጋቢት 2027 – 17 ሓምለ 2027

ሞዱላት፤

1. ፈረንሳ፡ ፈረንሳ ከም ናይ ወጻኢ ቋንቋ ኮርስ (126 ሰዓታት)፡ ናይ ገምጋም ዓውደ መጽናዕትታት (72 ሰዓታት)፡ ድምጺ (18 ሰዓታት)፡ ፈረንሳ ብትያትር (27 ሰዓታት)፡ ሲቪካዊ ስልጠና (27 ሰዓታት)፡ ናይ ኦንላይን ትምህርቲ መድረኽ (45 ሰዓታት)

2. ስራሕን ብቕዓትን፡ ሞያዊ መንገዲ ዓውደ መጽናዕትታት (45 ሰዓታት)፡ ማሕበራውን ሞያውን ደገፍ (4 ሰዓታት)

3. ስነ-ጥበብን ርእሰ-ምትእምማንን፡ ስነ-ጥበባዊ ዓውደ መጽናዕትታትን ምፍራይ ሓባራዊ ሓጻር ሰነዳዊ ፊልምን (45 ሰዓታት)

ንምንታይከ የዘገድስ?

እዚ ስልጠና ብዝተፈላለየ ዲፕሎማን ብቕዓትን ብዘለዎም ሰብ ሞያ እዩ ዝወሃብ፤

  • ኣሰልጠንቲ ኣብ FLE (ፈረንሳ ከም ቋንቋ ወጻኢ)
  • ተዋዘይቶ ወይ ተዋሳእቲ
  • ተዛረብቲ ቤተ መዘክር
  • ናይ ሞያ ኣማኸርቲ።
ምፍላጡ ዘገድስ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ስልጠና ንፈተና DFP Affaires (diplôme de français professionnel) ክትዳሎን ክትወስድን ትኽእል ኢኻ።

ምስ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ብምዝርራብ ስራሕ ወይ ስልጠና ኣብ ምርካብ ዘጋጥም ጸገማት ንምምሕያሽ ንሓድሕ ንምትሕግጋዝ የኽእል

ምፍላጡ ዘገድስ ናይዚ መደብ ነባራት ተማሃሮ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ተመሊሶም ተመኩሮኦም ከካፍሉን ምኽሪ ዝህብሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።

ምስ ተዋሳእቲ ናይ ትያትር ልምምድ ክትገብር ዕድል ኣሎካ፤

  • ምዝራብ ፈረንሳይካ ኣመሓይሽ
  • ብዝበለጸ ምዝርራብን ብቐሊሉ ምውህሃድን ተማሃሩ።

ምስ ተዋሳእቲ ናይ ትያትር ልምምድ ክትገብር ዕድል ኣሎኩም

ሲቪ ፈጢርካ ስራሕ ድለዩ

  • ተመኩሮኻ ኣጉልሑ
  • ንናይ ስራሕ ቃለ መሕትት ተዳለዉ።

እትመሃር ዎም ነገራት

  • ሲቪን CV ናይ ስራሕ ምርካብ መስርሕን ፣
  • ምዕባይ ተመኩሮኹም
  • ምግባር ምድላው ንቃለ መሕትት

ከመይ ንገብሮ?

ነዚ ሰነድ ብምምላእ formulaire ከምኡውን፣ በዚ ርኸቡናን contact@ecolemoniqueapple.com.

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • claudia mምምሕዳር
  • xavidumምምሕዳር
  • école monique appleኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • veronicasiተርጓሚ/ሚት
  • igornrgተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • nour alhindiተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት

Liens utiles