ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Association pour la reconnaissance des droits des personnes homosexuelles et trans à l'immigration et au séjour (ARDHIS)
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ምርካብ ማሕበራዊ ደገፍ
እንታዩ’ዩ ?
እዚ ብ ንLGBTQI+ ሓደስቲ መጻእቲ (ሌዝቢያን፡ ግብረሰዶማውያን፡ ክልተ ጾታ፡ ትራንስ፡ ኲየር፡ ኢንተርሴክስ፡ ኣሴክሹዋል) ዝተሓዝአ ማእከል ማሕበራዊ ደገፍ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ሓገዝ ቆጸራ ምሓዝ ይከኣል እዩ፤
- ህጹጽ ሓገዝ (ናይ መዓልቲ ማእከላትን ምክፍፋል መግብን ርኸብ፣ ምስ 115 ርኸብ ወዘተ)
- ወረቓቕቲ (መንበሪ ፍቓድ ምሕታት፣ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ምልውዋጥ፣ መንበሪ ገዛ ምህላው ወዘተ)
- ጥዕና (ማእከል ሕክምና ምርካብ፡ ምስ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ቆጸራ ምሓዝ ወዘተ)
- ሞያዊ ውህደት (ኣብ Pôle Emploi ወይ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ተልእኾ ተመዝገብ፣ ስራሕ ወይ ስልጠና ድለ ወዘተ)
- መንበሪ (ንመዕቆቢ ኣመልክት ወዘተ)።
ንምንታይከ የዘገድስ?
እዚማሕበር መሰል ክትፈልጥን ፋይላት ክትመልእን ንሕቶን ምሕዳስን ክትገብር ይሕግዝ።
ንኣብነት፡ ፋይል መመልከቲ ማሕበራዊ ኣባይቲ፡ ቅጥዒ ንመመላእታ ጥዕና ሶሊዳሪቲ (CSS/ex-CMU)፡ ምጉዳል ንናቪጎ ፓስ፡ ጥቕምታት CAF፡ ምዝገባ ፖለ ኤምፕሎይ፡ ምሕዳስ ፍቓድ መንበሪ ፍቓድ፡ ዝርዝር ርክብ ንMDPH፡ ፋይል ክትገብሮ ዘለካ ናይ ዲፕሎማ ማዕረነት፣ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ምሕታት...ወዘተ የጠቓልል
- ኣብ ነብስኻ ምትእምማን ንምህላው
- ኣብ ክእለትኩም ዝተመርኮሰ ሞያዊ ፕሮጀክት ምህናጽ
- ስራሕ ንምርካብ።
እቲ ማሕበር ንዓውዲን ጸገማትን LGBTQI+ ስደተኛታት ሰባት የለሊ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ወይ ጸገም ንምፍታሕ ፍሉይ ምኽሪ ምርካብ የኽእል።
- ጸወታ ኹዕሶ እግሪ
- ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ
- ብጉዕዞ እግሪ
- ፒክኒክ ሓባራዊ ምዝናይ
- ናብ ቤተ መዘክር ምብጻሕ ክኸውን ይኽእል ።
ከመይ ንገብሮ?
- ኣድራሻ፡"La Bulle", 22 rue Malher, 75004 Paris
- ኩሉ ግዜ ቀዳም (ብዘይካ 3ይ ቀዳም ናይ ወርሒ) ሰዓት 9፡30
- ምስ ናይቲ ማሕበር ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ቆጸራ ሕተቱ።
ቆጸራ ምጽባይ ኣስታት ሓደ ሰሙን ኣሎ።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ