ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ la Mission Locale du Charolais
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ኩነታት
ኣበይ ?
ምርካብ ሓገዝ ናብ ሞያዊ ህይወት ንምእታው
እንታዩ’ዩ ?
ኣብ ዞባ Charolais Brionnais ቻሮላይስ ብሪዮናይስ ካብ 16 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝግበር ደገፍ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት፤
- ኣንፈትን ሓበሬታን፡ ጽላታት ምልመላ፡ ዓይነታት ውዕላት ወዘተ።
- ስራሕ ኣብ ምርካብ፡ ልምምድ፡ ስልጠና፡ ሲቪክ ኣገልግሎት፡ ስራሕ-መጽናዕቲ...
- መሰላት ምርካብ፡ መሰላትን ግዴታታትን ምርዳእን ምፍላጥን፡ ዜጋ ምዃን...
- መዓልታዊ ህይወት: መጓዓዝያ: መንበሪ ምርካብ: ጥዕናኻ ምሕብሓብ: ኣብ ንጥፈታት ምስታፍ...ወዘተ
ንምንታይከ የዘገድስ?
ምእንቲ ኣብ ሞያዊ ፕሮጀክትካ ምኽሪ ክትረክብ፡ ሞያታትን ትካላትን ክትረክብ፡ ምስ ሰብ ሞያ ክትራኸብ ዕድል ይህብ።
ብተወሳኺ ብዘይካ ስራሕን ስልጠናን፡ ጉጅለ ሚሽን ሎካል ኣብ መንበሪ ገዛ፡ ጥዕና፡ ፍቓድ፡ ባጀት ወዘተ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
እቲ ደገፍ ምስ ኩነታትካ ዝተመጣጠነ እውን እዩ።
ጉጅለ ሚሽን ሎካል Mission Locale ይሰምዓካ፣ የነቓቕሓካ፣ ሓደስቲ ሰባት ንምርኻብን ኣብ ጉዕዞኻ ንቕድሚት ክትስጉም ክትሕግዘካን ኣብ ንጥፈታት ክትሳተፍ ዕድል ይህበካ።
ከመይ ንገብሮ?
- ብስልኪ : 03 85 85 49 30
- ብኢመይል : milocharolais@milobfc.fr
ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኣቀባብላ ኣጋይሽ ኣሎ፡ ቦርቦን ላንሲ፡ ሻሮለስ፡ ሻቶነፍ፡ ሻውፋይልስ፡ ዲጎይን፡ ጉዮን፡ ላ ክላየት፡ ማርሲኒ፡ ፓራይ ለ ሞኒያል፡ ሴንት ቦኔት ደ ጆክስ፡ ሰሙር ኤን ብሪዮነስ፡ ቱሎን ሱር ኣሮክስ።
ተወሳኺ ሓበሬታle Site de la Mission Locale du Charolais
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ