Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣብ ኮርባስ Corbas ቋንቋ ፈረንሳ ተማሃሩ

ምስ ምስ Ateliers Socio-linguistiques

ኣዳላዊ Safore formation , ALYNEAኣቐድዲሙ ዝነበረ рік тому

ምእንቲ ፈረንሳዊ ቋንቋኻ ንምምሕያሽን መዓልታዊን ኣብ ሞያዊ ሃዋህውን ብዝበለጸ ንምርድዳእን ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ዓውደ መጽናዕቲ ።

ትሕዝቶ ናይቶም ዓውደ መጽናዕትታት ምስ ድሌት ተሳተፍቲ ዝተመጣጠነ እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ!
ኣብቲ ዓውደ መጽናዕትታት ንምስታፍ ኣብ ኮርባስ ክትነብር ኣለካ።
መመልከቲ ዓመት ምሉእ ተቐባልነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብቲ ስልጠና ክትወጹ ናጻ ኢኹም።

ንምንታይከ የዘገድስ?

  • ምእንቲ ብኣፋውን ብጽሑፍን ብዝበለጸ ምዝርራብ
  • ኣብ ድምጽታትን ኣደማምጻን ስራሕ
  • ናይ ዕለታዊን ሞያዊን ህይወት ቃላትን መግለጺታትን ምርዳእን ምጥቃምን።
  • ኣገዳሲ ሓበሬታ ምልላይ ምኽኣል ።

ምስ ስራሕ ብዝተኣሳሰር ፈረንሳ ተማሃሩ፤

  • ምምሕዳራውን ሕጋውን ሃዋህው ምፍላጥ
  • ሞያዊ ስነ-ቓላት ተማሃር
  • ንዝተዋህበ ዕድል ስራሕ ኣንብብ
  • ሲቪ ጽሓፉ CV
  • ምድላው ንቃለ መሕትት ።

ኣብ ንመዓልታዊ ህይወት ቋንቋን ፈረንሳ ተማሃሩ፤

  • ከመይ ጌርኩም ንነብስኻ ከም እተቕርብ ፍለጥ
  • ምውሳድ ቆጸራ ምኽኣል
  • መንነት ወረቐት (ፎርም) ምምላእ
  • ምዝዋር: ናብ ሓኪም ምኻድ: ናብ ቆጸራ ፈረንሳ ትራቫይል (ናይ ቀደም Pôle emploi) ወዘተ።

ከመይ ንገብሮ?

  • ብስልኪ፡ 04 72 90 05 30
  • ኣብቲ ቦታ፡ Maison de l'emploi, Espace Lachenal ማእከል ስራሕ፡ ኢስፔስ ላቸናል፡ 18C Rue des Marronniers, 69960 Corbas. ።
ምፍላጡ ዘገድስ!
ዓውደ መጽናዕትታት ካብ መስከረም ክሳብ ሓምለ ብዘይካ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ትምህርቲ ይካየድ።

17 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • a mugnierምምሕዳር
  • xavidumምምሕዳር
  • saforeኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • carolusኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • mohieddinተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • cmተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • skyzaryተርጓሚ/ሚት
  • sarachloeተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • klmተርጓሚ/ሚት
  • smirsha28ተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት

Liens utiles