ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ le centre d'examen - Espace C2B - CRIA45
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ናብ ተዓዘብቲሓተትቲ ዑቕባ, ስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ
ደረጃ ርድኢት ቋንቋ ፈረንሳB2, B1, A2, A1
ዋጋ
ኣብ መንጎ 90€ ን 140€ ሓንሳብዘሎ ዝርዝር
ኣበይ ?
ምሕላፍ ፈተና ናይ ወግዓዊ ዲፕሎማ ቋንቋ ፈረንሳ (DELF)
እንታዩ’ዩ ?
እቲ DELF ብሚኒስትሪ ሃገራዊ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝወሃብ ዲፕሎማ መጽናዕቲ ቋንቋ ፈረንሳ እዩ።
እዚ ዲፕሎማ 4 ተግባራት ክእለት ዝግምግም ኮይኑ፡ ኣፋዊ ናይ ምርዳእ፡ ጽሑፋዊ ናይ ምርዳእ፡ ምጽሓፍን ምዝራብን ዝኣመሰሉ ተግባራት የጠቓልል ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
እቲ ደረጃ A1 ኣብ ፈረንሳ ንመስርሕ ውህደትካ የዕብዮ።
እቲ ደረጃ A2 ፕረፈክቸር ናይ 10 ዓመት መንበሪ ካርድ ንምርካብ ዝጠልቦ ደረጃ እዩ።
እቲ ደረጃ B1 ንመስርሕ ናቹራላይዜሽን ንምዝዛም ፕረፈክቸር ዝጠልቦ ደረጃ እዩ። ኣብ ዝተወሰኑ ብቑዓት ኮርሳት ምእታው እውን ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ናይ ደረጃ B2 ኣብ ፈረንሳ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ዳግማይ ንምጅማር ወይ ድማ ናብ ዝተወሰኑ ብቑዓት ኮርሳት ንምእታው ኣድላዪ እዩ።
ከመይ ንገብሮ?
- ብኢንተርነት ተመዝገቡ።
- ኣብ ቦታና : ናይ ግድን ብቆጸራ ብ 02 38 63 77 22 ወይ ብ avis@cria45.com ጥራይ ክትሕዙ ይግባእ
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ