Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ሞያ ምሓዝ ቆልዑን ቋንቋ ፈረንሳ ዘጣመረ ስልጠና ምውሳድ

ምስ ምስ La maison du Bas Belleville (CRESCENDO)

ኣዳላዊ Centre social et culturel Maison du Bas Belleville ኣቐድዲሙ ዝነበረ 2 роки тому

እዚ ስልጠና ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ምጽሓፍን ምዝራብን ንምምሕያሽን ኣብ ስራሕካ ርእሰ - ምምሕዳር ንምዃንን ዝወሃብ ስልጠና ’ዩ ።

እዚ ስልጠና ኣብ ትካላት ጥዕናን ቅድመ ቁልዕነትን ክሰርሑ ንዝደልዩ ሰባት ዝዓለመ እውን እዩ።

ዕላማታት :

- ኣብ ጽላት ክንክን ቅድመ ቁልዕነት ስራሕ ወይ ሞያዊ ስልጠና ክህልዎም ዝገብር ኮይኑ

- ናይ ፈረንሳ ዲፕሎማ ኣብ እዚ ሞያ ( DCL FLE ወይ FP ) ምድላው ይጠቅም።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብእቲ ስልተና ጽሑፍን ምዝራብን ንኽትስጉም ምስ ደረጃኻ ዝተመጣጠነ ትምህርቲ ፈረንሳ ንዝስዕቡ ይቐርብ፤

  • መሰረታዊ ፍልጠት (ንባብ፡ ምጽሓፍ) ምግምጋም ብምሃብየዳሉ
  • ምስ ሞያ ቁልዕን ምክንኻኖምን ዝተኣሳሰር ቴክኒካዊ ቃላት ይህብ ምርዳእ
  • ሞያዊ ክእለትካ ኣማዕብል፡ ድሌታት ህጻናት፡ ኣመጋግባ፡ ጽሬት፡ ማሕበረ-ባህላዊ ጉዳያት (ዓለማውነት፡ ጾታ ወዘተ)።

ብዘይካ እዚ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኮርስ፡ ናይ ፈረንሳ ዲፕሎማ ( DCL FLE ወይ FP ) ክትሓልፍን ናይ ቀዳማይ ረድኤት ምስክር ወረቐት ( PSC1 ) ክትረክብን ትኽእል ኢኻ።

ምፍላጡ ዘገድስ
ኣብ ሒሳብ መሰረታዊ ነገራት ንምድልዳል ዝሕግዝ ኮርስ እውን መዓልታዊ ናጻ ንምዃን ይቐርብ።

  • ሲቪን ናይ መጽናዕቲ ምምስሳልን ስርሑ፣ ተመኩሮኹም ኣጉልሑ፣ ንቃለ መሕትት ተዳለዉ...
  • ዲጂታላዊ ኣገባ ብምጥቃም ተማሃሩን : ስልጠና ከመይ ጌርካ ከም እትረክብ ፍለጡን፣ ብ መገዲ ኢንተርነት ካልእ ዓይነት ስልጠና ንምውሳድ ክትክእሉ ወዘተ ዝዓለመ እዩ...

  • ምስ ሰብ ሞያ ክንክን ቁልዕነትን ኣባላት ማሕበራዊ ማእከልን ተራኸቡ።
  • ምስ ካልኦት ተማሃሮ ተዋፈሩን ካብ ነንሕድሕዶም ተማሃሩን።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኮርስ ፡ ኣብ ሓደ መዋእለ ህጻናት ናይ ክልተ ሰሙን ልምምድ ክትገብር ትኽእሉ ኢኹም።

ከመይ ንገብሮ?

  1. ብኤስኤምኤስ ስም ስድራቤትኩም፡ ምሉእ ስምኩም፡ ደረጃኹም ብቕዓትቋንቋ ፈረንሳን፣ ምስ ቁጽሪ ተሌፎንኩምን ናብ 06 42 59 45 17 ስደዱ ወይ ድማ ናብ linguistic.belleville@groupe-sos.org ኢመይል ስደዱ
  2. ብድሕሪኡ ኣብ እዋን ሓባራዊ ሓበሬታ ኣኼባ ንኣቀራርባ ናይቲ ስልጠና ክትዕደሙን ናይ ኣሰራርሓ ፈተና ክትገብሩን ትኽእሉ ኢኹም።
  3. ንስልጠና ንምስራሕ ክሓልፍ ዝግበኦ ውልቃዊ ቃለ መሕትት ብምሕላስ ናብቲ ስልጠና ምስታፍ ትኽእሉ ።

12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • a mugnierምምሕዳር
  • xavidumምምሕዳር
  • utilisateur_704434ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • mariamተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • rzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት

Liens utiles