Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
መተግበሪጥዕናምስ IntégraPsy ኣብ ናይ 6 ክፍልታት

ክስማዕን ምኽኣልን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ምርካብን

ምስ ምስ IntégraPsy

Intégrapsyኣዳላዊ Intégrapsy ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 3 ans

ንዘድልዮም ሰባት ናይ ምስማዕን ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍን ንምሃብ ዝገሹ ሰብ ሞያ ዝሓቖፈት ጉጅለ እያ።

እዚ ሓገዝ ንዓበይቲ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ወይ ሓደስቲ ዝመጹ ስደተኛታት ዝተሓዝአ እዩ።

ጽቡቕ ምፍላጥ !

ጉጅለ ኢንተግራፕሳይ ብቐጥታ ናብቲ ዝምልከቶም ሰባት ዝነብሩሉ መቐበሊ ኣጋይሽ (ማእከላት መንበሪ፣ ገዛውቲ ወዘተ) እናተንቀሳቐሰ ይሰርሕ።

እቲ ጉጅለ ብናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላታት፡ ሞያውያን ኣማኸርቲ ውህደትን ኣምባሳደራት ውህደትን (ቋንቋኻ ዝዛረብ ሰብ) ዝቖመ እዩ።

ንምንታይከ የዘገድስ?

  • ክስማዕን ውልቃዊ ምክትታልን ይግበር
  • ኣብ ናይ ዘተን ደገፍን ጉጅለታት ተሳተፍ።

ጽቡቕ ምፍላጥ !

እቲ ምክትታል ሓጺር ግዜ ዝወስድ ኮይኑ ከከም ኣድላይነቱ ናብ ካልኦት መሓውራት ጥዕና (ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምናዊ ማእከላት፣ ሆስፒታላት) ሪፈራል ይከኣል እዩ።

እቲ ተንቀሳቓሲ መሳርሒ ብቐጥታ ኣብቶም መቐበሊ መሓውራት ነቑጣ ይኣቱ፤

  • መቐበሊ ማእከላት ሓተትቲ ዑቕባ (CADA)
  • ማእከላት ህጹጽ መንበሪ (CHU) / ከምኡ’ውን ማእከላት ማሕበራዊ ዳግመ-ውህደት (CHRS)
  • ህጹጽ መንበሪ ሓተቲ ዑቕባ (HUDA)
  • ግዝያዊ መንበሪ ማእከላት (CPH)
  • መንእሰያት ሰራሕተኛታት ሆስቴላት...

እቲ ደገፍ ምስቲ ኣብዞም መቐበሊ ኣጋይሽ ዝቐርብ መመላእታ እዩ።

ኣምባሳደራት ውህደት ንሰብ ሞያ ኢንተግሬፕሳይ ይድግፉ። እዚኦም ቋንቋታት ወጻኢ (ፓሽቶ፡ ዳሪ፡ ኦሮሞ...) ዝዛረቡን ስለዚ ቋንቋ ኣዴኻ ክትዛረቡ እትኽእሉን ሰባት እዮም። ነቲ ክትገልጾ እትደሊ ነቲ ናይ ስነ-ልቦና ክኢላ ክትርጉምዎ ይኽእሉ እዮም።

ከመይ ንገብሮ?

ካብ ኢንተግራሳይ ሓገዝ ንምርካብ መጀመርታ ምስ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ተዘራረቡ ነዚ መሳርሒ ከም እትደልዮ ክትነግርዎም ኣለኩም።

እቲ ዘሰንየኩም ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ምሳኹም ናይ ምትእትታው ሕቶ ቅጥዒ ብምምላእ ብኢመይል ብመልክዕ ፒዲኤፍ ናብቲ ዝምልከቶ ጨንፈር ናይቲ ዓውዲ ክለኣኽ እዩ፤

  • ኖርድ-ፓስ-ደ-ካሌስ፡ integrapsy@vieactive.asso.fr
  • ኣይስነ፡ ሶም፡ ኦይስ፡ integrapsy-hdf@vieactive.asso.fr
  • ፓሪስ፡ ቫል-ደ-ማርን፡ integrapsy-idf@vieactive.asso.fr

ኣምባሳደር ውህደት ክትከውንን ኣባል ናይ ውህደት ጉጅለ ክትከውንን ትኽእል ኢኻ ።

ነዚ ድማ ሲቪኹምን ናይ መሸፈኒ ደብዳቤኹምን ብኢመይል ናብ integrapsy@vieactive.asso.fr ክትሰዱ ኣለኩም

ምግላጽ ኣብ ግምት ኣእትው፤

  • እትዛረቦም ቋንቋታትን ደረጃኻን።
  • እቲ ዝድለ ናይ ምትእትታው ዓውዲ።

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

claudia mclaudia mምምሕዳር
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
ammar bazzaziammar bazzaziተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
intégrapsyintégrapsyኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
rzgar-bapirirzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
marissamarissaተርጓሚ/ሚት
yoan pouzetyoan pouzetተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት

Liens utiles