ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ le Dispositif Insertion Réfugiés (DIR)
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ኩነታት
ኣበይ ?
ምርካብ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ ድሕሪኡ ርእስኹም ምኽኣል
እንታዩ’ዩ ?
ምስ ኣቃውማ ስድራቤትኩም ዝተመጣጠነ ግዝያዊ ንኡስ ክራይ መንበሪ ኣባይትን ከከም ድሌታትኩም ዓለማዊ ማሕበራዊ ደገፍን ይህበኩም ።
ንውሓት ግዜ ናይቲ ንኡስ ውዕል ክራይ 6 ወርሒ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 6 ወርሒ ዝሕደስ እዩ። እቲ ዝካረ መንበሪ ገዛ ነቲ ኣብኡ ዝቕመጥ ሰብ ቀዋሚ መንበሪ ክኸውን እዩ።
ንምንታይከ የዘገድስ?
ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤
- ፍጹም ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ብሕቲ መንበሪ
- ንኤፒኤል መሰል ዝህብ ንብረት ዘለዎ መንበሪ (ብመሰረት ኩነታት ኣታዊኹም)።
ውዕል ክራይ ምስ ፈረምካ ምስ ናይ ሓደ ወርሒ ክራይ ዝሰማማዕ ውሕስነት ክትከፍል ኣለኩም።
ክራይ ገዛኻ ብመሰረት መሰላት APL (CAF ) ክሕሰብ እዩ።
ሓደ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ኣብ ኣገባባትካ ከከም ድሌታትካን ፕሮጀክትካን ይድግፈካ፤
- ስራሕ/ስልጠና
- ስድራቤት (ትምህርቲ፡ ወላዲነት)
- ምሕደራ ባጀትን ሃልኪ ጸዓትን።
- ኣብ ጽገና ኣባይቲ ዝግበር ሓገዝ
- ጥዕና
- ናጻ መንበሪ ድለዩ።
ከመይ ንገብሮ?
ናብ 115 ብምድዋል ወይ ንዝድግፈካ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ (CHRS, CCAS, CAF, ወዘተ) ርክብ ብምግባር ካብዚ ስርዓት ተጠቃሚ ክትከውን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ነቲ ቅድመ ኩነት እንተ ኣማሊእካ፡ ድሕሪኡ ምስ ኣገልግሎት ውህደት ኣባይቲ ኮኣልያ 60 (SIL) ርክብ ይግበር።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ