Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምስልጣን ተሓጋጋዚ ሰራሕተኛ እንዳ ዕምባባ ንምዃን

ምስ ምስ Association Du Pain et des Roses

ኣዳላዊ Du pain et des Roses ኣቐድዲሙ ዝነበረ рік тому

እዚ ስልጠና ንደቂ ኣንስትዮ ከምኡ ውን ሓገዝ ሰባት ዝዓለመ ኮይኑ ናይ ሞያዊ ብቕዓት ምስክር ወረቐት (CQP) ተሓጋጋዚ ክኢላ መፍረ ዕምባባ ንምርካብ ዝዓለመ እዩ።

ገለ ክፋል ክልሰ-ሓሳባዊ ኮርሳት (ቦታኒ፡ ዘላቒ ዕምባባ፡ ንግዲ ዕምባባታት) ከምኡ’ውን ገለ ክፋል ግብራዊ ኮርሳት (ኣቃውማ ዕምባባታት፡ ሓባራዊ ዓውደ-መጽናዕትታት) የጠቓልል። ብተወሳኺ ሞያዊ ደገፍ ይህብ ( ሲቪ ኹም CV, ምፍጣር፣ ፖርትፎሊዮኻ ምግባር፣ንቃለ መሕትት ምድላው)።

ጽቡቕ ምፍላጥ:

ናይ 3 ሰሙን ትምህርቲ ድሕሪኡ 1 ሰሙን ናይ ልምምድ ክፍለ ግዜታት ኣብ ምሉእ ንውሓት ግዜ እቲ ስልጠና ይዝርጋሕ። ብ3 ሰሙን ኢንተርንሺፕን 1 ሰሙን ፈተናን ይዛዘም።

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ስልጠና፡ ብዙሓት ተኽልታት ብቐሊሉ ከተለልዮም፡ ዕንበባታት ከመይ ጌርካ ከም እተዳሉን ትሰርሕን ክትፈልጥ፡ ንሓደ ዓሚል ከተሰንዮ ወዘተ ክትክእል ኢኻ።

ኣብ እዋንን ድሕሪን ስልጠና ንሞያዊ ውህደትካ፡ ብፍላይ ድማ ንስራሕ ምድላይካ ምእንቲ ክትክእሉ ዘኽእል ስልጠና።

እቲ ስልጠና ብንኣሽቱ ጉጅለታት እዩ ዝካየድ። እዚ ድማ ናይ ሓልዮት ቦታ ይፈጥር፣ ኣብኡ ድማ ሓድሽ ክእለት እናማዕበልካ ኣብ ክእለትካ ዳግማይ ርእሰ ተኣማንነት ክትረክብ ትኽእል።

ከመይ ንገብሮ?

ኣብቲ ስልጠና ንምጽንባር ግድን፤

  • ናይ ሞያዊ ዳግመ-ውህደት ሕቶታት ምግጣም
  • ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ክስዕቦ
  • ኣብ Pôle Emploi ዝተመዝገበ ደላዪ ስራሕ ኩን።
  • ብተዛማዲ ጽቡቕ ኣካላዊ ኩነታት ኩን: ስራሕ ዕምባባ ዕዳጋ ብቐንዱ ደው ኢልካ ዝፍጸም ኮይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ጽዕነት (ቫዝሊንን ባልጃታት ማይን)(vases et seaux d’eau). ምጽዓን ዘጠቓልል እዩ።

ዱ ፔይን ኤንድ ደስ ሮዝስ ኣብ ቀጽሩ ሓባራዊ ሓበሬታ የዳሉ። ንዝኾነ ሰብ ክስልጥንን ነቲ መዐቀኒታት ከማልእን ዝደሊ ክፉታት እዮም።

ብ ኣካል መጺኹም ምምዝጋብ ናይ ግድን እዩ ስለዚ ኣብ እቲ ቦታ ተረኸቡ


ኣገዳሲ ሓበሬታ!

ሓባራዊ ሓበሬታ፡ መእተዊ ንኣቃውማ ዕንበባታት፡ ኣቀራርባ ሞያዊ ስልጠናናን ናይ ስልጠና መእተዊ ቃለ መሕትትን የጠቓልል። ስለዚ ሲቪኹም ሒዝኩም ምምጻእ ኣይትረስዑ CV !

ንምስታፍ፡ ቅጥዒ ምዝገባ ክትመልኡ ኣለኩም፤

Formulaire Inscriptionንዝያዳ ሓበሬታ ነዛ ብሮሹር ከተውርድዋ ​​ትኽእሉ ኢኹም፤

ቅጥዒ ምዝገባ Formulaire Inscription

ንዝያዳ ሓበሬታ ነዛ ብሮሹር ከተውርድዋ ትኽእሉ ኢኹም፤

ናይ ስልጠና ብሮሹPlaquette Formation

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • margotgltምምሕዳር
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • mariaተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • hadudmak19ተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • du pain et des rosesኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • mgoተርጓሚ/ሚት

Liens utiles