Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምምሃር ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ኣብ l'Université Lumière Lyon 2

ምስ ምስ DU Passerelle / Université Lumière Lyon 2

ኣዳላዊ RÉSEAU MEnS , CIEF. Université Lumière Lyon 2ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 3 jours

እንተደኣ ብ ዲፕሎማ Diplôme Universitaire (DU) ፡ደሊኹም እሞ ድማ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ስደተኛታትን ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ፡ ኮይንኩም ኣብ ፈረንሳ ንኽመሃሩ ዝሓሸ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ክህልዎም የኽእሎም።

እዚ ናይ DU Passerelle - ተማሃሮ ኣብ ስደት ስልጠና ዝህብ፤

  • ምምሃር ናይ ፈረንሳ ቋንቋ ኮርሳት፣
  • ምስታፍ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት፣
  • ከምኡውን ኣብ ፈረንሳ ዩኒቨርሲቲኹምን ሞያዊ ፕሮጀክትኩምን ንምህናጽ ዝግበር ደገፍ...
ምፍላጡ ዘገድስ እቲ ስልጠና እንተወሓደ ሓደ ግዜ ይወስድ ሰሚስተር (2 ወርሒ)፣ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ድሕሪኡ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት ዝቕጽል መደብ እዩ ።

ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 40 ተመሳሳሊ ስልጠናታት ኣለዉ። እዚ ወረቐት እዚ ስልጠና ዩኒቨርሲቲ ሉሚየር ልዮን 2 ኣብ ዓለምለኻዊ ማእከል መጽናዕቲ ፈረንሳ (CIEF) ዘቕርብ እዩ።

>ንዝያዳ ሓበሬታ En savoir plus sur le DU Passerelle : voir la fiche Réfugiés.info

ንምንታይከ የዘገድስ?

እዚ መደብ እዚ፣ ን ኣብ ዩኒቨርሲቲ Lumière Lyon 2 ኣብ ዝርከብ DU Passerelle - Étudiants en Exil ኣብ ሰሚስተር 240 ሰዓታት ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ ከም ዘሎ ዝሕብር እዩ ።

ዝወሃበሉ እዋናት ድማ ኣብ ሰሙን 20 ሰዓታት ትምህርቲ ኮይኑ፣ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ወይ ጥሪ ክሳብ ግንቦት።

ብሳላ እዚ መደብ ኣዚ ድማ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ፈተናታት ክትወስዱ ትኽእሉ ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ እንተኾንካን ትሕቲ 35 ዓመት እንተኾንካን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ገንዘባዊ ሓገዝ (ብማሕበራዊ መዐቀኒታት ወይ ፍሉይ ዓመታዊ ሓገዝ ዝተመርኮሰ ሓገዝ)ን ነቲ ስልጠና ንምዝዛም መንበሪ ገዛን ክህልወካ ይኽእል።

ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ክትረኽብዎ ኢኹም፡ ተማሃራይ ምዃን ከመይ ከም ዝመስል፡ ኮርሳትን ፈተናታትን ብኸመይ ከም ዝውደቡ፡ እንታይ ዓይነት ዲፕሎማን ስልጠናን ከም ዘለዉ፡ ኣብ እዋን ክፍሊ መዘካኸሪ ምውሳድን ካብ ክፍሊ ወጻኢ ምኽላስን ክትመሃሩ፡ መግለጺታት ምቕራብ፡ ምድላው ንፈተናታት...

ስርዓተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝተሓላለኸ እዩ።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ሰብ ሞያ ብውልቂ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ኣሰንዮም፡ ከከም ተኽእሎታት፡ ብዛዕባ እቲ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክት ይሓስቡ።

እቶም ሰብ ሞያ ሲቪኻን CV ናይ ተበግሶ ደብዳቤታትካን ክትጽሕፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዝምስጠካ ናይ ስልጠና ኮርሳት ክትምዝገብ’ውን ይሕግዙኻ።

  • ናይ ኦሬንቴሽን ዓውደ መጽናዕቲ፣
  • ውልቃዊ ቃለ መሕትት፣
  • ምምሕዳራዊ ደገፍ...

ኣብዚ መደብ እዚ ብምስታፍኩም ኣብ እዋን ስልጠና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ትኻሉ ኢኹም፣ ንኣብነት ፤

  • ምስታፍ ኣብ ባህላዊ ዑደታት ባህላዊ ንጥፈታት ምውጻእ፣
  • ዙረት ምስ ፈስቲቫል ፊልም ሉሚየር ፡cinéma Lumière,
  • ምውህሃድን ምስ ምስ ተማሃሮ ምትሕብባር፣
  • ምጥራይ ሽርክነት ምስ ፈስቲቫል ኑይትስ ሶኖረስ፡ Nuits Sonores,
  • ስፖርታዊ ንጥፈታት (ቴኒስ፡ ምሕንባስ፡ ምዝዋር ፈረስ ወዘተ) እውን ክትከስቡ ትኻሉ ኢኹም።

ከመይ ንገብሮ?

ድሕሪ ምልኣኽ መመልከቲ፡ መመልከቲኻ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ንቃለ መሕትት ዕድመ ዝሓዘ ኢመይል ይመጸካ።

Lieu d'accueil

4 bis Rue de l’Université, 69007 Lyon, France

cief@univ-lyon2.fr

Chargement de la carte...

13 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • admin-lyon2ተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • ghannam laspresesተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • rzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • ogelkoተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት

Liens utiles