Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናንተ ፈረንሳ ተማሃሩ

ምስ ምስ DU Passerelle / Université de Nantes

ኣዳላዊ RÉSEAU MEnS , Université de Nantesኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 20 heures

ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ (DU) Passerelle ሓተትቲ ዑቕባ፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ስደተኛታትን ሃገር ዘይብሎም ሰባትን፡ ኣብ ፈረንሳ ንኽመሃሩ ዝሓሸ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ክህልዎም የኽእል።

እዚ ስልጠና እዚ፤

  • ናይ ፈረንሳ ኮርሳት፣
  • ስራሕቲ
  • ኣብ ፈረንሳ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክትኩም ንምህናጽ ዝግበር ደገፍ...
ጽቡቕ ምፍላጥ!እቲ ስልጠና ንኽልተ ሰሚስተር (9 ኣዋርሕ) ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ድሕሪኡ ድማ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት ዝጸንሕ እዩ።

ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 40 ተመሳሳሊ ስልጠናታት ኣለዉ። እዚ ወረቐት እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናንተስ ዝተዋህበ ስልጠና ዘቕርብ እዩ።

> ብዛዕባ DU Passerelle ዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብ Refugees.info ፋይል ርአ

ንምንታይከ የዘገድስ?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናንተስ ኣብ ዝርከብ DU Passerelle ን 216 ሰዓታት ትምህርቲ ፈረንሳ ኣሎ። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ሰሙን 20 ሰዓታት ትምህርቲ ክህልወካ እዩ።

ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ፈተናታት ክትሓልፍ ኢኻ።

ኣብ መወዳእታ ስልጠና DELF/TCF ምውሳድ እውን ይከኣል እዩ።

ጽቡቕ ምፍላጥ ! ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ እንተኾንካን ትሕቲ 35 ዓመት እንተኾንካን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ገንዘባዊ ሓገዝ (ብማሕበራዊ መዐቀኒታት ወይ ፍሉይ ዓመታዊ ሓገዝ ዝተመርኮሰ ስኮላርሺፕ)ን ንስልጠና ዝኸውን መንበሪን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ኮርስ ኣብ ፈረንሳ ናይ ዩኒቨርሲቲ ህይወት ክትረኽቡ ኢኹም፤

  • ተማሃራይ ምዃን ከመይ ይመስል፣
  • ኮርሳትን ፈተናታትን ብኸመይ ይውደቡ፣
  • እንታይ ዓይነት ዲግሪን ፕሮግራማትን ኣለዉ፣
  • ኣብ እዋን ኣስተምህሮታት ከመይ ጌርካ ማስታወሻታት ከም እትወስድን ካብ ክፍሊ ወጻኢ
  • ከመይ ጌርካ ከም እትግምግሞን ምምሃር፣
  • መግለጺታት ምሃብ፣ .
  • ንፈተናታት ኣብ ምድላው...

ስርዓተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝተሓላለኸ እዩ።

ኣብ እዋን ስልጠና፡ ሰብ ሞያ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ብውልቂ ኣሰንዮም፡ ከከም ተኽእሎታት፡ ብዛዕባ እቲ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክት የስተንትኑ።

እቶም ሰብ ሞያ ሲቪ ኻኹምን cv ደብዳቤታት ናይ ተበግሶ ክትጽሕፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝምስጠካ ኮርሳት ክትምዝገብ’ውን ይሕግዙኻ።

ኣብ እዋን ስልጠና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ኢኹም።

ከመይ ንገብሮ?

ድሕሪ ምልኣኽ መመልከቲ ፋይልካ ተቐባልነት እንተረኺቡ ንቃለ መሕትት ዕድመ ዝሓዘ ኢመይል ክመጸኩም እዩ።

Lieu d'accueil

Chem. de la Censive du Tertre, 44300 Nantes, France

Chargement de la carte...

14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • xavidumምምሕዳር
  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • nouተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • marianne georgesተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • rzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
  • yoan pouzetተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት

Liens utiles