Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ምምሃር ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ Villetaneuse

ምስ ምስ DU Passerelle / Université Sorbonne Paris Nord

ኣዳላዊ RÉSEAU MEnS ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 10 heures

ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ (DU) Passerelle ሓተትቲ ዑቕባ፡ ተጠቀምቲ ንኡስ ወይ ግዝያዊ ሓለዋ፡ ስደተኛታትን ሃገር ኣልቦ ሰባትን ፡ ኣብ ፈረንሳ ዝሓሸ ንኽመሃሩ ደረጃ ቋንቋ ክህልዎም የኽእል።

እዚ መደብ ናይ ስልጠና DU Passerelle ተማሃሮ ኣብ ስደት ዝህብ ኮይኑ፤

  • ኮርሳት ቋንቋ ፈረንሳ ናብ ደረጃ B1 ።
  • ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት፣
  • ኣብ ፈረንሳ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክትኩም ንምህናጽ ዝግበር ደገፍ ምርካብ ወዘተ...
እቲ ስልጠና ንኽልተ ሰሚስተራት (8 ኣዋርሕ)፣ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ይወሃብ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 40 ተመሳሳሊ ስልጠናታት ኣለዉ። እዚ ወረቐት እዚ ስልጠና ዩኒቨርሲቲ ሶርቦን ፓሪስ ኖርድ ኣብ ቪለታነውስ l'Université Sorbonne Paris Nord à Villetaneuse( ናይ ቀዳም ፓሪስ 13 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ) ዘቕርብ ስለጠና እዩ።

> ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ DU Passerelle ዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብ Refugees.info ፋይል ርአ

ንምንታይከ የዘገድስ?

እዚኣብ ዩኒቨርሲቲ Sorbonne ፓሪስ ኖርድ ኣብ ዝርከብ DU Passerelle ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር 207 ሰዓታት ትምህርቲ ፈረንሳ ፡ ኣብ ካልኣይ ሰሚስተር ድማ 213 ሰዓታት ትምህርቲ ኮይኑ፣ ። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሰሙን 15 ሰዓታት ትምህርቲ ፈረንሳ ዝወሃብ እውን እዩ ። ትምህርቲ ኩሉ ግዜ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ + ብኢንተርነት ናይ ምሃብ ተኽእሎ ኣሎ።

ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ፈተናታት ክትሓልፉ ኢኹም ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ስልጠና ፈተና ናይ DELF ምውሳድ ተኽእሎ ኣለኩም።

ምፍላጡ ዘገድስ ተጠቃሚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ወይ ተጠቃሚ ግዝያዊ ሓለዋ እንተኴይንኩምን ዕድሜኹም ትሕቲ 35 ዓመት እንተኾይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ገንዘባዊ ሓገዝ (ብማሕበራዊ መዐቀኒታት ዝተመርኮሰ ስኮላርሺፕ ወይ ፍሉይ ዓመታዊ ሓገዝ) ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ እዋን ስልጠና ድማ፤

  • ናይ መጽናዕቲ ሓገዝ ትምህርቲ ፣ከምኡ ውን ፣ ኣብ እዋን ስልጠና፡ ኣብ ዩኒቨርሲ፣ ዛዕባ ከም እኒ ፣ ተማሃራይ ምዃን እንታይ ምዃኑ፡ ኮርሳትን ፈተናታትን ብኸመይ ይውደቡ፡ ዓይነታት ዲፕሎማን ስልጠናን ኣብ እዋን ኮርሳት ጽሑፋት ብኸመይ ይስነዱ ፣ ካብቲ ኮርሳት ወጻኢ ዘለዉ ንጥፈታት ከም እኒ ፣ መግለጺ ወይ ፕረዘንተሽን ምቕራብ ፣ ንፈተና ምድላው ወዘተ ሓበሪኣታ ትረኽቡ...
  • ምርካብ ናይ መጽናዕቲ ሓገዝ ትምህርቲ ፣
  • ርኽበት ቤተ መጻሕፍቲን ዩኒቨርሲቲን፣
  • ምምሕዳራዊ ደገፍ ምርካብ ወዘተ

ከም እትፈልጥዎ ኣብ ስርዓተ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፈረንሳ ዝተሓላለኸ ስለ ዝኾነ ።

ስለዚ ኣብ እዋን ስልጠና፡ ሰብ ሞያ ንተማሃሮ ብውልቂን ብጉጅለን ኣሰንዮም ነቲ ኣካዳሚያውን ሞያውን ፕሮጀክት ከስተንትኑ፡ ከከም ተኽእሎታት።

እቶም ሰብ ሞያ ሲቪCV ናይ ተበግሶ ደብዳቤታትካን ክትጽሕፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝምስጠኩም ኮርሳት ክትምዝገብ’ውን ይሕግዙኹምን ።

ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝለኹምሉ እዋን ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትረኽቡ ኢኹም፤

  • ምክያድ ስፖርታዊ ንጥፈታት፣
  • ምስታፍ ባህላዊ ዑደት፣ .
  • ምግባር ምስ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ርክባት ምግባር፣
  • ምስታፍ ናይ ዕላል ዓውደ መጽናዕትታት፣
  • ባህላዊ ንጥፈታት፡ ደርፊ፡ ሙዚቃ፡ ስእሊ...ወዘተ ይከኣል

ከመይ ንገብሮ?

ድሕሪ ምልኣኽ ፋይልኩም ተቐባልነት እንተረኺቡ ንደረጃ ፈተናን ቃለ መሕትትን ዕድመ ዝሓዘ ኢመይል ይመጸኩም።

Lieu d'accueil

99 Av. Jean Baptiste Clément, 93430 Villetaneuse, France

Chargement de la carte...

14 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • claudia mምምሕዳር
  • a mugnierምምሕዳር
  • sylvie barrierኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • nouተርጓሚ/ሚት
  • diplosamተርጓሚ/ሚት
  • rohullah expertተርጓሚ/ሚት
  • rzgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • katarginaተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት
  • anastasiia12345ተርጓሚ/ሚት
  • olga b.ተርጓሚ/ሚት
  • noorተርጓሚ/ሚት

Liens utiles