ኣገደቲ ሓበሬታ
ምስ ምስ Destination Emploi ዝተባህለ ትካል
ዋጋ
ምሕጽንታኹም በጺሕና ኣሎ
ኩነታት
ኣብ ሞያ ተንዲኖ ብምስልጣን ከምኡውን ስራሕ ምርካብ
እንታዩ’ዩ ?
ኣብ ጽላት ህንጻ ናይ ሓደ ዓመት ስልጠና፣ ሞያ ፎርም ሰራሕተኛ ንምምሃር። እቲ ሻተር ኣብ ህንፀት ቦታታት ብኮንክሪት ዝተሰርሐ መንደቕ ይሰርሕ፣ ብኩባንያታት ዝደልይዎ ቦታ እዩ።
እቲ ስልጠና ብሓያሎ ደረጃታት ዝተወደበ እዩ፤
- 1ይ ክፋል፡ መሰረታዊ ነገራት ምምሃር (2.5 ወርሒ ምሉእ ግዜ፡ ብዘይ ክፍሊት)
ካብ 10 ክሳብ 12 ሰባት ዝሓቖፈት ጉጅለ፡ ቋንቋ ፈረንሳ፡ ትምህርቲ ሒሳብን ኣይቲን፡ ኣቀራርባን ምብጻሕ ኩባንያን፡ ባህላዊ ንጥፈታት፡ ውልቃዊ ምክትታል።
ጽቡቕ ክትፈልጥ!
ኣድራሻ ናይቲ ስልጠና ከከም ንጥፈታት ክቕየር ይኽእል ፣ ብሓፈሻ ግን እቶም ኮርሳት ኣብ 10ይን l11ème arrondissement ናይ Paris. ቦታታ ፓሪስ እዮም ።
- 2ይ ክፋል፡ ንስራሕ ምድላው (ካብ 6 ክሳብ 8 ወርሒ ምሉእ ግዜ፡ ምስ ደሞዝ)
ምስ ሁማንዶ ዝተባህለ ግዝያዊ ናይ ውህደት ትካል "ውዕል ስልጠና ሰራሕተኛታት" ምፍራም፡ ነቲ ንግዲ ንምምሃርን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ህንጻዊ ቦታ ንምስራሕን ንምቕጻል።
- 3ይ ክፋል፡ ስራሕ ምርካብ
ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ንምእታውን ውዕል ንምፍራምን ብሕታዊ ሓገዝ (ውዕል ሞያዊ ምግባር፣ ግዝያዊ ወይ ቀጥታዊ ስራሕ)።
ንምንታይከ የዘገድስ?
ተንደንዲኖ ፣ ስራሕ ሰራሕተኛ ቦታ ኣብ ህንጸት ዘለዎ ቦታታት ኣገዳሲ ኮይኑ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ዘለዎ ጽላት እዩ።
ሳላ እቲ ኮርሳትን፣ ኣብ እዋን ስልጠና ኣብቲ ትካል ዝግበር ስራሕን፡ ክትሰርሕ ድሉው ኢኻ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ውዕል ክትፍርም ርግጸኛታት ኢኹም ።
እቲ ስልጠና ንመዓልታዊ ህይወትን ንስራሕን (ቃላት ህንጻ) ብዝበለጸ ቋንቋ ፈረንሳ ንምዝራብን ንምርዳእን ይሕግዝ፣ ከምኡ’ውን ሒሳብን ኮምፒተርን ብዝበለጸ ንምጥቃም ይሕግዝ።
ከመይ ንገብሮ?
እዚ ስልጠና እዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩምን ፣ ከምኡ ውን ን ኣብ (ስራሕ ዓለም ብፍላይ ኣብ ሞያ ህንጻ ) ዝኸውን ፍሉይን ። ሓፈሳዊን ምዕባሌ ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ ን ኽትህገብሩ ይሕግዝ
ፈላሚ ናይ ሓበሬታ ኣኼባታት ብዝምልከት ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም እዩ ዝፍልም
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ