ምኻኣል ምጥቃም plateforme Parcoursup ዝተባህለ ፕላትፎርም

ኣዳላዊ Réfugiés.info , Unirኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 9 jours
እዚ Parcoursup ዝተባህለ ፕላትፎርም እዚ ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ፣ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንምምዝጋብ ዝሕግዝ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እዩ።
ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ፡ ኮርሳት ከም እዚ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም (ንኣብነት፡ ናይ መጀመርታ ዲግሪ፡ ናይ ክልተ ዓመት ቴክኒካዊ ዲግሪ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎማ ቴክኖሎጂ)። እዚ ድማ "ምርጫታት ምግባር" "faire des vœux”ይበሃል። ብድምር ክሳብ 20 ምርጫታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
እቲ ኣገዳሲ ናይ ግዜ ገደብ ፤
- ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት : እዚ ግዜ እዚ ኣካውንትኩም ፈጢርኩም ናይ ስልጠና ኮርሳት እትመርጸሉ ግዜ እዩ።
- ኣብ ወርሒ ሰነ (እቲ ቀንዲ ምዕራፍ ምቕባል) : ዘሎ እዋን እዚ ኣብያተ ትምህርቲ መልሰን ዝህባሉ እዋን እዩ። ተቐባልነት እንተሃልዩካ፡ ኣብ ዝርዝር መጸበዪ እንተሃልዩካ ወይ እንተተነጺግ ክትፈልጥ ኢኹም።
- ካብ ሰነ ክሳብ መስከረም (እቲ መመላእታ ምዕራፍ) : ዝኾነ ቤት ትምህርቲ "እወ" "Oui", ዘይበለኩም እንተኾይኑ፡ ወይ ድማ ድሕሪ እቲ ቀንዲ ምዕራፍ ምቕባል ገና ቦታ ትጽበ እንተኾንካ፡ ኣብተን ገና ባዶ ቦታታት ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ 10 ሓደስቲ መጽናዕትታት ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
ልክዕ ዕለታት ምርካብ፡ ኣብ ኣቆጻጽራ ፓርኮርሱፕ calendrier Parcoursup.ተወከሱ ።
እቶም ቀንዲ ሕቶታት ብዛዕባ Parcoursup ኣብቲ ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት ዝብል ክፍሊ ኣለዉ , foire aux questions, ምስ ሓፈሻዊ መልስታት።
ከመይ ንገብሮ?
ምውካስ ናብ መርበብ ሓበሬታ ፡ https://www.parcoursup.gouv.fr/
ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ኩርናዕ ናይቲ ስክሪን "Me connecter” ዝብል ጠውቕ።
ኣብ "Créer ou accéder à mon dossier Candidat”. ዝብል ጠውቑ።
ድሮ ኣካውንት እንተሃልዩኩም ፡ ብመረጋገጺ መንነትካ ኣቲኹም ናብ ደረጃ 2 ንኺዱ።
ኣካውንት እንተዘይብልካ :
- "ኣካውንት የብልካን? Vous n’avez pas de compte ? Créez-en un” ፍጠር" ዝብል ጠውቕ።
- ኢመይል ኣድራሻኩም ኣእቲኡም ፓስዎርድ ምረጹ።
- ናይ ኢመይል ኢንቦክስካ ክፈት: ናይ ምጽዳቕ ኮድ ክመጸካ እዩ። ነዚ ኮድ ኣብ Parcoursup ኣእትዎ ኣካውንትኩም ንምርግጋጽ።
- ናብ ናይ Parcoursup ኣካውንትካ ኣቲኻ ነቲ ቻርተር ኣንቢብካ ኣብ ታሕቲ ናይቲ ገጽ ኣብ ዘለዋ ክልተ ሳጹናት ምልክት ብምግባር ክትፍርም ትኽእል።
ፕሮፋይልኩም ምልእዎ
መለለዪ : ዕለት ልደትካን ቁጽሪ INEን (ሃገራዊ መለለዪ ተማሃራይ) ኣእቱ። ቁጽሪ INE ኣበይ ክረኽቦ ይኽእል?
- ኣብ ፈረንሳ ኣብ ትራንስክሪፕትካ፡ ባካሎሬትካ፡ ናይ ተማሃራይ ካርድካ ወይ ናይ ቤት ትምህርቲ ምስክር ወረቐትካ ተጻሒፉ ኣሎ።
- ቁጽሪ INE እንተዘይብልካ: ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሳጹን ምልክት ግበር። ድሕሪኡ ነቲ ኣማራጺ ምረጽ፡ "ተማሃራይ ካልኣይ ደረጃ ይኹን ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ (ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘይተመዝገበ፡ ተቖጺሩ፡ ስራሕ ዝደሊ ወይ ስራሕ ኣልቦ)"።
ዲፕሎማ : ባካሎሬት ወይ መመዘኒኡ ከምዘለካ ኣመልክት። ካብ ፈረንሳ ወጻኢ ባካሎሬት እንተረኺብኩም፡ ኣብዚ ጠውቑ፡ "031 Equivalent qualification"።
ሲቪላዊ ኩነታት : መዓርግካ፡ ስያመኻ፡ ቀዳማይ ስምካ፡ ትውልዲ ሃገርካ (ኣብ ወጻኢ ሃገር ተወሊድካ እንተኾንካ 99 ጽሓፍ)፡ ትውልዲ ከተማኻን ዜግነትካኩም ጽሓፍ።
ዝርዝር ርክብ : ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ኣድራሻኻን ቁጽሪ ተሌፎንካን ኣቕርብ (ካብ ፓርኮርሱፕ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ንምቕባል ኣገዳሲ)።
ሕጋውያን ወከልቲ : ወለድኹም እውን ናይ ፓርኮርሱፕ መጠንቀቕታታት ክረኽቡ እንተደሊኹም፡ ሓበሬታኦም ኣእትዉ። እዚ እንተዘይደሊኹም "Candidat lui-même”ዝብል ክትጥውቑ ትኽእሉ ኢኹም።
ሓበሬታ ብዛዕባ ስኮላርሺፕ ክሮስ : ድሮ ካብ መንግስቲ ፈረንሳ ስኮላርሺፕ እንተዘይተቐቢልኩም፡ እዚ ስጉምቲ ኣይምልከተካን እዩ፡ "ቀጽል""continuer”. ዝብል ጠውቕ።
ፍሉይ ድሌታት : እንተደኣ ስንክልና እንተሃልዩካ ነቲ ናይ ርክብ ቅጥዒ ምልእዎ። እንተዘይኮይኑ "continuer”.ዝብል ጠውቕ።
ኣትሌት፣ ስነጥበባዊ : ብፕሮፌሽናል ደረጃ ኣትሌት ወይ ስነጥበባዊ ምዃንካ ወይ ክልቲኡ ከምዘይኮንኩም ዘመልክት እዩ።
ትምህርቲ : ኣብዚ ናይ ትምህርቲ ዓመት፡ ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ቤት ትምህርቲ እንተመዝጊብኩምወይ ኣይፋልን ን ክትገልጹ ኣለካኩም።
- ኣብ ፈረንሳ ትመሃሩ እንተኾይንኩም :
- ናይ ገዛእ ርእስኹም INE ጽሓፉ
- ብዛዕባ ትምህርትኩም ሓበሬታ ምሃብ (ስም ቤት ትምህርትወይ ዩኒቨርሲቲ፡ ደረጃኻ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተርም ወይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሚስተር ነጥቢ ትረክብ ዲኹም)
- መጽናዕትኩም ዝግለጽ (ውጽኢት፡ ቀንዲ ትምህርት ወይ ዝኾነ ንምጉላሕ ጠቓሚ ኮይኑ ዝስምዓ ሓበሬታ)።
- ኣብ ወጻኢ ሃገር ትመሃሩ እንተኾይንኩም :
- ብዛዕባ ትምህርትኻ (ስም ቤት ትምህርቲ፡ ከተማ፡ ሃገር፡ ስም ናይቲ ዲግሪ፡ ደረጃኹም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተርም ወይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሚስተር ነጥቢ ትረክብ) ሓበሬታ ምሃብ።
- ኮርሳትካ (ቀንዲ ትምህርትታት፡ ብዝሒ ናይ ክፍሊ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ወይ ኣብ ዓመት፡ ከምኡ’ውን ዝተመሃርካዮም ቋንቋታት) ግለጹ።
- እንተደኣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘይትመሃሩ እንተኾይንኩም (ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘይተመዝገብኩም) :
- ኣብቲ "ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣይተመዝገበን""non scolarisé". ዝብል ኣማራጺ ጠውቕ።
- ንገለ ክፋል ናይቲ ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ (መንግስታዊ ይኹን ናይ ብሕቲ) ተመዝጊብኩም እንተይንኩም እንተኾንካ፡ ወይ ድማ ፈጺምካ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንተዘይተማሂርካ ኣመልክቱ።
- ንዝሓለፉ ናይ ትምህርቲ ዓመታት እውን ተመሳሳሊ ሓበሬታ ክትህቡ ኣለኩም፣ ስለዚ ዕለታት ኣጸቢቕኩም ኣስተብህሉ!
ባካሎሬት : ብኽብረትኩም እኝተደኣ ናይ ባካሎሬት ወይ ተመጣጣኒ ዲፕሎማኹም፣ ዝረኸብኩሞ ወርሕን ዓመትን፣ ናይ ባካሎሬት ትራክን ዲፕሎማ ዝረኸብኩምላ ሃገርን ኣቕርቡ። ከምኡ’ውን ኣብ ባካሎሬትኩም እትጥቀመሉ ናይ ነጥቢ ነጥቢን ሓፈሻዊ ማእከላይ ደረጃኹምን ኣቕርቡ።
ምፍላጡ ዘገድስ ኣብ ባካሎሬት ዘሎ ፍልልይ፡ በቲ ዝረኸብካዮ ነጥቢ ተመርኲስካ ዝወሃብ ገምጋም እዩ።
- ካብ 10/20 ክሳብ 12/20 ነጥቢ እንተረኺብኩም ፍልልይ ኣይረኸብኩምን።
- ካብ 12/20 ክሳብ 14/20 ነጥቢ እንተረኺብኩም "ዘዕግብ" ዝብል ነጥቢ ረኺብኩምን።
- ካብ 14/20 ክሳብ 16/20 ነጥቢ እንተረኺብኩም "ጽቡቕ" ዝብል ነጥቢ ረኺብኩምን።
- ካብ 16/20ን 20/20ን ዘሎ ነጥቢ እንተረኺብኩም "ብጣዕሚ ጽቡቕ" ዝብል ነጥቢ ረኺብኩምን።
ንጥፈታትን ተገዳስነትን : እዚ ክፍሊ እዚ ንፍሉይ ንምዃን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። 4 ሕቶታት ክትምልስ ኣለካ። ነፍሲ ወከፍ መልሲ እንተበዝሐ 1500 ፊደላት (ኣስታት 15 መስመራት) ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ ክትትልን ዝጥዕም ዘለካ ተመኩሮ
ኣብዚ ንጉጅለ ኣብ ምምራሕ ወይ ምምችቻው ተመኩሮታትኩም ኣካፍሉ።
- ሓላፊ ጕጅለ ቈልዑ ወይ ዓበይቲ ኴንኩም እኝተኾይንኩ`፧
- ከምኡ እንተኾይኑ ጉዳይኩም፣ ግለጽ ወይ ዝርዝር ስራሕካ ሃቡ።
- ኣብኡ እዚ እንታይ ተማሂርኩም፧
- ካብዚ ተመኩሮታት እዚ እንታይ ክእለት ረኺብኩም?
ዜግነታዊ ተሳትፎኹም
እንተደኣ ብዛዕባ ንኻልኦት ንምሕጋዝ እትገብርዎ ነጻ (ወለንታዊ) ስራሕ፡ ኣብ ማሕበር፡ ኣብ ቤት ትምህርትኹም ይኹን ኣብ ካልእ ቦታ ንገሩና።
- ንኣብነት እንተደኣ ኣብ ሓደ ማሕበር ወይ ጉጅለ ወለንተኛ ኔርካኩም ወይእንተልኹም ኮይንኩም ወይስ ኣለኻ?
- ከምኡ እንተኾይኑ ሓላፍነትኩምን ሓላፍነት ማሕበርን ብዝርዝር ግለጹ። ኣብዚ እዩ ካብ ስራሕን ቤት ትምህርትን ወጻኢ ዘለካ ተመኩሮታት ብዝርዝር ክትገልጸሉ ዘለካ።
- ምኽንያታትትኩ ግለጹ: ስለምንታይ ነዚ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ደለኻ?
- ካብዚ ተመክሮ እዚ እንታይ ተማሂርኩም፧ ወለንታዊ ስራሕ እንታይ ከም ዝሃበካ ግለጹ።
ሞያዊ ተመኩሮታትኩም
ብዛዕባ ናይ ስራሕ ተመኩሮኹም (ስራሕኩም) ወይ ናይ ስራሕ ልምምድኩም ኣብዚ ንገሩና።
- ተመኩሮኩም ኣይትዝርዝር። ኣብ ክንድኡስ፡ ሎሚ ሳላ እቶም ናይ ስራሕ ተመኩሮታት እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ግለጽ።
- እዞም ክእለታት እዚኣቶም ንመጻኢ ትምህርትኻን ፕሮጀክትታት ስራሕካን ንምንታይ ከም ዝጠቕሙ ግለጽ።
ንዓለም ምኽፋት (ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት፡ ፍሉይ መንገድታት)
ኣብዚ ስፖርታዊ ንጥፈታትካ፡ ባህላዊ ድሌታትካ ወይ ፍሉይ ናይ ህይወት ተመኩሮታትካ ግለጽ። እዚ እትዛረቦ ቋንቋ ወጻኢ (ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ግን ዘይተማሃርካዮ)፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ምጉዓዝ፡ ወይ ኣብ ባህሊ ካልእ ሃገር ፍሉይ ተገዳስነት ዘለካ እውን ከጠቓልል ይኽእል እዩ።
- መሳርሒ ሙዚቃ ትጻወት ዲኹም?
- ዝኾነ ናይ ትያትር ወይ ፊልም ስራሕ ሰሪሕኩም ዶ?
- ስእላዊ ስነ-ጥበብ (ስእሊ)፡ ቅርጻ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ቅብኣ ወዘተ ትፈትዉ ዶ?
- ዝኾነ ስፖርት ትጻወት ዲኻ? ወይስ ደጋፊ ናይ ሓንቲ ፍልይቲ ጋንታ ስፖርት ዲኻ?
- ነዚ ቦታ እዚ ተጠቒምኩም ነቲ ኣብ ስደት ዝገበርካዮ ጉዕዞ፡ ሓድሽ ቋንቋ፡ ሓድሽ ባህሊ ወዘተ ዝረኸብካዮ ተመክሮታት ከተጉልሕ ትኽእሉ ዲኹም።
ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ቅድሚ መደብ ስልጠና ምድላይ፡ ክትገብሮ ኣለኩም፤
- ጸብጻባት ቤት ትምህርትኻ (ትምህርትታትን ማእከላይ ደረጃታትን) ምልኣዮ
- ኣብቲ "Année de césure" ዝብል ትብ ምልኣዮ (ካብ ትምህርትኻ ናይ ሓደ ዓመት ዕረፍቲ ክትወስድ እንተደሊኩም)
- ካብቶም ዝተሓተቱ ምርጫታትን ድሮ ካብ መድረኽ ፓርኮርሱፕ ወጻኢ ካልእ መመልከቲታት ኣቕሪብኩም እንተኾይንኩምን ኣብቲ "ምርጫታትን ካልኦት ፕሮጀክትታትን" ዝብል ትብ ምልኣዩ።
ኣብ "ናይ ስልጠና ኮርስ ድለ""Rechercher une formation”. ዝብል ጠውቕ።
ቅርንዲ ቃላት ክትደሊ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ ስክሪንካ "Filters" ጠውቕ እሞ ብዝያዳ ብልክዕ ዝደለኻዮ ስልጠና ክትመርጽ ትኽእል። ምርጫታትካ በዚ ክትሰርዖ ትኽእሉ ኢኹም፤
- ከም እኒ ዓይነት ትካል
- ምምሃር
- ዓይነታት ስልጠና
ምፍላጡ ዘገድስ እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብተን እትመርጽወን ከተማታት መደባት ስልጠና ንምርካብ ዝሕግዘካ carte de France የቕርብ። ንብምልእታ እታ ሃገር ክትዕዘብ ወይ ኣብ ሓደ ፍሉይ ዞባ ክትዓቢ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ብብቀጥታ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መደባት ስልጠና ከርእየኩም እዩ።
እንተደእ ክትከታተሎ እትደሊ መጽናዕቲ ረኺብካዮኩም?
ዝርዝር ናይቲ ስልጠና ኮርስ ንምኽፋት ኣብ ልዕሊኡ ጠውቑ።ካብ መወዳእታ ግንቦት ወይ መጀመርታ ሰነ ጀሚሩ፡ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ናይ ፓርኮርሱፕ ኣካውንትኩም መልሲ ክትረኽቡ ኢኹም። ብተወሳኺ msm ብኤስኤምኤስ ኣብ ስልክኻን ብኢመይልን መልእኽቲ (ኣለርት) ክመጸ እዩ።
ኩሉ መልስታት ብሓንሳብ ኣይትረኽቦን ኢኻ። መልስታት በብቑሩብ መዓልታዊ ይመጹ። ሓደ ተማሃራይ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ቦታ ክነጽግ ከሎ፡ ቦታኡ ይርከብ። እዚ ቦታ እዚ ድሕሪኡ ንኻልእ ተማሃራይ ይቐርብ። ስለዚ፡ መዓልታዊ ሓድሽ ኣወንታዊ ምላሽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብዚ ወረቐት 4 ዝተጻሕፈ ኩሉ ሓበሬታ ብጥንቃቐ ኣንብብዎ፤
- እወ ቅድመ ኩነት፦ እዚኦ ቅድድመ ኹነታት እዚኣቶም ናብቲ ስልጠና ናይ ምእታው መሰል ንኽህልወኩም ግዴታዊ ቅድመ ኩነታት (ንኣብነት: ኣብ ሓደ ትምህርቲ ጽቡቕ ደረጃ ምህላው) የኽእሉ ።
- እወ እንተኮይኑ ከምኡጽን ክፉት መዓልታት: እዚኦም ናብቲ ቤት ትምህርቲ ምብጻሕን ሕቶታት ንምሕታትን ዝሕግዙ ዕለታት እዮም እውን
- ኣብ ዝርዝር መጸበዪ: ኣብዚ እዋን ቦታ የብልካን፡ ካልኦት ሕጹያት ቦታኦም እንተነጺጎም ግን መርገጺኻ ክመሓየሽ ይኽእል እዩ።
- ኣይፋልን፡ መመልከቲኻ ተነጺጉ ኣሎ።ምርካብ ካልእ ኩሉ ሓበሬታ: ንኣብነት ዋጋ ወይ ዝምሃር ትምህርቲ።
ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ምጽባይ ዘለዉ ምርጫታትካ ክትገብር ኣለካ። ንዝመረጽካዮም ኮርሳት ቀዳምነት ኣቐምጦም (ብመስርዕ ምርጫ) እሞ ኣየኖት ኮርሳት ክትሕዝ ከም እትደሊ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ንገሮ።
ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንነፍሲ ወከፍ እማመ መልሲ ንምሃብ ሓጺር ናይ ግዜ ገደብ (ክልተ መዓልቲ ጥራይ) ኣለካ። ኣብ ግዚኡ መልሲ እንተዘይሂብካ ቦታኻ ክትስእን ኢኻ።
ምርጫታትካ ምስ ተረጋገጸ፡ እተን ትካላት ንመመልከቲኻ ክምርምራ እየን።
ካብ መወዳእታ ግንቦት ወይ መጀመርታ ሰነ ጀሚሩ፡ ካብተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ኣካውንትኩም ፓርኮርሱፕ መልሲ ክትረኽቡ ኢኹም። ብተወሳኺ ኣብ ስልክኻን ብኢመይልን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ (ኣለርት) ክመጸካ እዩ።
ኩሉ መልስታት ብሓንሳብ ኣይክትቅበልን ኢኻ። መልስታት መዓልታዊ፡ በብቑሩብ ይመጹ። ሓደ ተማሃራይ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ቦታ ክነጽጎ ከሎ፡ እቲ ቦታ ይርከብ። እዚ ቦታ እዚ ድሕሪኡ ንኻልእ ተማሃራይ ይቐርብ። ስለዚ፡ መዓልታዊ ሓድሽ ኣወንታዊ ምላሽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
Les 4 réponses possibles des écoles :
- ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ክወሃቡ ዝኽእሉ ኣርባዕተ መልስታት፤
- እወ፦ ተቐባልነት ረኺብካ ኢኻ። ክትቅበል ወይ ክትነጽግ ክትመርጽ ኣለካ።
- እወ-እንተኾይኑ: ተቐባልነት ረኺብካ ኣለኻ፣ ግን ንዓኻ ዝምጥን ናይ ደገፍ መደብ (ምምሃር፣ ምሕዳስ ኮርሳት) ክትውድእ ኣለካ።
- ዝርዝር መጸበዪ፦ ኣብዚ እዋን’ዚ ቦታ የብልካን፣ ካልኦት ኣመልከትቲ ቦታኦም እንተነጺጎም ግን ቦታኻ ክመሓየሽ ይኽእል እዩ።
- ኣይፋልን፡ መመልከቲኻ ተነጺጉ ኣሎ።
ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ምጽባይ ዘለዉ ምርጫታትካ ክትገብር ኣለካ። ንዝመረጽካዮም ኮርሳት ቀዳምነት ኣቐምጦም (ብመስርዕ ምርጫ) እሞ ኣየኖት ኮርሳት ክትሕዝ ከም እትደሊ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ንገሮ።
ምፍላጡ ዘገድስ ንነፍሲ ወከፍ እማመ መልሲ ንምሃብ ሓጺር ናይ ግዜ ገደብ (ክልተ መዓልቲ ጥራይ) ኣለካ። ኣብ ግዚኡ መልሲ እንተዘይሂብካ ቦታኻ ክትስእን ኢኻ።
ብድሕሪኡ’ከ ?
ምርጫታት ምስተረጋገጸ፡ እተን ትካላት ንመመልከቲኻ ክምርምራ እየን።
ነዚ ንምትግባር ካብ መወዳእታ ግንቦት ወይ መጀመርታ ሰነ ጀሚሩ ፡ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ናይ ፓርኮርሱፕ ኣካውንትኩም መልሲ ክትረኽቡ ኢኹም። ብተወሳኺ ብኤስኤምኤስ ኣብ ቴለፎንካን ብኢመይልን መልእኽቲ (ኣለርት) ክመጸኩም እዩ።
ኩሉ መልስታት ብሓንሳብ ኣይትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። በብቑሩብ፡ መዓልታዊ ይበጽሑ። ሓደ ተማሃራይ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ቦታእኝተተነጺጉ፣ ፡ ቦታኡ ይርከብ። እዚ ቦታ እዚ ድሕሪኡ ንኻልእ ተማሃራይ ይቐርብ። ስለዚ፡ መዓልታዊ ሓድሽ ኣወንታዊ ምላሽ ናይ ምርካብ ክእለት ኣለኩምኢኻ።
መልሲታት ምጽባይ ካብተን ኣብያተ ትምህርቲ ክወሃቡ ዝኽእሉ ኣርባዕተ
- እወ : ተቐባልነትረኺብኩም። ክትቅበል ወይ ክትነጽግ ክትመርጽ ኣለኩም።
- እወ-እንተኾይኑ : ተቐባልነት ኣለኩም፣ ግን ግቡእ ናይ ደገፍ መደብ (ናይ ደገፍ ኮርሳት፣ ናይ ምሕዳስ ኮርሳት) ክትክተሉ ኣለኩም።
- ኣብ ዝርዝር መጸበዪ : ኣብዚ እዋን ቦታ የብልኩምን፣ ካልኦት ሕጹያት ቦታኦም እንተነጺጎም ግን መርገጺኻ ክመሓየሽ ይኽእል እዩ።
- ኣይፋልን : መመልከቲኹም ተነጺጉ እዩ።
ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ምጽባይ ዘለዉ ምርጫታት ክትገብሩ ኣለኩም። ንዝመረጽካዮም ኮርሳት ቀዳምነት ኣቐምጦም (ብመስርዕ ምርጫ) እሞ ኣየኖት ኮርሳት ክትሕዝ ከም እትደልዩ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ንገርዎ ።
ኣዝዩ ኣጋዳሲ ሓበሬታ ንነፍሲ ወከፍ እማመ መልሲ ንምሃብ ሓጺር ናይ ግዜ ገደብ (ክልተ መዓልቲ ጥራይ) ኣለኩም። ኣብ ግዚኡ መልሲ እንተዘይሂብካ ቦታኻ ክትስእኑ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣሉታዊ መልሲ ጥራይ እንተረኺብኩም፡ እሞ ፣ወይ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ቀንዲ ምዕራፍ ገና ኣብ ዝርዝር ተጸበይቲ እንተሃሊኹም፡ ኣብቲ ተወሳኺ ምዕራፍ (ካብ ሰነ ክሳብ መስከረም ዝጅምር ) ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም ።
ምፍላጡ ዘገድስ ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ፡ ገና ቦታታት ንዘለዎም ኮርሳት ቀዳሞት ክሳብ 10 ሓደስቲ ሓተትቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ምምራሕ ብርግጽ ንሓደ ኮርስ ምስ ፓርኮርሱፕ ናብቲ ሓድሽ ትካልካ
ምኽኣል ኩሉ ናይ ምዝገባ ኣገባባት ብቐጥታ ምስዚ ቤት ትምህርቲ ክትውድእ ኣለካ።
ኣብ ቤት ትምህርትኻ ወይ ዩኒቨርሲቲኻ ምስ ተመዝገብኩም፡ ናብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምእታው ክትዳሎ ኣለኩም።
ነዚ ንምግባር ድማ ናይ ተማሃሮ ማሕበራዊ ፋይል (DSE) ዝበሃል መመልከቲ ከተቕርቡ ይግባእ። እዚ ፋይል እዚ ኣብ መንበሪ ዩኒቨርሲቲ ስኮላርሺፕ ወይ መንበሪ ንምምልካት ዝውዕል ፎርሙላ እዩ።
እንተደኣ ነዚ መተግበሪ ደረጃ ብደረጃ ከመይ ጌርካ ከም እትሰርሖ ንምርዳእ፡ ምስ እትደልዩ ነዚ መምርሒ ኣብ እዚ ዝስዕብ ኣንብቡ ፡ Making a Student Social File (DSE)
11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
xavidumምምሕዳር
Aceምምሕዳር
chloériምምሕዳር
marianneukraineተርጓሚ/ሚት
olga b.ተርጓሚ/ሚት
nouተርጓሚ/ሚት
diplosamተርጓሚ/ሚት
niknameተርጓሚ/ሚት
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
rohullah expertተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት