Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላትስራሕምዃን መምህር ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ብውዕል መምህር-ተመራማሪ

ምዃን መምህር ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ብውዕል መምህር-ተመራማሪ

JRS Franceኣዳላዊ JRS France ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a un mois

እዚ ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስራሕ ኣለዉ ንምስታፍ ዘክልእ መደብ እዩ ፤

መብዛሕትኡ እዋን ዩኒቨርሲቲታት ንሕጽረት ቀወምቲ (ተግባር) መምህራን ንምኽሓስ ብውዕል ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ይቖጽራ እየን ።

እዚ ማለት እዞም መስርሕ ምምራጾም ከባብያዊ እምበር ሃገራዊ ዘይኮነ ጽፍሕታት ካብ ቀወምቲ ጽፍሕታት ንላዕሊ ንኹሉ ዝመልከቶ ምስታፍ ይኽእል እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ እዚ ንምግባር ይኹን እምበር ብፍላይ ብሰንኪ እቲ ዝድለ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ (B2 minimum) ምሩጻት ኮይኖም ይቕጽሉ።

ከመይ ንገብሮ?

ከም ኮንትራክተር ዘለዎ ሰብ ምስራሕ ከተመልክቱ እንተድኣ ደሊኹም ፤

  • ኣብ ዓውዲ ልዑል ደረጃ ዓለም ለኸ ተፈላጥነነት ምህላው። ድሕሪኡ ዝተፈላለየ ንውሓት ግዜ ዘለዎ ውዕል ክትረክብ ትኽእሉ ኢኹም። ብሓፈሻ ምስ ናይ ሓደ ምርምር ፕሮጀክት ወይ ፍሉይ ናይ ምምሃር ድሌት ዝሰማማዕ እዩ።
  • ብተወሳኺ ተማሃራይ ዶክትሬት (bac + 8)፡ ኣብ መወዳእታ ጽሑፎም ዶክትሬት ተማሃሮ (ኣብ መመልከቲ ዝዕጸወሉ መዓልቲ ዲፕሎማ)፡ ድሕሪ ዶክትሬት ተማሃራይ፡ ወይ ብውሑዱ ናይ 2 ዓመት ተመኩሮ ዘለኩም ናይ ወጻኢ መምህር-ተመራማሪ ኢኹምትኾኑ።
    ኣብዚ ዳሕረዋይ ጉዳይ ብዛዕባ ATER (ግዝያዊ ሓጋዚ መምህርን ምርምርን) ዝብል ስራሕ ኢና ንዛረብ ዘለና።
ምፍላጡ ዘገድስ እዚ ማለት ድሕረ ዶክትሬት ፍሎውሺፕ ዲግሪ ዘይኮነስ ዶክትሬት ምስ ረኸብካ እትገብሮ ናይ ምርምር ተመኩሮ እዩ። ከም ግዝያዊ ናይ ምርምር ስራሕ እዩ።

ናይ ውዕል ስራሕቲ ኣብ ምሉእ ዓመት ኣብ የገልግሉ ፤

ከምኡው ብተወሳኺ መርበብካ ከተነቓቕሕ ኣለካ : ምስ ተመራመርቲ ክትዛረብ፣ ኣብ ፕሮጀክትታት ክትሳተፍ፣ ክእለትኩል ከተፍልጥ: መርበብ ሓበሬታ ክትፈጥር፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትረዳዳእ፣ ወዘተ።

ምፍላጡ ዘገድስ እዝ ናይ ATER ቅድመ-ምድላዋት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ለካቲትን ሓምለን ንዝቕጽል ዓመት ይሕተሙ ምዃኖም ፍለጡ ።

ኩሉ ግዜ ፋይልኩም ከተዳልዉ ኣለኩም ፤

  • ምህላው ሕጋዊ ሰነድ መንነት፡ መንነት ወረቐት ወይ ፓስፖርት፡ መንበሪ ፍቓድ ወይ ቅብሊት ምሕዳስ መንበሪ ፍቓድ መመልከቲ
  • ናይ ባንኪ ሕሳብ RIB (ናይ ባንክ መንነት መግለጺ)
  • ቀጸል
  • ምህላው ቅዳሕ ናይ ዶክትሬት ዲፕሎማ ወይ ናይ ዓወት ምስክር ወረቐት
  • ሙእ ቅዳሓት ናይ ATER ውዕላት
  • ናይ ተበግሶ ደብዳበ
  • ዝተዳለወ ዝርዝር ጽሑፋት
  • ሰነዳት ናይ ምምሃርን ምርምርን ተመኩሮ
  • ትውሳኺ ለበዋታት።

እዚ ነፍሲ ወከፍ ዝቐርብ ስራሕ ፍሉይ ስለዝኾነ፡ እቲ መመልከቲ ምስ ፕሮፋይል ናይቲ ስራሕ ብጽቡቕ ክሰማማዕ ኣለዎ። ደረጃ ትምህርትኻ ምስቲ ስራሕ ክሰማማዕ ከም ዘለዎ ምስትውዓል የድሊ።

ተማሃራይ ዶክትሬት እንተኾይንኩም ፣ እንተበዝሐ ካብ 1 ክሳብ 2 ዓመት ጽሑፍኩም ክትውድእ ከም እትኽእል ከተረጋግጽ ኣለኩም።

ምፍላጡ ዝገድስ መብዛሕትኡ ግዜ ንመመልከቲኻ ንምድጋፍ ካብ ዳይረክተር መጽናዕቲ (ካብ ሃገርኩም ወይ ካብ ፈረንሳ) ዝመጽእ ደገፍ ኣገዳሲ እዩ

እንተደኣ ፍቓደኛታት ኮይንኩም እንታይ ዓይነት ውዕል ትሓትት ብዘየገድስ፡ ኩሉ ግዜ ቃለ መሕትት ክትገብር ኢኻ ፡ ሓደ ሓደ ግዜ መጀመርታ ምስ ሓደ ሰብ፡ ድሕሪኡ ምስ ኮሚተ።

እዚ ቃለ መሕትት እዚ ጽቡቕ ጌሩ ክዳሎ ኣለዎ፣ ንሽማግለ ትጽቢት ዝግበረሉ ክእለትን ዳይናሚዝምን ከምዘለካ ንምእማን።

ምፍላጡ ዘገድስ እንተደኣ ኣብዚ ክትሳተፉ ደሊኹም ፣ እዚ ብርግጽ ፈረንሳ ኣዝዩ ጽቡቕ ጌሩ ምዝራብ ዝሓትት ኮይኑ፡ እቲ ቃለ መሕትት ግን፡ ኣብ ዝተወሰኑ ኣጋጣሚታት፡ ብኸፊል ብእንግሊዝኛ ክካየድ ይኽእል እውን እዩ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

  • ናይ ውሱን ግዜ ውዕል (CDD) ን ተሓዳሲን ክትፍርሙ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ድሕሪ 6 ዓመት ቀዋሚ ውዕል (CDI) ክህልወኩም ይኽእል እዩ።
  • እቲ ኩነታትኩም (ንውሓት ግዜ፡ ደሞዝ፡ ተልእኾ) መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ዩኒቨርሲቲ ይዘራረበሉ ይከኣል እዩ።

ፍሉይ ጉዳይ : ATER

  • እዚ ናይ ዶክትሬት ተማሃሮ ወይ ሓካይም፡ ናይ 1 ዓመት ውዕል፡ ሓንሳብ ዝሕደስ
  • ናይ 2 ዓመት ልምዲ ዘለዎም ወፃእተኛታት: ክሳብ 3 ዓመት ውዕሊ ዘለዎምን ን1 ዓመት ዝሕደሱን እዮም።
ምፍላጡ ዘገድስ ምሉእ ግዜ ዝሰርሑ ATERs ርኡይ ቁጽሪ ናይ ምምሃር ሰዓታት ክህቡ ከምዘለዎም ኣስተውዕሉ ፣ እዚ ድማ ብቲሲስ ንምምሕዳሩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል።
ከም ኣማራጺ ድማ ከም ግዝያዊ ሰራሕተኛ ክትሰርሕ ወይ ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ምምሕዳራዊ ወይ ቴክኒካዊ ጽፍሒ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ

8 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
charifeh aldabaghcharifeh aldabaghተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
gitorogitoroተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
yu-duyu-duተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት

Liens utiles