መርመራ ጥንሲ ምግባር - Réfugiés.info

Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

መርመራ ጥንሲ ምግባር

ኣዳላዊ Réfugiés.info ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 19 jours

ምግባር መርመራ ጥንሲ ጥንስቲ ክሕብረኪ ይኽእል እዩ። መርመራ ጥንሲ ክትገብር እትኽእለሉ ዝተፈላለዩ መንገድታት ኣለዉ፤

  • ምስ መርመራ ሽንቲ
  • ምስ መርመራ ደም።
ምፍላጡ ዘገድስ እቲ መርመራ ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሓዊ ጽግያት ፡ ወይ ድማ ብውሑዱ ድሕሪ 14 መዓልታት ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ክውሰድ ይኽኣል ።
ብኣግኡ ኣቐዲምክን መርመራ ምውሳድ ናይ ሓሶት ኣሉታዊ ውጽኢት ክህብ ይኽእል እዩ።

ከመይ ንገብሮ?

እቲ ናይ ሽንቲ መርመራ ንእሽቶ ፕላስቲክ በትሪ ’ ዩ ። ገለ ነጠብጣብ ሽንቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣእቲኻ ንገለ ደቓይቕ ክትጽበ ኣለካ። ሽዑ፣

  • 1 መስመር እንተተራእዩ ዘይጠነስኪ።
  • 2 መስመራት እንተተራእዩ: ነፍሰጾር ኢኺ።

መርመራ ሽንቲ ኣብ ፋርማሲ ወይ ሱፐርማርኬት ክግዛእይከኣል ። ብማእከላይ ገምጋም ካብ €2 ክሳብ €10 ይሽየጥ። ኣዚ ብማሕበራዊ ድሕንነት ከምዘይሽፈን ኣስተውዕሉ።

ምፍላጡ ዘገድስ ነጻ መርመራ ሽንቲ ንምርካብ ናብ ማእከል ውጥን ስድራቤት du Planning familial.ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም ።

መርመራ ሽንቲ ኣወንታዊ እንተኾይኑ፡ መርመራ ደም ጥንስቲ ምዃና የረጋግ።

ዝኾነ ነገር ንኸይትኸፍል፡ ትእዛዝ ሓኪም ንምርካብ ምስ ሓኪም (ወይ መሕረሲት) ቆጸራ ክትሕዝ ordonnance. ኣለካ .

ምፍላጡ ዘገድስ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም እውን መርመራ ደም ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፡ ግን ክትከፍሎ ኣለካ (ከባቢ €15)።

ቀጺሉ እቲ መርመራ ደም ኣብ ላቦራቶሪ ሕክምናዊ ትንተና ይግበር። ኣብ ዶክቶሊብ ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ መርመራ ደም ብማሕበራዊ ድሕነት ዝሽፈን ’ ዩ ።

ኣንብብ፡ እቲ Refugees.info ዝብል ሓበሬታ ወረቐት " ኣብ ዶክቶሊብ ሕክምናዊ ቆጸራ ምውሳድ "።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ወይ ንጽባሒቱ ውጽኢት ክትረክብ ኢኻ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ነፍሰጾር እንተኾይንኪን ቆልዓ እንተደሊኺን፡ ነቲ Refugees.info ዝብል ሓቂ ወረቐት " ምክትታል ጥንስኺ " ከምንባብ ይከኣል።

ግን፡ ነፍሰጾር እንተኾይንኪን ቆልዓ እንተዘይደሊኽዮ፡ ነቲ Refugees.info ዝብል ሓቂ ወረቐት " ምቁራጽ ጥንሲ (ምንጻል ጥንሲ) " ከተንብብ ትኽእሉ ኢኺን።

7 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

  • Aceምምሕዳር
  • juliepምምሕዳር
  • xavidumምምሕዳር
  • valentine (ri)ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
  • kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
  • niknameተርጓሚ/ሚት
  • marianneukraineተርጓሚ/ሚት

Liens utiles