Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላትጥዕናምኻድ ናብ ናይ ሓኪም ማህጸን

ምኻድ ናብ ናይ ሓኪም ማህጸን

Comité de la Démarche Accessibleኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 mois

ምእንቲሓኪም ማህጸን ኣብ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ዝነጥፍ ሓኪም . ምስ ዝስዕቡ ዝተኣሳሰሩ ናይ ጥዕና ጸገማት ዝምከት እዩ፤

  • ምፍላጥ እቲ ሕግታት
  • ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ
  • ኣፍልጦ ጥንሲ
  • ምህላው ኣፍልጦ ሕማማት ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ከም መንሽሮ ጡብ
  • ምህላው ኣፍልጦ ፣ምቑራጽ ስጋዊ ርክብ ደቂ ኣንስትዮ ወይ ምኽእንሻብ ( excision ).
ምፍላጡ ዘገድስ ኣብ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ (ምክትታል ጥንሲ ሓዊሱ) ዝነጥፋ መሕረስቲ ፡ ኣብ ክንዲ ሓኪም ማህጸን እውን ክውከሳ ይኽእላ እየን። ገለ ሓፈሻዊ ሓካይም እውን ኣብ ሕክምና ማህጸን ዝነጥፉ እዮም።
ምፍላጡ ዘገድስ እዚ ዝያዳ ምቹእ ዝገብረካ እንተኾይኑ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ሓኪም ማህጸን ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኹም ።

ንፈለማ እዋን ምኽሪ ማህጸን ዝኸውን ዝተሓተ ዕድመ የለን : ዋላ ትሕቲ ዕድመ (ትሕቲ 18 ዓመት) ምስ ዝኾና ቆጸራምሓዝ ይከኣል ።

ኣዝዩ ኣግዳሲ ሓበሬታ ፣ ጸገም እንተጋጢሙ ምውካስ ህጹጽ እዩ፤
- እንተደኣ ዘይተለምደ ናይ ሕብሪ ምቕያር ኣጋጢሙ፣
- ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብዲ ከቢድ ቃንዛ ኣንተሎ፣
- ምሕማም ምሕርቃም፣
- ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ወይ ካብ ወርሓዊ ጽግያት ወጻኢ ዘይልሙድ ምፍሳስ ደም...ወዘተ

ከመይ ንገብሮ?

ናብ ሓኪም ማህጸን ንምርኣይ፡ ኣብ ዶክቶሊብ ቆጸራ ምሓዝ ይከኣል እዩ ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣንብብ: እቲ Réfugiés.info ፋይል "ኣብ ዶክቶሊብ ቆጸራ ውሰድ"።

ምርካብ ቆጸራ ሓኪም ማህጸን 70% ብማሕበራዊ ድሕነት ይምለስ። ንኽትምለሰሉ ፡ ቪታለ ካርድካ ናብቲ ቆጸራ ክትመጽእ ኣለኹም፡ ከምኡ’ውን ናይ ሓባር መድሕን ትካልካ እንተሃልዩ ከተምጽኦ ምኽኣል ።

ምፍላጡ ዘገድስ፣ትሕቲ 18 ዓመት (ትሕቲ ዕድመ) እንተኾይንክን፡ ናብ ሓኪም ማህጸን ንምኻድ ብወለድኻ ክትስነ ኣየድል እዩ።
ወለዲ ብዛዕባ ሕክምናዊ ምብጻሕካ ኣይክሕበሩን እዮም፤ እዚ ድማ "ምስጢራዊ" ኮይኑ ይቕጽል።

ኣብ ማእከል ውጥን ስድራቤት እውን ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም ። ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምምኽኻር ብነጻ እዩ።

ቆጸራ ሓኪም ማህጸን ብቐንዱ ዘተ ’ ዩ ። ብዛዕባ ኣካላትካ ወይ ጾታዊ ርክብካ ዝኾነ ሕቶታት ክትሓታ፡ ወይ ድማ ዝኾነ ዝኽእል ናይ ጥዕና ጉዳያት ትላዘባሉ እዋን እዩ።

ድሕሪኡ እቲ ሓኪም ማህጸን ሕክምናዊ መርመራ ክገብር ይኽእል እዚ መርመራ እዚ ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ምህላውክን ንምፍላጥ ወይ ንገለ ሕማማት ንምፍታሽ ይጥቀሙ።

ምፍላጡ ዘገድስ ኩሉ ግዜ ፈተና የለን: ኣብ ዕድመ: ኩነታትን ድሌታት ይምርኮስ።
እቲ ሓኪም ማህጸን ኩሉ ግዜ ቅድሚ ምጅማሩ እንታይ ይገብር ከምዘሎ ይገልጽ።
እወ ወይ ኣይፋልን ክትብል ትኽእል ኢኻ ። ፈተና ናይ ምእባዩ መሰል ኣሎኡም።

መርመራ ናይ ጡብ

  • መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 25 ዓመት ዕድመ ጀሚሩ እቲ ሓኪም ማህጸን ኣጥባትካን ብርክኻን ይርእዮን ይጭብጦን (ቀስ ኢሉ ይትንክፎ)።
  • እዚ መጀመርታ ኮፍ ብምባል፡ ድሕሪኡ ኣብ ጠረጴዛ ወይ ኣብ መደቀሲ ብምግዳም ፍጸም ።
  • እዚ ድማ ዕንፍሩር ወይ ምጉርፋጥ እንተሃልዩ ምስ ዝስማዕ የኽእለኩም።

መርመራ ማህጸን።

  • እዚ መርመራ እዚ ድሕሪ ምጅማር ጾታዊ ህይወት ዝቐርብ ኮይኑ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ጥራይ እዩ።
  • ኣብ ጠረጴዛ ደቂስካ እግርኻ ኣብ ፍሉይ ደገፍ ከተቐምጥ ።
  • እቲ ሓኪም ማህጸን ንውሽጢ ንኽርኢ ስፔኩሉም (ንርሕሚ ቀስ ኢሉ ዝኸፍት ንእሽቶ መሳርሒ) ክጥቀም ይኽእል ።
  • በቲ ስፔኩሉም እቲ ሓኪም ስሚር ክወስድ ይኽእል .

ቅብኡ ምልካይ

  • ካብ መእተዊ ማህጸን ብንእሽቶ ጡጥ ዝተወሰደ ናሙና ውሑዳት ዋህዮታት እዩ።
  • እዚ ድማ እቶም ዋህዮታት ንቡር ድዮም ኣይኮኑን ንምፍላጥ እዩ።
  • እቲ ስሚር መርመራ ንመንሽሮ ማህጸን ንምፍታሽ ይጥቀመሉ (መንሽሮ ከቢድ ሕማም እዩ፡ ብኣግኡ እንተተረኺቡ ግን ብቐሊሉ ይፍወስ)
  • እቲ ቀዳማይ መርመራ ስሚር ካብ 25 ዓመት ዕድመ ጀሚሩ እዩ ዝቐርብ (ስጋዊ ርክብ ፈጺምካ ዘይትፈልጥ እንተኾንካ ኣድላዪ ኣይኮነን)።
  • ውጽኢቱ ንቡር እንተኾይኑ ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5 ዓመት መርመራ ስሚር ምድጋም ይምከር ።

ብድሕሪኡ’ከ ?

ዋላ’ውን ዝኾነ ፍሉይ ጸገም እንተዘይብልካ ፡ ንመንሽሮ ማህጸንን ጡብን ንምምርማር ብቐጻሊ ናብ ሓኪም ማህጸን ምኻድ ኣገዳሲ እዩ . እዚ ኣብ ዕድመኻ ይምርኮስ፤

  • ካብ 25 ዓመት ዕድመ ጀሚርካ ዓመት ዓመት ናብ ሓኪም ማህጸን ክትከይድ ይምከር . እዚ ድማ መንሽሮ ማህጸን ከምዘይብልካ ንምርግጋጽ የኽእለካ ።
  • ካብ 50 ዓመት ዕድመ ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 2 ዓመት ማሞግራም ክግበር ይምከር . እዚ ሕክምናዊ መርመራ ናይ ኣጥባት እዩ፣ መንሽሮ ጡብ ከምዘይብልክን ንምርግጋጽ . ማሞግራም ንምግባር ኣብ ማእከል ራድዮሎጂ ቆጸራ ክትሕዝ ኣለክን። ሓኪም ራድዮሎጂ ነቲ መርመራ ክገብሮ እዩ።

እንተደኣ ፣ ደስ ዘይብል ወይ ሕማቕ ምኽሪ ከም ዝተዋህበካ ወይ ድማ ግዜ ወሲዱ ዝሰምዓካ ሰብ ከም ዘየለ ኮይኑ እንተተሰሚዑካ ሰብ ሞያ ክትቅይር መሰል ኣሎ።

ምቹእ ዝኾነካ ሓኪም ማህጸን ምርካብ ኣገዳሲ እዩ ።

ምፍላጡ ዘገድስ ኣድራሻ ናይ ካልእ በዓል ሞያ ንምርካብ ካብ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ (ሓፈሻዊ ሓኪም፡ ኣዕሩኽ ወዘተ) ምኽሪ ምሕታት ድሕር ኣይትበላ።

10 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
xavidumxavidumምምሕዳር
valentine (ri)valentine (ri)ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
nounouተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
gitorogitoroተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
mspmspተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት

Liens utiles