ምርካብ ሓገዝ ኣንጻር ንዘቤታዊ ዓመጽ
ኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 4 moisዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ቤት መጻምድቲ ዝፍጸም ዓመጽ እዩ ። ሓደ መጻምድቲ (ወይ መጻምድቲ ነበር) ነቲ ካልእ ክቆጻጸሮን ክዕብለሎን ምስ ዝደሊ ዝኽሰት ዓመጽ እዩ።
እዞም ዓይነት ክስተታት እዚኣቶም ኩሉ ግዜ ንምልላይ ቀለልቲ ኣይኮኑን ፣ ግን ከኣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክኽሰቱ ትትይኽእሉ እዮም፣ ንኣብነት፤
- መጻምድትኹም ን ደገ ንምውጻእካ ምኽልካል ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ንእክረኣዩ ዘይምፍቃድ፡ ዝሳደድዎ መልእኽቲ ብምቁጽጻር ወዘተ
- መጻምድትኹም ምስ ዘላግጸልኩም፡ ዋጋ የጉድለኩም፡ ብቐጻሊ ምስ ዘዋርደኩም
- መጻምድትኹም ምስ ፡ ዘናውጸኩም፡ ምስ ዝሃርም። እንተደኣ፣ ምሳኹም ወይ ምሳኽን ዓመጽ ምግባር ከም ንቡር ምዃኑ ገሊጽሉም ።
- መጻምድትኹም ፍቓደኛ ኣብ ዘይኮንክምሉ እዋን እዋን ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ይትንክፈኩም ወይ ምግዳድ እንተለዎ።
ምፍላጡ ዘገድስ፣ ክትዕ ድዩ ወይስ ዘቤታዊ ዓመጽ ምዃኑ ብኸመይ ትፈልጥ? ኣብ ክትዕ ክልቲኦም መጻምድቲ ማዕረ እዮም። ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ዝፍጸመሉ ኩነታት፡ እቲ ግዳይ በቲ ዓመጽ ዝፍጽም ሰብ ይቆጻጸርን ይዕብለልን እንከሎ እዩ።
ኣብ ፈረንሳ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ ክልኩልን ብሕጊ ዝቕጻዕን ተግባር እዩ.
ግዳይ ወይ ምስክር ዘቤታዊ ዓመጽ እንተኾንኩም ጌብዛዕብኡ ምስ ካልኦት ሰባት ምዝርራብ ጌጋ ኣይኮነን፣ ብዛዕባኡ ምስ እትኣምኖ ሰብ ምዝርራብ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ .
ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ፣ እንተደኣ ህጹጽ ኩነታት እንተጋጢሙኩም ናብ 17 (ፖሊስ) ወይ 112 (ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት) ክትድውሉ ይግባእ።
ጽቡቕ ክትዛረብ ወይ ክትሰምዕ እንተዘይክኢልኩም ፡ ናብ 114 (ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት) መልእኽቲ ኤስ ኤም ኤስ ክትጽሕፉ ትኽእሉ ይግባእ።
ጽቡቕ ክትዛረብ ወይ ክትሰምዕ እንተዘይክኢልኩም ፡ ናብ 114 (ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት) መልእኽቲ ኤስ ኤም ኤስ ክትጽሕፉ ትኽእሉ ይግባእ።
ከመይ ንገብሮ?
ብድሕሪኡ’ከ ?
12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ
a mugnier
claudia m
kim.delaunayተርጓሚ/ሚት
diplosamተርጓሚ/ሚት
noorተርጓሚ/ሚት