Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.
ኣካላትጥዕናምርካብ ሓገዝ ኣንጻር ንዘቤታዊ ዓመጽ

ምርካብ ሓገዝ ኣንጻር ንዘቤታዊ ዓመጽ

Comité de la Démarche Accessibleኣዳላዊ Comité de la Démarche Accessible ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 4 mois

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ቤት መጻምድቲ ዝፍጸም ዓመጽ እዩ ። ሓደ መጻምድቲ (ወይ መጻምድቲ ነበር) ነቲ ካልእ ክቆጻጸሮን ክዕብለሎን ምስ ዝደሊ ዝኽሰት ዓመጽ እዩ።

እዞም ዓይነት ክስተታት እዚኣቶም ኩሉ ግዜ ንምልላይ ቀለልቲ ኣይኮኑን ፣ ግን ከኣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክኽሰቱ ትትይኽእሉ እዮም፣ ንኣብነት፤

  • መጻምድትኹም ን ደገ ንምውጻእካ ምኽልካል ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ንእክረኣዩ ዘይምፍቃድ፡ ዝሳደድዎ መልእኽቲ ብምቁጽጻር ወዘተ
  • መጻምድትኹም ምስ ዘላግጸልኩም፡ ዋጋ የጉድለኩም፡ ብቐጻሊ ምስ ዘዋርደኩም
  • መጻምድትኹም ምስ ፡ ዘናውጸኩም፡ ምስ ዝሃርም። እንተደኣ፣ ምሳኹም ወይ ምሳኽን ዓመጽ ምግባር ከም ንቡር ምዃኑ ገሊጽሉም ።
  • መጻምድትኹም ፍቓደኛ ኣብ ዘይኮንክምሉ እዋን እዋን ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ይትንክፈኩም ወይ ምግዳድ እንተለዎ።
ምፍላጡ ዘገድስ፣ ክትዕ ድዩ ወይስ ዘቤታዊ ዓመጽ ምዃኑ ብኸመይ ትፈልጥ? ኣብ ክትዕ ክልቲኦም መጻምድቲ ማዕረ እዮም። ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ዝፍጸመሉ ኩነታት፡ እቲ ግዳይ በቲ ዓመጽ ዝፍጽም ሰብ ይቆጻጸርን ይዕብለልን እንከሎ እዩ።

ኣብ ፈረንሳ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ ክልኩልን ብሕጊ ዝቕጻዕን ተግባር እዩ.

ግዳይ ወይ ምስክር ዘቤታዊ ዓመጽ እንተኾንኩም ጌብዛዕብኡ ምስ ካልኦት ሰባት ምዝርራብ ጌጋ ኣይኮነን፣ ብዛዕባኡ ምስ እትኣምኖ ሰብ ምዝርራብ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ .

ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ፣ እንተደኣ ህጹጽ ኩነታት እንተጋጢሙኩም ናብ 17 (ፖሊስ) ወይ 112 (ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት) ክትድውሉ ይግባእ።
ጽቡቕ ክትዛረብ ወይ ክትሰምዕ እንተዘይክኢልኩም ፡ ናብ 114 (ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት) መልእኽቲ ኤስ ኤም ኤስ ክትጽሕፉ ትኽእሉ ይግባእ።

ከመይ ንገብሮ?

በይንኹም ዘይምፍላይ ብዛዕባኡ ምስ እትኣምንዎ ሰብ ምዝርራብን ኣገዳሲ እዩ ፣ ንኣብነት፤

  • ምስ ዝፈትዎ ሰብ
  • ምስ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ
  • ምስ ሓኪም
  • ምስ ማሕበር ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ፣ ብተሌፎን፡ ናብ 3919 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ናይ ህጹጽ እዋን ቁጽሪ ኣይኮነን ፡ ግን ከኣ ንኹነታትኩም ንምዝታይን ምኽሪ ክትረኽቡን ክትድውሉ ትኽእሉ እምበር።
እቲ ጻውዒት ብነጻ፡ ስም ናይ ደዋላይ ዘይገልጽ ኮይኑ፡ ኣብ ሕሳብ ቴለፎን ድማ ደዋሊ ድማ ኣይርአን እዩ።
እቲ ዝምልስ ሰብ ኣብ ጥቓኹም ክሕግዙኩም ዝኽእሉ ማሕበራት ኣድራሻታት ይህበኩም።
ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ። እቲ ዕላል ብፈረንሳ ምዃኑ ኣስተውዕሉ፤ ናብ ካልእ ቋንቋ ትርጉም ክህልወካ ኣይከኣልን እዩ ፣ ኣብዚ ደረጃ እዚ።
ህጹጽ ኩነታት እንተጋጢሙ ናብ 17 (ፖሊስ) ወይ 112 (ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት) ደውሉ።

ንኣብነት ማሕበራት ካብ ገዛኻ ክትወጽእ፡ ሕጋዊ መስርሕ ክትጅምር ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ክትረክብ ክሕግዘኩም ይኽእል ።

ኣብ ጥቓሉም ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ እንተሎ፣ ዝሕግዝ ማሕበር ንምርካብ ፡ ናብ መርበብ ሓበሬታ Arrêtons les violences ብምእታው፡ ክፍልሉ ምግላጽ ይከኣል እዩ።

ማሕበር ኖስ ቶውተስ ’ ውን ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዝርዝር ማሕበራት ኣዳልዩ ኣሎ ። ማሕበር ንምርካብ መጀመርያ ኣብቲ ኣብ ጸጋም ዘሎ ዝርዝር ክፍለት ኣለዎ።

ነቲ ዓመጽ ናብ ፖሊስ እንተሓቢርካኩም፡ ጥርዓን ከተቕርብ ግዴታ የብልኩምን፡ እንተኾነ ግን ንፖሊስ ብዛዕባ ኩነታትኩም ክሕበር ኣለዎ።

ዓመጽ ናብ ፖሊስ ንምሕባር ዝከኣለሉ መጋዲ፤

  • ኣብዚ ብምጥዋቕ ብኢንተርነት መልእኽቲ ክትጽሕፉን ምስ ሓደ ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝነጥፍ ፖሊስ ክትዕልሉን ትኽእሉ ኢኹም ። መጀመርታ ካብቲ ዝርዝር ክፍልኹም ምረጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ኣገልግሎት መልእኽቲ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኹም።
  • ብቐጥታ ናብ መደበር ፖሊስ እውን ክትከይዱ ትኽእሉ ኢኹም ። ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ንምርካብ ፡ ናብዚ ናይ ኢንተርነት ካርታ ብምኻድ ኣድራሻኹም ከተእቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ምቕራብ ጥርዓን ግዴታ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ብፖሊስ ክትሕሎ ይሕግዘኩም።
ጥርዓን ንምቕራብ ናብ መደበር ፖሊስ ምኻድ ይከኣል እዩ።

ምፍላጡ ዘገድስ፣ ፖሊስ ዋላ መርትዖ እንተዘይብልኩም ጥርዓንካ ክምዝግብ ግዴታ ኣለዎ።

ጥርዓን ከተቕርብ እንተዘይደሊኩም "main courante" ክትገብር ትኽእኩ ኢኹም ። እዚ ንፖሊስ ዝተዋህበ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኮይኑ፡ ነቲ ዘጋጠመኩም ዓመጽ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ግን ሕጋዊ መስርሕ ዘየብጽሕ እዩ። እዚ ድሒርኩም ጥርዓን ከተቕርቡ እንተወሲንኩም ጠቓሚ መበገሲ ክኸውን ይኽእል ’ ዩ ።

ዋላ ወረቓቕትኩም ኣብ ስርዓት እንተዘይሓለወ ጥርዓን ምቕራብ ወይ ጥርዓን ምሕባር ይከኣል እዩ ።

መንበሪ ፍቓድካ ኣብቲ ዝበደለካ ሰብ ዝምርኮስ እንተኾይኑ ፡ ብፈረንሳ ክትሕሎ ዘኽእለካ ፍሉይ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ናይቲ ዓመጽ መርትዖ (ስእሊ፡ መልእኽቲ፡ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ወዘተ) ከተቕርብ ክትክሉ ኣለኩም።

እንተደ እቲ ዝበለጸ መፍትሒ ካብቲ ምስቲ ዝበደለካ ሰብ እትካፈሎ መንበሪ ገዛ ምውጻእ ኮይኑ ረኺብኩሞ።

ነዚ ንምግባር ንመበገሲ ንምድላው ገለ ምኽርታት እነሆ ፤

  • ፈለማ ምፍላጥ ኣገደስቲ ቁጽርታት ተሌፎን ምዕቃብ ወይ ምዝካር፤
    • 17 ንፖሊስ፣
    • 112 ንሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት (ወይ ክትዛረብ እንተዘይክኢልካ ብጽሑፍ 114)
  • ክትከዱ ክትኣምንዎም እትኽእል ሰባት ድለዩ
  • ኣገደስቲ ሰነዳት ምሳኻ ምሓዝ፣ ወይ ቅዳሕ (ናይ መንነት ወረቐት፣ መንበሪ ፍቓድ፣ ናይ ጥዕና ካርድ፣ ናይ ክፍሊት ስሊፕ) ወዘተ
  • ናይ ዓመጽ መርትዖታት ምሓዝ (ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት፣ ስእልታት፣ ብፖሊስ ዝተዋህበ ወረቓቕቲ) እኝተሎ ምሓዝ
  • ምኩእ ብስምካ ፍሉይ ናይ ባንክ ሕሳብ ክፈት፣ ዝተፈላለየ ኣድራሻ ዘለዎ
  • ኣቐዲምኩም ቦርሳ ኣዳልዉ፣ ስለዚ ኣብ ዝኾነ እዋን ቀልጢፍኩም ክትከዱ ይከኣል።

ብድሕሪኡ’ከ ?

እቲ ዓመጽ ምስ ተዛዘመ እውን ከይተረፈ ፡ ኣብ ጥዕና ኣእምሮኻ ጕድኣት ኪወስድ ይኽእል እዩ ። ስለዚ ነዚ ንምውጋድ

ብዛዕባኡ ክትዛረብን በይንኻ ንኸይትስምኩም፡ ክትገብሮ ትኽእል ኢኹም፤

  • ተላዘቡ ምስ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ
  • ብ 3919 ደውሉ ።
  • ከምኡውን ኣብ ናይ ደገፍ ጉጅለ ተሳተፍ : እዚ ብማሕበር ዝተዳለወ ጉጅለ እዩ፣ ምስ ከማኹም ተመሳሳሊ ነገር ዘጋጠሞም፣ ተመኩሮኦም ዘካፍሉ ሰባት። ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ማሕበር ንምርካብ፡ ኣብ ዝርዝር NousToutes ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ ።

12 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

a mugniera mugnierምምሕዳር
claudia mclaudia mምምሕዳር
xavidumxavidumምምሕዳር
valentine (ri)valentine (ri)ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
gitorogitoroተርጓሚ/ሚት
mariammariamተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
diplosamdiplosamተርጓሚ/ሚት
mspmspተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
scarlettscarlettተርጓሚ/ሚት

Liens utiles