ኣገደቲ ሓበሬታ
ኣዳላዊ
ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ
ኣበይ ?
ምስራሕ ከም ናይ ሕክምና ወሃቢ ህጹጽ ሓገዝ ብምዃን ።
እንታዩ’ዩ ?
ኣብ ሳሙ-ሴንተር 15Samu-Centre 15 ኣብ ዝርከብ ማእከል ጻውዒት ንምስራሕ ፡ ሓጋዚ ምቁጽጻር ሕክምና፡ ንሕክምናዊ ህጹጽ ጻውዒታት ምምሕዳር። ነፍሲ ወከፍ ጻውዒት ክሰምዕን ክትንትንን ብትኽክል ሕቶታት ቀዳምነት ምሃብ ቅሩብ ምዃን።
እቲ ዝግባእ ሕቶ ምስ ተፈጸመ፡ ከከም ኣድላይነቱ ምስ ኣገልግሎት ሆስፒታል፡ ምስቲ ዝከታተል ሓኪም ወይ ምስ መጥፋእቲ ሓዊ የራኽብ። ንሱ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ጸብጻባት ናይ ምእካብ ሓላፍነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ንመሓውራት መቐበሊ ኣጋይሽ ብዛዕባ እቲ ሕሙም ዝቐረበ ምምጻእ ሓበሬታ ይህብ።
እዚ ስራሕ እዚ ጽቡቕ ደረጃ ፈረንሳ (ዝተሓተ B2) ክህልወኩም ይሕተት፣ ምኽንያቱ ኣብዚ ስራሕ ምስራሕ መሰረታዊ ሕክምናዊ ቃላት ክትመልኩ ኣለኩም።
ሓጋዚ ምቁጽጻር ሕክምና (ARM) ንምዃን ፡ ናይ ሕክምና ምቁጽጻር ዲፕሎማ (niveau bac).ክትረክኽቡ ኣለኩም ። እዚ ን 11 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ስልጠና ኮይኑ፡ ሓያሎ ናይ ስራሕ ልምምድ ግዜያት ኣለዎ። ብቕዓት ኣብ መመልከቲን ቃለ መሕትትን ዝተመስረተ እዩ። ነቲ ስልጠና ብክላሲካል ወይ ብናይ ልምምድ ስራሕ ክትከታተሎ ይከኣል እዩ። እቲ ስልጠና ድሕሪ ባካሎሬት፣ ወይ ኣብ ፈረንሳ ናይ 3 ዓመት ሞያዊ ንጥፈት እንተሃልዩ፣ ወይ ብVAE (ምጽዳቕ ዝተረኽበ ተመኩሮ) ምህላው የኽእል።
እቲ ስልጠና ዝካየደሉ ትካል ኣብ CFARM (ማእከል ስልጠና ሓገዝቲ ሕክምናዊ ምቁጽጻር) ይካየድ ። ከምኡውን ብድምር 1470 ሰዓታት ዝወስድ ኮይኑ፡ 21 ሰሙናት ኣብ ቤት ትምህርቲን 21 ሰሙናት ናይ ስራሕ ልምምድን ዘጠቓልል ሟኑ ምፍላጥ።
ከመይ ንገብሮ?
ሕጹይ ኲይንኩም ንምምዝጋብ ክህልወኩም ዘለዎ ፤
- እቲ ባካሎሬት ፣ወይ ናይ ላዕለዋል ደረጃ ትምህርቲ .
- ወይ ድማ ደረጃ 4ይ ናይ ፈረንሳ ዲፕሎማ ምህላው ፣
- እንተዘይኮነ ድማ ወይ ድማ ንናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ናይ ማዕረነት ምስክር ወረቐት ክህልዎም (ኣፍልጦ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማታት ምስ ENIC-NARIC France ይግበር ይግባእ )።
ነቲ ናይ ምዝገባ ቅጥዒ መሊእካ ናብቲ ዝምልከቶ CFARM ክትሰድዎ ኣለኩም (ንመደብ ምእታው ኣቓልቦ ሃቦ)።
እቲ ሕጹይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ እንተሓሊፉ ንፈተና ዕድመ ይቕበል። እቲ ፈተና ኣፋዊ ቃለ መሕትት ኮይኑ፡ እቲ ሕጹይ ብዛዕባ ድርኺቶም ሕቶታት ክቐርበሉ እዩ።
ንፋይል ዝተሓተቱ ሰነዳት (ዘይምሉእ ዝርዝር፣ ምስቲ ዝምልከቶ CFARM ክምርመር ዘለዎ)፤
- ፎቶ ኮፒ ናይ መንነት ወረቐትኩም
- ቀጽል ወይ ሲቪCV
- ናይ ተበግሶ ደብዳቤደብዳበ
- መለለዪ መንነት ስእሊ
- ፎቶኮፒ ናይ መወዳእታ ዲፕሎማ ወይ ምስክር ወረቐት
- ደረጃ ቋንቋ ምስክር ወረቐት (ብ CFARM ክረጋገጽ ዘለዎ ደረጃ)
- ክፍሊት መመልከቲ (ብ CFARM ክረጋገጽ እዩ)...
እቲ ሕጹይ ተቐባልነት እንተረኺቡ ምዝገባኦም ንምዝዛም ርክብ ክግበረሎም እዩ።
እንተደኣ ናይ ባካሎሬት ወይ ናይ ደረጃ 4 ዲፕሎማ ማዕረ ምስክር ወረቐት ዘይብልኩም ኴይኩም ሕጹያት ፡ እንተወሓደ ን3 ዓመት ምሉእ ግዜ ንዝጸንሕ ሞያዊ ንጥፈታት ኣብ ስርዓት ፈረንሳ ኣበርክቶ ከምዘለዎም መርትዖ ከተቅርቡ ክትክእሉ ኣለኩም።
ካብኡ ዝተረፈ ግን ፣መስርሕ ምምልካት ከምቲ ናይ መጀመርታ ዲግሪ ወይ ተመጣጣኒ ዲፕሎማ ዘለዎም ሰባት እዩ።
ነዚ ዲፕሎማ ከም ኣካል ቀጻሊ ትምህርቲ ክትረኽቡ እንተደሊኹም ፡ ኣየኖት ናይ CFARMs ነዚ መስርሕ ከም ዝቕበሉ ክትፈልጥ ኣለኩም።
ቀጻሊ ስልጠና ንዝተቖጽሩ ሰብ ሞያን ደለይቲ ስራሕን ክእለቶም ንምምሕያሽ ወይ ሓድሽ ሞያዊ ፍልጠት ንምጥራይ ይከኣል እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎገለ CFARMs ብኸፊል ወይ ጠቕላላ ምጽዳቕ ስልጠና ምስ ኣገባብ ምጽዳቕ ዝተረኽበ ክእለት (VAE) ይቕበሉ።
ምእንቲ ናይ ሰርፋ ሰነድ cefran ቁጽሪ 12818*02 ክትመልኡን ናብቲ መረጋገጺ ኣካል ክትሰድድዎም እትኽእሉ ደገፍቲ ሰነዳት ከተተሓሕዙን ይምከር እዩ።
ዝርዝር ናይቲ ኣገባብን ኣድለይቲ ሰነዳትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝምልከቶ CFARM ይርአ።
ዝተወሰኑ ሞያታት ክንክን ጥዕና (ተሓጋጋዚ ነርሲንግ፣ ተሓጋጋዚ ክንክን ህጻናት፣ መራሒ ኣምቡላንስ) ካብ ስልጠና እውን ብነጻ ይጥቀሙ።
ካብ CFARM ናትካን ተመኩሮኻ ንምግላጽ ክትክተሎ ዘለካ ኣገባብን ፍለጥ።
ብድሕሪኡ’ከ ?
ንዝተፈላለየ ነገራት ከም ንፈተናታትን ክፍሊት ትምህርትን ዝኸውን ናይ ምዝገባ ክፍሊት ኣሎ። ንልምምድካ ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባር ዝኽእሉ ሓያሎ ተሳተፍቲ ኣላካት ኣለዉ ከም፤
- ፈረንሳ ትራቫይል (ናይ ቀደም ፖል ኤምፕሎይ)፡France Travail
- ናይ ሲፒኤፍ ሕሳብ፣Compte CPF,
- ዋና ዳይሬክቶሬት ምቕራብ ክንክን፣La Direction Générale de l’Offre de Soins,
- እቲ ክልል፣
- ሚኒስትሪ ጥዕና...ወዘተ
እንተደኣ ክትክተሎ ዘለካ ኣገባብ ንምርካብ ምስ CFARM ርኸብ።
ኣብ እዋን ትምህርትኹም ዝተፈላለዩ ገንዘባዊ ሓገዛት እውን ኣለዉ። ነቲ ሓገዝ ኣብ ዞባኹምን CampusBourseFrance ን ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም ።
እንተደኣ እቲ ሓጋዚ ሕክምናዊ ተኸትታሊ ኣብ ማእከል ጻውዒት ሳሙ-ማእከል 15 Samu-Centre 15. ብህጹጽ ሓገዝ ምሃብ ኣብ ናይ ስራሕ ምድላይ መርበባት ወይ ምስ ሳሙንSamu ሆስፒታላትን ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ARM ናይ ምድብ B ሰራሕተኛ ህዝባዊ ኣገልግሎት ሆስፒታል ኮይኑ ፡ ወርሓዊ ደሞዙ ካብ €1,836 ሓፈሻዊ ይጅምር።
ኤ.ኣር.ኤምL'ARM ናብ ከም ተቖጻጻሪ ማእከል ጻውዒት ሕክምና ወይ ኣተሓባባሪ ኤ.ኣር.ኤምARM.
ARM ምስክር ወረቐት ንኻልኦት ሞያታት ከም ኣላዪ፣ ተሓጋጋዚ ክንክን ህጻናት ወይ መራሒ ኣምቡላንስ ንምብጻሕ ናይ ስልጠና ብነጻ ይህብ።
እዚ ፋልይ ጠቓሚ ኮይኑ ዶ ረኺብኩሞ ?
ን ዝተርጎሙን: ርእይቶኦም ዘበርከቱን ኩሎም ነመስግን
ተመሳሳሊ ዛዕባ
8 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ