Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲዜጋታት ፈረንሳ, ስደተኛታት, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ሃገር ኣልባ ሰባት

ዋጋ

ብነጻ

ኩነታት

ናይ ባንክ ሕሳብ ምህላው

ምሕባር ዓመታዊ ኣታዊኹም ንኣታዊ ውሽጢ ሃገር les impôts

ኣቐድዲሙ ዝነበረ il y a 2 mois

እቲ ብ impôts ወይ እቲ ብ መልክዕ ቀረጽ ዝኣቱ ኣታዊን ብ ሓደ ሓደ ገንዘባዊ ወጻኢታት ናይታ ሃገር ንምውዓል፣ ዝጠቅም ኣወሃልላ ገንዘብ እዩ። ብ ሓባር ድማ፣ ፣ ኣብ ትምህርታዊ መዓላ፣ ሆስፒታላት፣ ን ኣብ ስራሕ ዘየለዉ ሰባት መደጎሚ፣ ን ጥሮተኛታት መኽፈሊ፣ ን ሕክምናን ን ሓኻይምን ከምኡ ውን ን ናይ መንግስቲ ገዛውቲ መኽፈሊን ካልእን ይውዕል።

በዚ ድማ ኩሎም እብ ፍረንሳ ዝነብሩ ሰባት፣ ግብሪን ቀረጽን ክኸፍሉ ፣ እቲ
መጠን ድማ ከከ ምኣታዊ ዝተመጠነ እዩ። (ደመዝን ካልእ ክፍሊታትን...). እዩ ዘጠቓልል።


-ምፍላጡ ዘገድስ፣ ግብሪ ብሓደ ሰብ ወይ ብናይ ግብሪ ስድራቤት (ሓያሎ ብሓባር ዝነብሩን ሓደ ዓይነት ግብሪ ምምላስ ዘለዎምን ሰባት፡ ከም ስድራቤት ወይ በዓል ሓዳር ወይ ሲቪላዊ ሽርክነት ዘለዎም መጻምድቲ) ይኽፈል።
- ግብሪ ዝኸፍል ሰብ ወይ ገዛ “ግብሪ ዝኽፈል” እዩ።
- ግብሪ ዘይከፍል ሰብ ወይ ስድራቤት “ግብሪ ዘይከፍሉ” (ትሑት እቶት ወይ ፍሉይ ኩነታት ምስ ዝህልዎም እዩ) ።

ካብ 2019 ጀሚሩ ግብሪ "ኣብ ምንጪ ተቖራጺ": እዚ ማለት እቲ ገንዘብ ናብ ሕሳብ ባንክ ቅድሚ ምእታዉ ብቐጥታ ካብቲ ደሞዝ ይውሰድ ማለት እዩ። ግን ሕጂ ውን ዓመት ዓመት እቲ ኣዋጅ ክትገብር ኣለካ።
ምፍላጡ ዘገድስ ኣታዊኹም፣ ማለት ዋላ ውሑድ ወይ ዋላ ሓንቲ ገንዘብ እንተዘይረኸብኩም፡ መጠን ኣታዊኹም ብዘየገድስ፡ ግብሪ ኣታዊኹም ምቕራብ ግዴታ እዩ።

ናይ ግብሪ ምልክታኹም ንባንክታትን ምምሕዳራትን ኣታዊ የመኽንየልኩም። ብዙሓት ምምሕዳራት ነዚ ሰነድ ተጠቒሞም ነቲ ኣገባባት (ሓገዝ CAF፡ ሕሳብ ባንክ፡ ማሕበራዊ ኣባይቲ ወዘተ) ብምንጽጽር ይፍጽሙ።

ምፍላጡ ዘገድስ ፣ ግብሪ ብሓደ ሰብ ወይ ብናይ ግብሪ ስድራቤት (ሓያሎ ብሓባር ዝነብሩን ሓደ ዓይነት ግብሪ ምምላስ ዘለዎምን ሰባት፡ ከም ስድራቤት ወይ በዓል ሓዳር ወይ ሲቪላዊ ሽርክነት ዘለዎም መጻምድቲ) ብሓበራ ይኽፈል።

ከመይ ንገብሮ?

ኣዋጅ ናይ ግብሪ ክትገብዙ ዘለኩም ፤

  • እንተደኣ ኣብ ፈረንሳ ን ሽድሽተ ተኸታተልቲ ኣዋርሕ ናይ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተቐሚጥኩም
  • ማእከሉ ኣብ ፈረንሳ እንተደኣ ሞያዊን ቁጠባዊ ንጥፈታትኩም ኣብ ፈረንሳ ኮይኑ
  • እንተደኣ 18 ዓመትኩም ኮይኑ፣ ከምኡ ውን እንተደኣ ምስ ናይ ስድራኹም ትነብሩ ኮይንኩም ደክለረሽን ዘይትገብሩ ሃልይኹም
  • እንተደኣ ናይ ሞያዊ ንጥፈት ማእከልኩም ንኣብነት (ናይ ቤት ጽሕፈትኩም መንበር ኣብ ፈረንሳ ኮይኑ )
  • ኣብ ወጻኢ እናተቀመጥኩም ፣ ግን እንተደኣ ኣታዊ ስራሕኩም ካብ ውሽጢ ፈረንሳ ኮይኑ

እምበኣርክርስ ኣታዊ ብምፍላጥ ዝግብእ ግብሪ (ብምምሕዳራዊ ኣጸዋውዓ fiscale, ወይ fisc) ብምባል ይጽውዑ እዮም ምኽፋል የኽእለኩም። እቲ መስርሕ ምሕባር ኣታዊ "déclarer"ተባሂሉ ይጽዋዕ። " ምሕባር ወይ ደክሌር ምግባር" ኩሉ ኣታዊ ናይታ ዓመት እቲኣ፣ ምምዝጋብን ኩናታትኩም ምሕባርን

  • እንተተመርዕኹም ወይ ኣብ ሲቪላዊ ሽርክነት መርዓ እንተሃሊኹምን/ወይ ዝዓብዩ ቆልዑ እንተሃልዮምኩምን፡ ኩሉ እቲ ዝረኸብካዮ ገንዘብ ኣብ ሓደ መግለጺ ክኸውን ኣለዎ: ንነፍሲ ​​ወከፍ ስድራቤት ግብሪ ሓደ መግለጺ ግብሪ ኣታዊ ጥራይ እዩ ዝግበር።
  • እንተደኣ ብሓባር ትነብሩ እንተኾይንኩም (ከይተመርዓኹም ወይ ኣብ ሲቪላዊ ሽርክነት ብሓባር ትነብሩ)፡ ነቲ ደክለረሽን ነፍሲ ወከፎኩም በበይንኹም ብኽልተ ዝተፈላለየ ኣዋጃት ክትእውጁ ኣለኩም።
ክፍለጥ ዘለዎ!
ምስ ወለዱ ዘይነብር ዓቢ ቆልዓ ወይ እኹል ውላድ (ልዕሊ 18 ዓመት) ውልቃዊ ግብሪ ኣታዊኡ ከቕርብ ኣለዎ።
ሓደ ዓቢ ቆልዓ ዝመሃር ዘሎ ክሳብ ወዲ 25 ዓመት ምስ ናይ ወለዱ ግብሪ ገዛ ክተሓሓዝ ይኽእል። እዚ ማለት ምሉእ ኣድራሻ ናይቶም ገና ምስ ናይ ወለዶም ግብሪ ገዛ ዝተተሓሓዙ ዓበይቲ ወይ በዓል ሓዳር ቆልዑ ካብ ናይ ወለዲ ዝተፈልየ እንተኾይኑ ክግለጽ ይግብኦም።
እቲ ደክለረሽን ዓመት መጸ ሓደ ዓይነት እዩ እዋኑ ፤

ዓመት መጸ እቲ ካላንደር፣ ወይ ኣዋጅ ምግባር ሓደ እዋን እዩ

  • ኣብ እዋን ጽድያ፡ ኣብ መንጎ ሚያዝያን ሰነን፡ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት (ዝዛዘመ ዓመት) ኣታዊ ደክሌር ክትገብር ። እዚ መግለጺ እዚ ነቲ እትኸፍሎ ግብሪ ክትሕስቦ የኽእለካ።
  • ኣብ ሓጋይ፡ ኣብ መንጎ ሓምለን ነሓሰን፡ ናይ ኣታዊኻ “ናይ ግብሪ ምልክታ” ይመጸካ። እዚ "ስሩዕ ምግባር" እዩ: ኣብ መንጎ እቲ ድሮ ዝኸፈልካዮ (ኣብ ምንጪ ዝተቖርጸ)ን ገና ክትከፍሎ ዘለካን ዝግበር ስሌት፡ ወይ ድማ ብዙሕ እንተኸፊልካ እንታይ ክምለሰልካ እዩ።

ኣገዳሲ ሓበሬታ!
መስርሕ ምውጻእን ምምላስን ካብ ናይ ባንክ ሕሳብ ኣውቶማቲክ እዩ፣ ዝኾነ ነገር ክትገብሩ ኣየድልየኩምን እዩ።

ነቲ ሰነድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብፖስታ ክትረኽብዎ ነቲ ናይ ወረቐት መግለጺ እንተመሪጽኩም ። ድሕሪኡ ነቲ ኣዋጅ ብኢንተርነት ክትገብሮ ኣለኩም።


ኣዝዩ ኣገዳሲ! ነቲ ዲክላሬሽን ብወረቐት ክትመልእዎን ከተቕርቡን እትኽእሉ ኣብ ገዛኹም ኢንተርነት እንተዘይብልኩም ወይ ክትገሹ ምስ ዘይትኽእሉ ጥራይ እዩ። espace avec un ordinateur ውልቃዊ ኣገልግሎት ግብሪ) ኣብ ጥቓኻ።

ግብሪ ምምላስ ቅጥዒ 2024 ዳውንሎድ ከትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም ።ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ማእከል ህዝባዊ ፋይናንስ (ውልቃዊ ኣገልግሎት ግብሪ) ውሰዶ።ብፖስታ ናይ ወረቐት መግለጺ እንተዘይመጺኡኩም፡ ክትክእሉ ትኽእሉ ኢኹም። télécharger le formulaire pour la déclaration de revenus 2024 ወይ እውን ኣብ centre des finances publiques (ውልቃዊ ኣገልግሎት ግብሪ) ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ቦታ።

  • ፈለማ ብድህሪኡ ነታ “vous déposez une déclaration pour la première fois” ዝብል
  • ዝርዝር ሓበሬታኻ ኣብ ገጽ 1 ምልእዎ
  • ኩነታት ስድራቤትካን ቆልዑ እንተሃልዮምኻን ዓመት ልደት ምስ ስሞምን ቀዳማይ ኣስማቶምን ኣብ ገጽ 2 ግለጽ
  • እንተደኣ ኣብ 2024 ኣታዊ እንተሃልዩኩም (ደሞዝ፡ ኣበል ወዘተ)፡ እቲ መጠን ገንዘብ ኣብ ገጽ 3 እንተደኣ ዝኾነ ነገር ኣታዊ ዘሮ "0" ጽሓፍ።

ኣድራሻኹም ንምምኽ ናይ ፣ ከከም ኩነታትኩም ደጋፊ ሰነዳት ክትሰድድ ኣለኩም

  • ተኻራያይ እንተኾይንካ፡ ቅዳሕ ናይቲ ናይ ክራይ ውዕልን ናይ ክራይ ቅብሊትን (ካብ ዋና ክሕተት ዘለዎ) ናይ ኣዋርሕ ታሕሳስ 2024ን ጥሪ 2025 ን ስደድ።
  • ናይ መንበሪ ኣድራሻ እንተሃልዩኩም adresse de domiciliation postale, ንዓመተ 2024 ክሳብ ሎሚ ዝሽፍን ናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት ስደዱ።
  • እንተደኣ ምስ ሓደ ሰብ ትሓድር እንተኴይንኩም፡ ነቲ ሰብ ነቲ ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምስክር ወረቐት ክመልእን ቅዳሕ ናይ መንነቱ ወረቐትን ቅዳሕ ናይቲ ናይ ክራይ ውዕሉ ወይ ናይ ዋንነት ውዕል ክህበካን ክትሓቶ ኣለካ።
  • ምስ ሓደ ሰብ ትሓድር እንተኾንካ፡ ነቲ ናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት መሊኡ ቅዳሕ ናይ መንነቱ ወረቐትን ቅዳሕ ናይቲ ናይ ክራይ ውዕሉ (ኣብ ኣፓርታማኡ ወይ ገዝኡ ተኻራያይ ምዃኑ ንምርግጋጽ) ወይ ድማ ናይ ዋንነት ውዕልኡ (ዋና ኣፓርታማኡ ወይ ገዝኡ ምዃኑ ንምርግጋጽ) ክህበካ ክትሓቶ ኣለካ።
በዓል መዚ ግብሪ ካብ 1 ጥሪ 2025 ጀሚሩ ኣድራሻኹም ክፈልጡ ኣለዎም።

ምምሕዳራውን ስድራቤታውን ኩነታትካ ንምፍላጥ፡ carte de séjour, ቅዳሕ ናይቲ መንበሪ ፍቓድካ፡ ናይ መጻምድትኻን ቅዳሕ ናይቲ መዝገብ ስድራቤት እንተሃልዩኩም livret de famille ክትሰድድ ኣለካ።

እንተደኣ ፈለማኹም ኮይኑ ብ ኢንተርኔት ደክሌር ምግባር : ነዚ ዝስዕብ ተኸተሉ

ፈለማ መጀመርታ ኣብ ቆጸራ ወይ ብፖስታ ካብ ማእከል "numéro fiscal"ህዝባዊ ፋይናንስ à votre centre des Finances publiques. “ቁጽሪ ግብሪ” ብምጥቃቕ ነቲ መለለዪ ቁጽርኹም ምልኡ ።

  • እዚ ሓበሬታ ክትህቡ ኣለኩም፤
    - ምሉእ ስም፣ኣድራሻ ፣ ኢመይል
    - ቅዳሕ ናይ መለለዪ ካርድኹም ወይ ታሴራኹም ማለት (récépissé ou titre de séjour)récépissé ወይ ከርድ ዘይወደቀ)
  • መንነትኩም ምስተረጋገጸ፡ እቲ ምምሕዳር ኣብ impots.gouv.fr ቁጽሪ ግብሪኻን ዕለት ልደትካን ሒዝካ ናይ ብሕቲ ቦታኻ ክትፈጥር ከም እትኽእል ዝሕብር ኢመይል
  • ብድሕሪኡ ኢመይልካ ጽሒፍካ ፓስዎርድ ክትመርጽ ኣለካ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ውሽጢ 8 ሰዓታት፡ ናይ ብሕቲ ቦታኻ ንምንቅስቓስ ክትጥውቖ ዘለካ መላግቦ ዝሓዘ ኢመይል ክመጸካ እዩ።

ኣብ impots.gouv.fr ኣብ ውልቃዊ ቦታኹም ኣቲኹም “ sur “Déclarer mes revenus” ዝብል ጠውቑ :

  • ነቲ “vous déposez une déclaration pour la première fois” ኣብ ዝብል ጠውቑ
  • ዝርዝር ሓበሬታኻ ኣብ ገጽ 1 ምልኣዎ
  • ኩነታት ስድራቤትካን ቆልዑ እንተሃልዮምኻን፡ ዓመት ልደት ምስ ቀዳማይን መወዳእታን ስሞም ኣብ ገጽ 2 ግለጹ
  • እንተድደኣ ኣብ 2024 ኣታዊ እንተሃልዩካ (ደሞዝ፡ ሓገዝ ወዘተ)፡ እቲ መጠን ገንዘብ ኣብ ገጽ 3 ጽሓፎ፡ ዋላ ሓንቲ እንተዘይተቐቢልካ ዋላ ሓንቲ"0". ክትጽጽሕፉ ኣለኩም።

ኣድራሻኩም ንምርግጋጽ ከከም ኩነታትኩም ደገፍቲ ሰነዳት ክትሰድድ ኣለኩም፤

  • ተኻረይቲ እንተኾይንኩም፡ ቅዳሕ ናይቲ ናይ ክራይ ውዕልን ናይ ክራይ ቅብሊትን (ካብ ዋና ክሕተት ዘለዎ) ናይ ኣዋርሕ ታሕሳስ 2024ን ጥሪ 2025ን ስደድ።
  • ናይ መንበሪ ኣድራሻ እንተሃልዩኩም adresse de domiciliation postale, ንዓመተ 2025 ክሳብ ሎሚ ዝሽፍን ናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት ስደዱ።
  • እንተደኣ ምስ ሓደ ሰብ ትሓድር እንተኾንኩም፡ ነቲ ናይ መንበሪ ምስክር ወረቐት መሊኡ ቅዳሕ ናይ መንነቱ ወረቐትን ቅዳሕ ናይቲ ናይ ክራይ ውዕሉ (ኣብ ኣፓርታማኡ ወይ ገዝኡ ተኻራያይ ምዃኑ ንምርግጋጽ) ወይ ድማ ናይ ዋንነት ውዕልኡ (ዋና ኣፓርታማኡ ወይ ገዝኡ ምዃኑ ንምርግጋጽ) ክህበካ ክትሓቶ ኣለኩም።
በዓል መዚ ግብሪ ካብ 1 ጥሪ 2025 ጀሚሩ ኣድራሻኹም ክፈልጡ ኣለዎም።

ምምሕዳራውን ስድራቤታውን ኩነታትካ ንምፍታሽ፡ ቅዳሕ ናይቲ መንበሪ ፍቓድካ፡ ናይ መጻምድትኩም carte de séjour, ቅዳሕ ናይቲ መዝገብ ስድራቤት livret de famille እንተሃልዩኩም ከተተሓሕዞ ኣለኡም።


ኣገዳሲ ሓበሬታ!
ንዝቕጽል ርክባትካ ምስቲ ፍሉይ ቦታኻ መለለዪታትካ (ቁጽሪ ግብሪን ምልክት ቃልን) ብጥንቃቐ ኣቐምጥዎ ።

እንተደኣ ድሮ ዴክሌር ጌርኩም ትፈልጡ ኮይንኩም :

ቁጽሪ ግብሪኻ ወይ ናይ ፈረንሳ ምትእስሳር ሕሳብካ ተጠቒምካ ናብ impots.gouv.fr ክትራኸብን ነቲ ዝተሓተተ ሓበሬታ votre compte France Connect ክትመልኦን ትኽእል ኢኻ።

እንተደኣ ድሮ ሕሳብ ሃልይኩም ኮይኑ ኣብimpots.gouv.fr, እሞ እንተደኣ ኣብ ኢመይልኩ recevoir votre numéro fiscal par mail. ክመጸኩም እዩ ብተወሳኺ ቁጽሪ ግብሪኻ ኣብ ላዕሊ ናይቲ ናይ መወዳእታ ዝረኸብካዮ ናይ ግብሪ ምምላስ ቀዳማይ ገጽ ወይ ኣብ ናይ ግብሪ ምልክታታትካ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ደክለረሽን ብሓፈሻ ድሮ ኣቐዲሙ ዝተመልአ እዩ፣ እዚ ማለት ኩባንያታት፣ ግዝያዊ ትካላት፣ France Travail ፈረንሳ ትራቫይል (ናይ ቀደም ፖል ኤምፕሎይ) ወዘተ ድሮ ነቲ ሓበሬታ ብቐጥታ ናብ ኣገልግሎት ግብሪ ሰዲዶሞ ኣለዉ።

  • ብግቡእ ሓበሬታ ኩነታት ሓዳርኩም፣ ከምኡውን ጽግዕተኛታት ቆልዑን ምፍታሽ።
  • ሰራሕተኛ ወይ ግዝያዊ ሰራሕተኛ እንተኾንካ: ኣብ ታሕቲ ናይ ታሕሳስ 2024 ናይ ደሞዝ ወረቐትካ ዘሎ ጽሩይ ግብሪ ዝኽፈል መጠን ገንዘብ ኣረጋግጽ።
  • ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ስራሕ ገንዘብ እንተረኺብካ: ናይ ኣታዊ ግብሪ ምምላስ ቁ. 2042-C Pro (“ማይክሮ-ኢንተርፕረነር ኣብ እቶት ምቁራጽ ግብሪ ዝመረጸ” ወይ “ሞያዊ ኢንዱስትርያውን ንግዳውን እቶት / ማይክሮ ቢኣይሲ ስርዓት” ወይ “ሞያዊ ዘይንግዳዊ እቶት / ማይክሮ ቢኤንሲ ስርዓት” ከከም ኩነታትካ)። ኣብ ናይ 2024 ግብሪ ምስክር ወረቐት ዝተጻሕፈ መጠን ገንዘብ ኣብ autoentrepreneur.urssaf.fr. > ንዝያዳ ሓበሬታ : télécharger une attestation ኣብ ናይ መዝገብ Réfugiés.info ኣለኩም Devenir auto-entrepreneur (partie “Payer les impôts” ኣብ ዝብል ታሕቲ ኣለኩም).
  • እንተደኣ ተጠቃሚ ናይ እዚ መስመር ናይ ኢንተርኔት ኮይንኩም services à la personne (ምክንኻን ቆልዑ፣ ጽሬትናይ ገዛ ወዘተ...) : ወይ እውን እንተደኣ ሃልይኩም ኣብ formulaire RICI 2042 ምልእዎ
  • ዝኾነ ሓበሬታ እንተጎዲሉ ወይ ጌጋታት እንተሃልዩ፡ በጃኹም ነቲ ሰነድ ምልኣዮ።

ኩሉ ቅኑዕ ምስ ዝኸውን ክልተ ኣማራጺታት ኣለዉኻ፤

- ዋላ ሓንቲ ኣይትግበሩን ኣብ ሓጋይ ናይ ኣዋጅ ኩነታት ምልክታ ንኽመጹ ተጸበዩ።

- ዲክለሬሽንካ ምሉእን ምጽዳቕን ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ናይ ዲክለሬሽን ኩነታት ምልክታኻ ከተውርድ ትኽእል። ኣብቲ ናይ ጸብጻብ ግዜ፡ ዋላ ድሕሪ ምፍራምካ፡ ክሳብ ዝደለኻዮ ግዜ ብኢንተርነት ግብሪ ምምላስካ ከተዐርዮ ትኽእል ኢኻ።

ምፍላጡ ዘገድስ እቶም ቀንዲ ሕቶታት ብዛዕባ ግብሪ ምምላስ ኣብዚ ጠዉቑ ici ምስ ሓፈሻዊ መልስታት። መብርሂታት ናይቲ ብኢንተርነት ኣገልግሎት ግብሪ ንምጥቃም ዝውሰዱ ስጉምትታት ተኸተሉ ici. ኣብዚ ኣሎ።
ሞባይል ኣፕሊኬሽን ኣብ ፕለይ ስቶር ወይ ኣብ ኣፕ ስቶር ናይ ኣታዊ ግብሪ ምምላስኩም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። Impots.gouv sur Play Store ወይ ኣብ App Store.
እቲ ሰነድ ድሮ ቅድሚኡ ተመሊኡ ኣሎ፣ pré-rempli ድሕሪኡ ነቲ ሓበሬታ ከተረጋግጾን ኣድላዪ እንተኾይኑ ክትቅይሮን ኣለካ፣ ንኣብነት ጽግዕተኛታት ምእላይ/ምውሳኽ፣ RIB ምቕያር/ምውሳኽ፣ ዝተጠቕሰ መጠን ገንዘብ ምቕያር ይግባእ

ደረት ግዜ ናይ ደክሌር ምግባር ወይ ምሕባር፣ ኣብ ወረቐትን ኣብ
ኢንተርኔትን ሓበሬታ ኣለኩም :

  • ኣቲ ሓበሬታ ናይ ምስዳድ ውሱንን እዋን ካብ መንጎ ወርሒ፣ ግንቦትን
    ፈለማ ሰነን እዩ።.
  • ኣብ ኢንተሬት ዘሎ ናይ ግዜ ደረት ይነውሕ
ክፍለጥ ዘለዎ!
ኣብእዚ ወብሳይት እዚ ፣ ናይ ለዛምፖ ወይ ናይ ግብሪ simulateur sur internet ኣከፋፍላ ንዓኹም ከመይ ከም ዝኸውን ፈትሹ
ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬትኣብ መወዳእታ ናይ 2024 መግለጺ ኣታዊኻ፡ ካብ መስከረም 2025 ጀሚሩ ኣብ ኣታዊኻ ዝምልከት መጠን ምቑራጽ ግብሪ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኹም: ማለት ካብ ደሞዝካ ዝዕቀብ ሚእታዊት።
  • ኣብ መወዳእታ ናይ 2024 ግብሪ ኣታዊኻ፡ ካብ መስከረም 2025 ጀሚሩ ኣብ ኣታዊኻ ዝምልከት መጠን ምቑራጽ ግብሪ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ፡ ማለት ካብ ደሞዝካ ዝዕቀብ ሚእታዊት።
ምፍላጡ ዘገድስ ኣታዊኹም፣ ማለት ዋላ ውሑድ ወይ ዋላ ሓንቲ ገንዘብ እንተዘይረኸብኩም፡ መጠን ኣታዊኹም ብዘየገድስ፡ ግብሪ ኣታዊኹም ምቕራብ ግዴታ እዩ።

ናይ ግብሪ ምልክታኹም ንባንክታትን ምምሕዳ

መልእኽቲ ክትቅብል ኢኹም "መተሓሳሰቢ ግብሪ" ዝበሃል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰነድ ክመጸካ እዩ።

  • ነቲ መግለጺ ብወረቐት እንተሰዲድካዮን ፍሉይ ቦታ እንተዘይብልካን ብፖስታ sur impots.gouv.fr
  • መስርሕ ነቲ ኣዋጅ ኣብ ኢንተርነት እንተገይርካምዎ ኣብ ውልቃዊ ቦታ ከተውርዶ ይከኣል።
ምፍላጡ ዘገድስ ኣዝዩ ኣገዳሲ!
ግብሪ ዝከፈልክሉ ወረቐት ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ ፣ ዋላ ግብሪ እንተዘይከፈልኩኡም ናይ ግብሪ ምልክታ ክትሕሉ ኣለኡም።

ብዙሓት ምምሕዳራትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ነዚ ሰነድ ተጠቒሞም ኣገባባት (ሓገዝ CAF፡ ሕሳብ ባንክ፡ ማሕበራዊ ኣባይቲ ወዘተ) ይፍጽሙ። ባንክታት ልቓሕ እንተ ኣመልኪትካ የድልየን እዩ።

ግብሪ እንተዘይከፊልካ (ግብሪ ተሓታቲ ኣይኮንካን)፡ ንማሕበራዊ ሓገዝ ከተመልክት ዘኽእለካ ናይ ዘይምኽፋል ምልክታ ክመጸካ ይኽእል።

ክፍለጥ ዘለዎ!
ልክዕ ድሕሪ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝግበር መግለጺ ግብሪ ኣታዊ፡ ኣብቲ ፍሉይ ከባቢኻ ነቲ ናይ ግብሪ ምልክታ እናተጸበኻ፡ እቲ ናይ ኣታዊ ግብሪ መግለጺ ኩነታት ምልክታr, l'avis de situation déclarative à l'impôt sur les revenus (ASDIR) (ASDIR) ንምምሕዳራዊ ስጉምትታት (ንኣብነት መንበሪ ማሕበራዊ ምሕታት) ይርከብን ተቐባልነት ይረክብን።
እቲ ዝግባእ እዋን ኣየናይ ምዃኑ ንምግማት ኣብዚ ጠውቑ simulateur en ligne

ኣብ ምሉእ ዓመት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ግብሪ ብቐጥታ ካብ ደሞዝካ ይቑረጽ፡ እቲ ገንዘብ ናብ ባንክ ሕሳብካ ቅድሚ ምእታዉ። እቲ ልክዕ መጠን ገንዘብ ኣብቲ ናይ ክፍሊት ወረቐት ተገሊጹ ኣሎ።

ዝያዳ ክትከፍል እንተድኣ ኣለካ፡ እቲ ናይ ግብሪ ምልክታ ክንደይ ክትከፍል ከም ዘለካን ክሳብ ኣየናይ ዕለትን ይገልጽ

ክፍለጥ ዘለዎ!
እቲ ምውጻእ ካብ ባንክ ሕሳብካ ኣውቶማቲክ እዩ፣ ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣየድልየካን እዩ።simulateur en ligne

ንተደኣ ናይ ውልቁም ስራሕ ሃልይኩም (ን ኣብነት , les auto-entrepreneurs) ንዙሓት ኣገባብ ናይ ምኽፋል ግብሪ ኣለውኹም:

  • እንተደኣ እዚ ኮይኑ ምርጫኹም le versement libératoire de l'impôt sur le revenu, እዚ ማለት ን ለዛምፖን ነቲ ብ cotisations sociales ዝበሃል ብሓንሳብ ትኸፍልዎ መለት እዩ ብ ቀጥታ ካብ autoentrepreneur.urssaf.fr.
  • ናይ መወዳእታ ክፍሊት ግብሪ ኣታዊ እንተዘይመሪጽካ፡ ከምኡ’ውን ሰራሕተኛን ኣብ ሓደ እዋን ርእስኻ እትሰርሕን እንተኾንካ፡ ግብሪኻ ብኣውቶማቲክ ዲቢት ካብ ባንክ ሕሳብካ ትኸፍል።

> ንዝያዳ ሓበሬታ : la fiche Réfugiés.info ተወከሱ "Devenir auto-entrepreneur", ናይ ውልቃዊ ኣከፋፍላ “Payer les impôts” eኣብ ታሕቲ ናይቲ ገጽ ኣለኩም

ብድሕሪኡ’ከ ?

ዓመት ዓመት ዴክለረሽን ምግባርኩም ኣረጋጹ፣ እንተደኣ ኣብ እዞም ዝስዕቡ ለውጥታት ጌሮም እውን ፣ ሓብሩ

  • ምሉእ ኣድራሻ (aኣድራሻ፣ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ቁጽሪ ቴለፎን ከምኡ ውን RIB)
  • ኩነታት ናይ ቤተሰብ le (መርዓ ወይ ፓክ PACS, ፍትሕ ፣ ወይ መስርሕ ናይ PACS, ወጻምዲ ዝሞትዎም ወይ እውን PACS መናብርቶም ዝሞትዎም፣ ወይ እውን ውሉዳት እንተለውኹም).

ኩሉ ኩነታ ን ኣታዊኹም ክጸልዎ ስለ ዝኽልእ እብ ግምት ኣእትውዎ

ኣብ ሕሳብኩም ክፈቱ espace particulier sur impots.gouv, ኣብቲ « Gérer mon prélèvement à la source » ሽዑ ዝብል « Signaler un changement » ጠውቁ.

መጠን ምቑራጽ ግብሪ፡ ብቐጥታ ካብ ደሞዝካ ዝውሰድ ሚእታዊት (%) ኣታዊኻ እዩ።ብኣገልግሎት ግብሪ ብመሰረት ኩነታትካ ዝሕሰብ ኮይኑ ኣብ ፍሉይ ቦታኻ ኣብ e espace particulier sur impots.gouv.fr,
ኣብ ሕሳብኩም espace particulier sur impots.gouv.fr, ኣብቲ "Gérer mon prélèvement à la source" .

ብ2 ኣማራጺታት ክትቅይሮ ተኽእሎ ኣሎ፤

  • ኣብ መንጎ እቶም 2 ሰባት ኣብ ሓደ ግብሪ ዝኽፈል ስድራቤት ዓቢ ፍልልይ ኣታዊ እንተሃልዩ፡ እቲ ናይ ምቑራጽ መጠን ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ ደረጃ (ንኽልቲኦም ሰባት ሓደ ዓይነት ደረጃ) ውልቃዊ ክኸውን ይኽእል (ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ)። እቲ ደረጃታት ብክፍሊ ግብሪ እዩ ዝሕሰብ።
  • ሰራሕተኛ እንተኾንካን ንውልቃዊ መጠን ምጉዳልካ ንኣስራሒኻ ክትሕብር እንተዘይደሊኻን፡ "ገለልተኛ" ደረጃ (= ብሕታዊ ዘይኮነ) ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ክፍሊ ግብሪ ኣብ እዋን ምትዕርራይ ነቲ ፍልልይ ይሕስቦ።
ኣገዳሲ!
እቲ ኣገልግሎት ግብሪ ኣሰላልዓ ብኣውቶማቲክ ወይ ብቀጥታ ክጥቀመሉ እዩ። መጠን ምጉዳል ክትቅይር እንተዘይደሊኹም፡ ኣብ ውልቃዊ ቦታ ዝኾነ ስጉምቲ ምውሳድ ኣየድልየካን እዩ። እቲ ኣገልግሎት ግብሪ ብኣውቶማቲክ ክሕስቦን ክጥቀመሉን እዩ።

ካብ 1 መስከረም 2025 ጀሚሩ፡ ግብሪኻ ብሓደ ደረጃ ግብሪ ንገዛ ግብሪ እንተ ኣእቲኻዮ (2 ንኽልቲኦም ሰባት ሓደ ዓይነት)፡ ውልቃዊ መጠን ግብሪ ብኣውቶማቲክ ይትግበር (ከከም እቶት ዝተፈላለዩ እዮም )።

ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ናብ ኣገልግሎት ሓበሬታ

  • ብስልኪ ብ 0809 401 401 (ናጻ) ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 8፡30 a ክሳብ 19 ወይ ድማ ብቐጥታ ናብ ማእከል ህዝባዊ ፋይናንስኩም ብምድዋል (ኣብቲ ናይ ግብሪ ምልክታ ዘሎ ቁጽሪ ተሌፎን)
  • ብመልእኽቲ ኣብ ውልቃዊ ቦታኹም ኣብ መርበብ ሓበሬታ espace personnel ኣብ ላዕሊ የማን፡ ኣብ impots.gouv.fr : ጠውቑ፡ ኣብ ኣርእስቲ ሕቶኹምን መልእኽትኹም ጽሓፉን።
ምፍላጡ
ቅድሚ ምድዋልኩም፡ ቁጽሪ ግብሪኹም ኣብ ጥቓኹም ውሰዱ። ፋይልኩም ረኺቡ ንጹር መልሲ ክህበበኩም ምእንቲ ክሓተኩም ክሕተት እዩ ኣዳልዉ።
ኣብ ላዕሊ ገጽ

26 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

claudia mclaudia mምምሕዳር
xavidumxavidumምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
hugo stéphanhugo stéphanምምሕዳር
nournourምምሕዳር
houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት
alinalalinalተርጓሚ/ሚት
aman expertaman expertተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
yassin bazzaziyassin bazzaziተርጓሚ/ሚት
alhindi nouralhindi nourተርጓሚ/ሚት
alaa1988alaa1988ተርጓሚ/ሚት
shamshamተርጓሚ/ሚት
yazanyazanተርጓሚ/ሚት
mohammadmohammadተርጓሚ/ሚት
nalothmannalothmanተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
utilisateur_61623907utilisateur_61623907ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
utilisateur_2134382utilisateur_2134382ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
anastasiaanastasiaተርጓሚ/ሚት
relorefrelorefኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
utilisateur_84344799utilisateur_84344799ኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ