Paramètres d'affichage

Choisissez un thème pour personnaliser l'apparence du site.

ኣገደቲ ሓበሬታ

ናብ ኩሉ ተሳተፍቲ ዝዓለመ

ናብ ተዓዘብቲሃገር ኣልባ ሰባት, ሓተትቲ ዑቕባ, ዜጋታት ፈረንሳ, ስደተኛታት, ግዝያዊ ዑቕባ ተጠቐምቲ, ናይ ዑቕባ መሰል ተጠቐምቲ
ደረጃ ርድኢት ቋንቋ ፈረንሳA2, B1, B2, C1, C2

ዋጋ

ብነጻ

ኩነታት

መንበሪ ፍቓድ ካርድ ወይ ወረቐት ምህላው

ምኽፋት ፋይል ንጠለብ ክራይ ገዛ

ኣቐድዲሙ ዝነበረ 6 місяців тому

እንታዩ’ዩ ?

እዚ DossierFaciile ዝበሃል ዲጂታላዊ ፋይል ክራይ ንምፍጣር ዝሕግዘካ ነጻ ህዝባዊ መድረኽ ’ ዩ ። ወከልትና ደጋፊ ሰነዳትኩም ይምርምሩን ድሕሪኡ ንጹርን ምሉእን ውሁድን ፋይል ንምርግጋጽ ዝኾነ ክግበር ዘለዎ ለውጢ እንተሃልዩ የሰንዩኹምን።


ምፍላጡ ዘገድስ!
DossierFacile ኣብ ውልቃዊ ጽላት መንበሪ ንዝደልዩ ሰባት ጥራይ እዩ ።

ማሕበራዊ ኣባይቲ ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ሕቶ እንተሃልዩኩምire la fiche Réfugiés.info "Demander un logement social (HLM)"

ብሳላ DossierFacil ፋይልኩም ናብቲ ትካል ወይ ወናኒ ናይቲ ክትካረዮ እትደልዩ መንበሪ ገዛ ብሓደ ጠውቂ ጥራይ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም ። ድሮ ድሉው ዝኾነ ፋይልካ ንሓደ ናይ ንብረት መወዓውዒ ካብቶም ቀዳሞት መልሲ ዝህቡ ክትከውን የኽእለካን በዚ ኸኣ እቲ እትደልዮ መንበሪ ናይ ምርካብ ዝሓሸ ዕድል ይህልወኩም።

DossierFacile ብተወሳኺ ሳላ ጽሬት ዘለዎን ዝሰማማዕን ፋይል ንመዕረፊ ዝኸውን መመልከቲኻ ኣብ እተቕርበሉ እዋን ፍሉይ ክትከውን የኽእለካ ። በዚ ኸኣ እቲ ብመንግስቲ ዝተሰየመ ፋይልካ ነቲ መጻኢ ዋናኻ ከረጋግጾ ይኽእል።

ክፍለጥ ዘለዎ!
DossierFacile ኣብ መወዳእታ ውሑስ ናይ ክራይ ፋይል ክትፈጥር የኽእለካ ፣ እዚ ድማ ግዳይ "ስርቂ መንነት" (ንዓኻ መሲሉ ዘሎ ሰብ) ከይትኸውን ከይፈራሕካ ከተካፍሎ ትኽእል ኢኻ ብርግጽ ኩሎም ኣብቲ መድረኽ ዝተቐመጡ ሰነዳት ዝኾነ ይኹን ናይ ምትላል ኣጠቓቕማ ንምክልኻል "ንኽራይ ንብረት ጥራይ ዝተሓሰቡ ሰነዳት" ብዝብል ምጥቃስ ተሸፊኖም ኣለዉ .

ከመይ ንገብሮ?

ነዚ ንምግባር ናይ ክራይ ፋይልካ ንምፍጣር ፡ ውልቃዊ ቦታ ብምፍጣር ክትጅምርዎ ይግባእ።

ናብዚ ብምጥዋቕ www.dossierfacile.logement.gouv.fr ምልኡ

  • ኣብ "Connect" ዝብል ጠውቕ።
  • ኣብ "ሓድሽ ናብNouveau sur DossierFacile ኣካውንት ምፍጣር" ዝብል ጠውቑ።
  • ኢ-መይል ኣድራሻኻ፡ ፓስዎርድካ መሊእካ ኣረጋግጽ
  • ሮቦት ከምዘይኮንካ ኣረጋግጽ እሞ ኣብቲCGU ዝብል ሳጹን ምልክት ምግባር ኣይትረስዕ
  • ድሕሪኡ ""Je crée mon compte" ዝብል ጠውቕ ምሉእ ኣካውንት ፍጠሩ።

ክፍለጥ ዘለዎ !
ካብ FranceConnect ናብ platform ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም ። FranceConnect እቲ ብመንግስቲ ዝቐርብ መፍትሒ ኮይኑ፡ ንርክብ ምስ ናይ ኦንላይን ኣገልግሎታትኩም ንምውሓስን ንምቕላልን እዩ።
ንዝያዳ ሓበሬታ Voir la fiche Réfugiés.info "Se connecter à un site avec FranceConnect"
  • ኣብ ሳጹን ፖስታኹም ከምዚ ዝስዕብ ኣርእስቲ ዘለዎ መልእኽቲ ክትረኽቡ ኢኹም፡ "Bienvenue sur DossierFacile !""እንቋዕ ናብ DossierFacil ብደሓን መጻእኩም!"
  • ኣብቲ ""Je complète mon DossierFacile ! ናተይ ወዲአዮ"

DossierFagile ብሕጊ ዝድለ ሰነዳት ጥራይ እዩ ዝሓተካ :

  • መለለዪ መንነት
  • መርትዖ ናይ መንበሪ ኩነታት
  • መርትዖ ሞያዊ ኩነታት
  • መርትዖ ጸጋታት
  • ናይ ግብሪ ምልክታ

ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ክትህቦም እትኽእል ሰነዳት ኣብዚ ብምጥዋቕ።

እቶም ፋይላት ምስተዛዘሙ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብጉጅለ ኦፕሬተራትና ይሕዙ።

  • ምሉእነት፡ ቅኑዕነት፡ ንጹርነትን ሓቅነትን ሰነዳትካ ይምርምሩ
  • ኣብ ፋይል ክራይካ ክግበር ዘለዎ ምምሕያሻት ብምምራሕ ናይ ኣማኸርቲ ተራ ይጻወቱ።

ድሕሪ እዚ ብኦፕሬተራትና ድሕሪ ምርግጋጽ፡ እቲ ውሑስ ፋይልኩም ብመልክዕ ሊንክ ወይ ብመልክዕ ፒዲኤፍ ናብ ወነንቲ ንምልኣኽ ድሉው ይኸውን።

ብድሕሪኡ’ከ ?

እቲ ፋይል ምስቲ ደገፍቲ ሰነዳት ይኹን ብዘይ እቶም ደጋፊ ሰነዳት ክካፈል ይኽእል ።

ብዘይ እቶም ደገፍቲ ሰነዳት፡ እቲ ዋና ነቲ ሰነዳት ክርእዮ ኣይክእልን እዩ፡ እንተኾነ ግን እቶም ሰነዳት DossierFacile.ብዶስየርፋሲል ከም ዝተፈተሹ ይፈልጥ እዩ።

ኣብ መንጎ ኣካራዪን ተኻራያይን ምትእምማን ምስተፈጥረ፡ እቲ ተኻራያይ ፋይሉ ምስተን ክፍልታት ከካፍል ይኽእል።

ቅድሚ ፋይልካ ምክፋልካ፡ ምስቲ ሰነዳት ይኹን ብዘይ ሰነዳት ክትሪኦ ይምከር።
ኣብ ላዕሊ ገጽ

11 ናብ ናይ ኣበርከትቲ መደብ ተላኢኹ

houssam kokachhoussam kokachምምሕዳር
a mugniera mugnierምምሕዳር
boutiecmrboutiecmrኢዝዲተር ወይ ኣርታዒ
marianneukrainemarianneukraineተርጓሚ/ሚት
niknameniknameተርጓሚ/ሚት
rezgar-bapirirezgar-bapiriተርጓሚ/ሚት
kim.delaunaykim.delaunayተርጓሚ/ሚት
bissobissoተርጓሚ/ሚት
rohullah expertrohullah expertተርጓሚ/ሚት
noornoorተርጓሚ/ሚት
olga b.olga b.ተርጓሚ/ሚት